Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ሕቶ ማሃያ መምህራን

“ሕቶ ውዝፉ መሃያ ናይ መምህራን ጥራሕ ኣይኮነን ፥ ንውድቀና እውን ከም ምኽንያት ክቐርብ የቡሉን” ክብሉፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀ ታደሰ ወረደ ገሊፆም። እዚ ዝተገልፀ ስነ-ስርዓት ሽልማት ብሉፃት ተምሃሮ 12 ክፍሊ 2017 ዓ.ም ኣብ ዝተሳለጠሉ እዋን እዩ። ፕሬዚዳንት ታደሰ ኣብ ኸቢድ ናይ ፖለቲካን ኢኮኖምን ቅልውላው ኮይንኹም ነዚ ሽልማት ዝበቓዕኹምን ዘብቃዕኹሙን ኣካላት እንኳዕ ደስ በለኩም ኢሎም። ወሲኾም…

ዜና ትግርኛ
0

ሓድነትና

“እንገብሮ ዘለና ስልጠና መረጋገፂ ቀፃሊ ህላወን ድሕንነትን ህዝብናን ዓድናን እዩ” ኣብ ኣርሚ 33 ኮር 331 ክ/ሰራዊት ሙሴ ክሳለጥ ዝፀንሐ ቀዳማይ ዙር ስልጠና ሎሚ 29 መስከረም 2018 ዓም ተዛዚሚ ኣሎ። እታ ክ/ሰራዊት ብምኽንያት ክተካይዶ ዝፀንሐት ስልጠና ምዝዛም ምረቓን ዝኽሪ ስውኣት ኣባላታን ዘሳለጠት ኮይና ኣብቲ ስነስርዓት ተጋደላይ ሸሪፎ ተረኺቡ እዩ። ዋና ኣዛዚ ኣርሚ 33 ተጋደላይ ወልደጀወርግስ ተኽላይ…

ዜና ትግርኛ
0

WHO

ዩኒቨርሲቲ ሃርቫርድ ፤ ንዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ እዋን ሰብኣዊ ቅልውላው ብሉፅ ኣመራርሓ ዘርኣየ ብዝብል ሰብኣዊ ሽልማት ኤልሳቤጥ ቢ ዋይንትዝ ሸሊሙ ። ኣብ ዓለምና ካብቶም ብሉፃት ዝበሃሉ ዩኒቨርሲቲታት ሓደ ዝኾነ ዩኒቨርሲቲ ሃርቫርድ ፡ ካብ 2015 ኣ.ፈ. ኣትሒዙ ኣብ እዋን ሰብኣዊ ቅልውላው ብሉፅ ኣመራርሓ ንዘርኣየን ራእይ ዘለዎ ህዝባዊ ሰብ ብዝብል ክብሪ ዘጓናፅፈሉ ዓመታዊ ሽልማት ኤልሳቤጥ ቢ ዋይንትዝ…

ዜና ትግርኛ
0

ጆኖሳይድ

ኮሚሽን መፅናዕቲ ጄኖሳይድ ትግራይ ከካይዶ ዝፀንሐ መፅናዕቲን ዳህሳሳትን ንህዝቢ ዓለም ዕላዊ ከም ዝገብር ኣፍሊጡ። እቲ ኮሚሽን ነዚ ዘፍለጠ ሎሚ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለፂ እዩ። ኮሚሽን መፅናዕቲ ጄኖሳይድ ትግራይ ቅድም ክብል ኣብ ማሕበረ-ቁጠባዊ ዘድሃበ ዝተፈላለዩ ፀብፃባትን ኬዛትን ናብ ትካላት ክልእኽ ከምዝፀነሐ ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን የማነ ዘርኣይ ሓቢሮም። እቲ ሕዚ ዝወፅእ ዘሎ ፀብፀብ ን 3 ዓመታት ክስነድን…

ዜና ትግርኛ
0

ሀርበኛታት ትግራይ

ኮሚሽን ሓርበኛታት ትግራይ ከቢድ ናይ ናብራ ፀገም ዘለዎም ካብ ዝተፈላለያ 14 ወረዳታት ትግራይ ብረቋሒ ንዝተሓረዩ 320 ስድራ ስውኣት ንመበል 4ይ ግዜ ብ ከባቢ 16,000,000 ብር ንሕድሕድ ስድራ ስውእ ብር 50,000 ሒሳብ ከከም ኣድላይነቱ ብዓይነትን ብገንዘብን ደጋፍ ንምግባር ይንቀሳቀስ ምህላው ተሓቢሩ።እቲ ንድጋፍ ዝውዕል ገንዘብ ዝተረኸበ ኣብ ሃገረ ኣሜሪካ ካብ ዝርከባ 7 ስቴታት ዝርከቡ ዳያስፖራ ትግራይን ብ…

