Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:

  1. መንግስቲ ክልል ኣምሓራ መሬት ትግራይ ኣብ ካርትኡ ኣስፊሩን ኣካል ስርዓተ ትምህርቱ ገይሩን ዝኸዶ ዘሎ ሓላፍነት ዝጎደሎ ተግባር ህዝቢ ትግራይ ቆራሪስካ ናይ ምጥፋእ ወፍሪ ምዃኑ ፈሊጡ ብህፁፅ ንክእርሞ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣተሓሳሲቡ።

መንግስቲ ፌደራል እዉን ቅድሚ ሐዚ ብትካላት ፌደራል ሐዚ ድማ ብክልል ኣምሓራ ዝዳለዉ ዘለዉ ሓላፍነት ዝጎደሎም ካርታታት ክእርምን ኣብ ልዕሊ ጥፍኣት ዝፈፀሙ ኣካላትን ትካላትን ስጉምቲ ክወስድን ብዘይምኽኣሉ ንባዕሉ ኣካል እቲ ጥፍኣት ምዃኑ ዘመላኽት ከምዝኾነ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ኣፍሊጡ።

  1. ኣብ ዓውደ ቱሪዝም ትግራይ ዝበፅሐ ዕንወት ብምሕዋይን ምንቕቓሕ ብምፍጣርን እቲ ሃፍቲ ናብ ቁጠባዊ ረብሓ ምልዋጥ ከምዘድሊ ሙሁራን ስነ ጥንትን ሰብ ሞያን ገሊፆም።

ትግራይ ወናኒት ዕቑር ሃፍቲ ቱሪዝም እናሃለወት ከምዘይተጠቐመትሉ ዝገለፁ እቶም ሰብ ሞያ እዚ ብዝግባእ ብምዕቃብ ናብ ረብሓ ህዝብን ዓድን ምልዋጥ ልዑል ቆላሕታ ብምሃብ ክስርሐሉ ከምዝግባእ ድማ ገሊፆም ኣለዉ።

  1. ዝተፈላለዩ ፀገማት ዝተጓሕጉሑ ጎቦታት ንምሕዋይን ናብ ዘላቒ ረብሓ ንምስግጋርን ዝጀመሩዎ ፃዕሪ ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅልሉ ነበርቲ ወረዳ ኣስገደ ገሊፆም።

ጀጋኑ ዝወደቑሎም ጎቦታት ምሕዋይን ናብ ዘላቒ ረብሓ ምስግጋርን ኣካል ምትግባር ሕድሪ ሰማእታት ምዃኑ እቶም ነበርቲ ወሲኾም ሓቢሮም።

  1. ምህርትን መፍረይነትን ሕርሻ ንምብራኽ ተፈጥሮኣዊ እታወታት ብምጥቃም ጥዕና መሬት ምሕላውን ልሙዕነት ሓመድ ምምሕያሽን ከምዘድሊ ተገሊፁ ።

ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ዙርያ ኣደላልዋን ኣጠቓቕማን ኮምፖስት ቶፕ 21 ዘድሀበ ስልጠና ንሰብ ሞያ ሕርሻን ሰራሕተኛታት ልምዓትን ተዋሂቡ ኣሎ።

ዝብሉን ካልኦት ዛዕባታትን ተኻቲቶም ኣለው ።

.