መበል 128 ዓመት ዝኽሪ ኩናት ዓድዋ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ከተማ ዓድዋ “ክብርታት ዓወት ኲናት ዓድዋ ንሰላም፣ሓድነትን ብራኸን ትግራይን !” ብዝብል ቴማ ዘተይሳለጥ ኣሎ።
ኣብቲ ዘተ ድማ ላዕለዎት ኣመራርሓ ግዝያወዊ ምምሕዳር ትግራይ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ፣ሙሁራት፣መራሕቲ ሃይማኖት፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ ሓርበኛታት ወለዲ፣ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ዝተዓደሙ ኣጋይሽን ኣብ ዝተረኸብሉ ይሳለጥ ኣሎ።
ነቲ መድረኽ ዝኸፈቱ ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ዶ/ር ኣፅባሃ ገ/እግዚኣብሄር ኩናት ዓድዋ መቐፀልታን መዛዘምን ውግኣት ጉራዕ፣ ጉንደት፣ ሰሓጢ፣ ኩፊት፣ጋላባት፣ ዶግዓሊ፣ እምባ ኣላጀ፣ መቐለ እንዳየሱስን ካልኦትን ወለድና ኣንፃር ብርክት ዝበሉ ባዕዳውያን ወረርቲ በይኖም ዘኹርዕ ጅግንነት ፈፂፆም ዓዶም ካብ ኣርዑት ወረርቲ ከድሕኑ ክኢሎም ኢዮም ጥራሕ ዘይኮነስ ኣኽሱማውያን ወለዶም ዝወነንዎ ፍሉይ ወታደራዊ ጥበብን ምህንድስና ዓቂቦም ዘቐፀሉ ምዃኖም ብዕሊ ዘመስከርሉ ኢዩ ኢሎም።
ኣብ ኲናት ዓድዋ ኣብ ልዕሊ ወራሪ ሰራዊት ጥልያን ዓወት ንክምዝገብ ብፅሒት ራእሲታትን ሰራዊትን፣መሓውር ስለያን ብሓፈሻ ድማ ብፅሒት ህዝቢ ትግራይ ዝጎለሀ ነይሩ ዝበሉ ዶ/ር ኣፅበሃ እዚ ክሳብ ሐዚ ብዝግባእ ዘይጎለሀን ዘይተነገረሉን ክቡር ታሪኽ ጎሉሂ ክወፅእን ተዓቂቡ ናብ ወለዶታት ክሓልፍን ክስራሕ እዩ ኢሎም።
ኣብዚ ንመበል 128 ዓመት ዝኽበር ዘሎ በዓል ኲናት ዓድዋ ኣብ ዝሓለፉ 127 ዓመታት ዝነበሩ ህፀፃት ተረኽ ንምእራም፣ክብርታት እዚ በዓል ከም መዋፅኦ ትግራይ ዝውረስ ትምህርቲ ብምውሳድን ምስሊ ትግራይ ዝልውጥ በዓል ብምኽባር ሕሉፋት መፅባዓታት ናብ ተግባር ንክኣትዉ ዘተታት ብምክያድ ህዝብና ብልምዓት ንምድባስ ቱኽረት ክግበር ምዃኑ ዶ/ር ኣፅበሃ ኣብሪሆም።
ኣብቲ ዓውደ ዘተ ተሳትፎ ህዝቢ ትግራይን መራሕቱን ታይ ይመስል ነይሩ፣እቲ ኲናት ሙሉእ ዓወት ከምዘይብሉ ይፍለጥ እዩ ግን ንምንታይ ኣብቲ ክፍተት ኣብዚሕና ዘይተዛረብናሉን ክንመሃረሉ ዘይተገበረን፣ ቀፀልቲ ልምዓት ቱሪዝም እባ ኣላጀ፣እንዳየሱስ መቐለ፣ ዓድዋን ካልኦትን እንታይ ክኸውን ይግባእን ናብ ማዕዶ ምቁማት ገዲፍና ኣብ ናይ ባዕልና ዋኒን ሸኺልና ከመይ ዘምለጡና ዕድላት ልምዓት ቱሪዝም ታሪኻዊ ቦታታት ንስራሕን ካልኦትን ዝበሉ መፅናዕታዊ ፅሑፋትን ሓሳባትን ይቐርቡ ኣለኽው።