ዜና ትግርኛ
0

ዘምድረ ቀደምት

ዓውደ ርእይ” ዘምድረ ቀደምት” እካል ፍሉይ ምድላው ክብረ በዓል “ዘገበረ ተኣምር” ዝኾነ ምርኢት ዓውደ ርእይ ሎሚ ዕለት 28 መስከረም 2018ዓ/ም ብወግዒ ኣብ ከተማ ዓድዋ ተኸፊቱ ። ስልጣነ ትግራይ ካብ ዘመነ ዳ’ኣማት ጀሚሩ ዝሓለፎም ምዕራፋት ታሪኽ ዘመላኽት ብቤተ ክህነት ኣገላልፃ ድማ ካብ ሕገ -ሓሳብ ክሳብ ሕገ -ወንጌል ንዝነበረ ጉዕዞ ዘመላኽት ምኾኑ ኣብ’ቲ ኣውደ -ርእይ መብርሂ ዝህቡ…

ዜና ትግርኛ
0

ትምህርቲ ትግራይ

ውፅኢት ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና 12 ክፍሊካብ 23 ሰነ ክሳብ 8 ሓምለ 2017 ዓ.ም ኣብ ዝተውሃበ ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና 12 ክፍሊ ከም ሃገር ልዕሊ 585 ሺሕ ተምሃሮ ፈተና ዝወሰዱ እንትኸውን እቶም 8 ነጥቢ 4 ሚኢታዊ ተፈተንቲ 50 ሚኢታዊን ልዕሊኡን ብምምፃእ ብቀጥታ ናብ ዩንቨርሲቲ ዘእቱ ነጥቢ ከምዝረኸቡ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ገሊፁ።ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዘማሓድረን ወረዳታት 247 ካልኣይ…

ዜና ትግርኛ
0

ጀጋኑ ዉጋኣትና ፣

ጀጋኑ ወጉኣት ተጋደልቲ ትግራይ ምሕካምን ግቡእ ክትትል ክረኽቡ ምግባርን ዋኒን መንግስቲ ፣ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ኩሉ ትግራዋይን ምኳኑ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ ጀነራል ታደሰ ወረደ ገሊፆም። እዚ ዝተገለፀ ብምትሕብባር ኮምሽን ሓርበኛታት ትግራይን ማእኸል ጥዕና ሰራዊት ትግራይን ወፍሪ ሕክምና ምንዋሕን ዳግመ ህንፀትን መሓውር ብዕሊ ኣብ ዝተጀመረሉ መድረኽ እዩ። ህዝቢ ትግራይ ኣብ መዋእል ዘመኑ ህልውናኡን ድሕንነቱን…

ዜና ትግርኛ
0

እዋናዊ መግለፂ ቢሮ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ

ቤት ፅሕፈት ኮሙዩኒኬሽን ክልል ኣምሓራ 24 ሓምለ “በአማራ ክልል ወልቃይት ጠገዴ ሰቲት ሁመራ በቃብትያ ሁመራ ወረዳ ዘርባቢት ቀበሌ የጠጠር መንገድ ተመርቆ ለአገልግሎት ክፍት ሆኗል’ ዝብል ዜና ሰሪሖም ቃፍታ ሑመራ ልክዕ ከምቲ ብተደጋጋሚ ዝገብርዎ ኣካል ክልል ኣምሓራ ገይሮም ብምቕራብ ብቅሉዕ ሕገ-መንግስታዊ ጥሕሰት ዝተመልኦን ንውዕሊ ፕሪቶርያ ዝፃባእን ተንኳሳይ ዜና ሐዚ እውን ሒዞም ወፂኦም ኣለዉ። ብምዃኑ ድማ ቃፍታ…

ዜና ትግርኛ
0

መግለፂ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ

ብፅንተታዊ ኹናት ዝተሃሰየ ህዝቢ ትግራይ፡ ሐዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ሓያሎ መከርኡ ካብ ተፈጥሮ ዋሕዲ ዝናብ ዝነቅል ሓደጋ ጥሜት ኣንፀላልዩዎ ኣብ ከቢድ ናይ ምህላውን ሞትን ፀበባ ይርከብ። ኣብ ጣብያታት ቆላ ተምቤን ኣጋጢሙ ዘሎ ሞት ህዝብናን ጥሪትን ድማ ዋና ኣብነት እዩ። ኣብዚ ጉዳይ ብግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓስ ድሩት ምዃኑ፡ ኣዝዩ ዘሻቕል ካብ ምዃን ሓሊፉ ብውፅኢቱ…

ዜና ትግርኛ
0

ጀነራል ፃድቃን ገ/ትንሳኤ ኣብዚ ቐረባ ማዓልትታት ኣብ ጉዳይ ሃገርነት ኣመልኪቶም ዘሕለፍዎ መልእኽቲ፡ ንባህጊ ወለዶታት ትግራይ ዝፃረርን ንድሌት ህዝቢ ትግራይ ዘየገናዘበን እዩ ክብል ውድብ ናፅነት ትግራይ (ውናት) ኣፍሊጡ።

እቲ ውድብ ኣብ እዋናዊ ኩነታት አድሂቡ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ከም ዝበሎ: መዋፅኦ ትግራይ ባህጊ ወለዶ ትግራይ ዘግህድን ሓድነት ተጋሩ ዘጠናኽርን መንግስቲ ምምስራት እዩ ኢሉ። ‎ውድብ ናፅነት ትግራይ ካብ ዝምስረት ጀሚሩ ብሔራዊ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ንምርግጋፅን ኣብ ሓድነት ዝተመስረት ጥምረት ተጋሩ ንክህሉ እናተግሀ መፂኡ እዩ ዝበሉ ኣቦ ወንበር እቲ ውድብ ዶ/ር ደጀን መዝገበ፡ ኣብ ቀረባ…

ዜና ትግርኛ
0

የኦሮሞ ፈሰቲቫል

የኦሮሞ ምሁራን የፓለቲካ ፓርቲዎች ተወካዮች ስምምነትና ውሳኔዎች ሲያትል ፣ ዋሽንግተንሐምሌ 31 ቀን 2025 (እ.ኤ.አ.) የኦሮሞ ምሁራን የፓለቲካ ፓርቲዎች ተወካዮች ቀን ውይይት በሲያትል ዋሽንግተን ሐምሌ 31 ቀን 2025 ተካሂዷል።በኦሮሚያ፣ ኢትዮጵያ እና የአፍሪካ ቀንድ ጉዳዮች ላይ ሰፊ ውይይትና ትንተና ካደረግን በኋላ ከዚህ በታች በተዘረዘሩት ጉዳዮች ላይ ተስማምተን ውሳኔዎች ላይ ደርሰናል። አንደኛ፡ አሁን በኢትዮጵያ ያለው አገዛዝ የኦሮሞን ህዝብ…

ዜና ትግርኛ
0

ዜና ሓዘን

ዜና ሓዘን ነባር ጋዜጠኛ ታደሰ ሚዛን (PhD) ዓሪፉ! ብ1963 ዓ/ም ኣብ ትግራይ ከተማ ውቕሮ ዝተወልደ ጋዜጠኛ ታደሰ ሚዛን ትማሊ 02 ሓምለ 2017 ዓ.ም ኣብ ሲያትል ኣሜሪካ ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈልዩ። ካብ ዩንቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ብጋዘጠኝነትን ኮሚዩኒኬሽን ፣ ደሓር ድማ ኣብ ወፃኢ (ኣሜሪካ) PhD ዝተምሃረ ጋዜጠኛ ታደሰ ሚዛን ኣብቲ ሞያ ኣለው ካብ ዝበሃሉ ነባራት ጋዜጠኛታት ሓደ…

ዜና ትግርኛ
0

ህዝቢ ትግራይ ብሓባር ዝሳገረሉ “ኣገብእ” ተባሃሂሉ ብሄሩ ዘውሕሰሉ መድረኽ ንክፍጠረሉ ጉባኤ ህዝባዊ ርክባት ትግራይ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

ህዝቢ ትግራይ ኣጋጢምዎ ካብ ዘሎ ቅልውላው ዝድሕነሉ ኩሉ ብሓባር ዝሳገረሉን “ኣገብእ” ተባሂሉ ብሄሩ ዘውሕሰሉ መድረኽ ክህልዎ ፃውዒት ጉባኤ ህዝባዊ ርክባት ትግራይ ፀዊዑ። ጉባኤ ህዝባዊ ርክባት ትግሪይ “ኣገብእ” ንበል! ኣብ ምድሓን ብሄር ንዕሰል! ብዝብል ዘዳለዎ ዓቢዪ ሰነድ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፀኦ ጋዜጣዊ መግለፂ ፤ ብምኽንያት ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝተኣወጀ ኲናትን ዘጋጠመ ስነ ልቦናዊ፣ ፓለቲካውን ማሕበረ ቁጠባውን ቅልውላዋትን…

ዜና ትግርኛ
0

መልእኽቲ በዓል ዓወት ዓድዋ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ!

ፈለማ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ንዝርከብ መላእ ህዝብና እንኳዕ ንመበል 129 ግዜ ዝኽበር ዘሎ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ኣብፀሐኩም ኣብፅሐና ክንብል ንፈቱ። እዛ ዕለት ህዝቢታት ብሓድነት ሰሚሮም ብዘመናዊ ዕጥቂ ዝለዓለ ፀብለልታ ምስ ዝነበሮ ወራሪ ጥልያን ገጢሞም ዓለም ለኻዊ ዓወት ዝዓተርሉን ኣብቲ ዘመን መላእ ኣፍሪካ ኣብ ኢድ ባዕዳውያን ወረርቲ ዝወደቐትሉን ኣንፃር ኣውሮፓውያን ተዋጊእኻ ምስዓር ኣይከኣልን ዝብል ናይ…

ዜና ትግርኛ
0

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንምፍራስን ነቲ ዝተጀመረ ለውጢ ብሓይሊ ንምትዕንቃፍን ምንቅስቃሳት ብምህላዎም ተወዲብና ብስርዓት ክንቃለሶ ኣለና ክብሉ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሓላፊ ክላስተር ኢኮኖሚ ኣይተ በየነ መክሩ ገሊፆም።

ኣይተ በየነ መክሩ ነዚ ዝገለፁ ፤ ህልዊ ኩነታት መሰረት ዝገበረ መድረኽ ዘተ ነበርትን ኣመራርሓን ከተማ መቐለ ይሳለጥ ኣብ ዘለሉ እዋን እዩ። እቶም ሓላፊ ክላስተር ኢኮኖሚ ኣብቲ መድረክ ዘተ ኣብ ዘስምዕዋ ዘረባ ናትና ጉዳይ ክኸውን ዝግበኦ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብሙሉእነት ምትግባርን ትግራይ ብመረፃ መንግስቲ ክህልዋ ምግባርን እዪ ኢሎም። ኹናት ንምትራፍ ክንሰርሕን ዝተጀመረ ለውጢ ክነቐፅልን ይግባእ ዝበሉ ኣይተ…

ዜና ትግርኛ
0

” ኣብ ትግራይ ኣጓኒፉ ዘሎ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ካብ ዝሓመቐ ናብ ዝኸፍአ ኩነታት ይሰጋገር ስለ ዘሎ ፡ ዓቕሚ ተጋሩ መዝሚዝካ ንምጥቃም ቀፀልቲ መድረኻትን ምልዛብን ክህሉ ይግባእ “

በዚ ዕለት ኣብ ዙርያ ማሕበራዊ ፣ፖለቲካውን ቁጠባዊን ኩነታት ትግራይ ኣመልኪቱ ንዝተፈላለያ ሚድያታት መግለፂ ዝሃበ እቲ ማሕበር ፣ኣብ ትግራይ ኣጓኒፉ ዘሎ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ካብ ዝሓመቐ ናብ ዝኸፍአ ኩነታት ይሰጋገር ስለ ዘሎ ልዑል ጥንቃቐ ከም ዝጠልብ ድማ ኣረዲኡ ። ስለ ዝኾነ ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነታት ፣ከም ብሄር ከይንጠፍእ ተስፋ ዝግበረሉ ዝተወደበ ዓቕሚ ተጋሩ እንትህሉ እዩ ዝበለ እቲ…

ዜና ትግርኛ
0

ካብ ሳይበር ፓወር ትግራይ ሚድያ ዝተውሃበ እዋናዊ መብርሂ

ዝኸብርኩምን ዝኸብርክንን ፍቱዋት ተኸታተልቲ ሳይበር ፓወር ትግራይ ሚድያ እዛ ሚድያ እዚኣ ናይ ህዝቢ ትግራይ ሚድያ እያ። ናይ ማንም ውድብ ኮነ ፖለቲካዊ ውዳበ ተለኣኣኺት ኣይኮነትን። ንዝኾነ ይኹን ውድብ ዓቕምና ብዝፈቐዶ ብማዕርነት ነገልግልን ሽፋን ንህብን ሚድያ ምኳንና ኹሎም ውድባት ፖለቲካ ትግራይ መሰኻኽርና እዮም ኢልና ንኣምን ካብ ሐዚ ንደሓር እውን ሓይልና ኣጠናኺርና ተጠናኺርና እንቅፅለሉ ነገር እዩ። ውድብ ናፅነት…

ዜና ትግርኛ
0

ህልውናና ህዝብናን ውድብ ህወሓት ውሑስ ንምግባርን ጉዕዞ ትንሳኤና ንምግሃድን ኩሉ ከም ሓደ ኮይኑ ክረባረብ ከምዘለዎ ኣቦመንበር ውድብ ህወሓት ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ገሊፆም።

ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ነዚ ዝገለፁ ብምኽንያት መበል 50 ዓመት ወርቂ እዮቤልዮ 11 ለካቲት ኣብ ህልው ኩነታት ውድብ ህወሓት ፃንሒት ኣብ ዝገበሩሉ ግዘ እዩ። ዶ/ር ደብረፅዮን ኣብ ቃለ መሕተቶም፤ “እንርከበሉ ኩነታት ኣዝዩ ከቢድን ዝተሓላለኸን ምዃኑ ዝፍለጥ እኳ እንተኾነ ኣብ ክሊ እዞም በዳህቲ ፈተናታት ተሓፂርና እግርናን ኢድናን ኣጣሚርና እንሪአሉ ዘይኮነስ መዋፅኢ መንገድታት ኣለሊና፣ ጉዕዞ 50 ዓመት ልደት…

ዜና ትግርኛ
0

ብዝተወሰኑ ኣካላት ፀጥታ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝበፅሐ ጉድኣት ህፁፅ ፍታሕ ክወሃቦ ተወከልቲ ነበርቲ ወረዳታት ሳምረን ሰሓርቲን ሓቲቶም።

መቐለ፥ 14 ለካቲት 2017 ዓ.ም. (ቴሌቪዥን ትግራይ) ኣብ ወረዳ ሰሓርቲ ጣብያ ኣዲስ ኣለም ብዝተወሰኑ ኣካላት ፀጥታ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝተፈፀመ ተግባር ኣመልኪቶም ተወከልቲ ነበርቲ ወረዳታት ሳምረን ሳሓርትን ምስ ፕረዚዳንትን ምኽትል ፕረዚዳንትን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዘትዮም። እቶም ነበርቲ ከም ዝበልዎ ብዝተወሰኑ ፀጥታ ኣካላት ማሕተም ተዘይኣረኪብኩም ብዝብል ኣብ ህዝቢ ሰሓርቲ ጒንፂ ክፍጠር ይግበር ኣሎ ኢሎም። “ባዕልና…

ዜና ትግርኛ
0

ካብ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ትግራይ ዝተውሃበ እዋናዊ መግለፂ👇👇👇

ዘይዛሪ ፀለመ ንምንታይ?! ሰራዊት ትግራይ ምእንቲ ህልውናን ድሕንነትን ህዝቡ፣ ምእንቲ ብሄራዊ ረብሕኡን ክብሪ ዓዱን ክብል ክባር ናይ ሂወት ዋጋ እናኸፈለ ዝመፀን ዘሎን ፣ ህዝባዊ ባህሪኡ ንዋጋ ዕዳጋ ዘየቕርብ ፤ ዋልታ ህዝቡ ኮይኑ ኣብ ዘይሕለል መኸተ ዝርከብ ህዝባዊ ሓይሊ እዩ ። ይኹንምበር ብዘይፍላጥ ዝሕወስ የለን እኳ እንተዘይተባህለ፤ እቲ ዝበዝሕ ኮነ ተባሂሉ ናይ ፀጥታ ሓይልናን ኣመራርሕኡን ካብ…

ዜና ትግርኛ
0

ብሓይሊ ኣመራርሓ ንምልዋጥ ዝግበር ከይዲ ተቐባልነት ከምዘይብሉ፤ ኣብ ልዕሊ መምርሒ ዝሃቡ ኣመራርሓ ተጻርዩ ተሓታትነት ከምዝረጋገጽን ንህዝቢ ዕላዊ ከምዝግበርን ተመላኺቱ።

እዚ ዝተገለጸ ኣብ ልዕሊ ንፁሃት ሰባት ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ክውሰድ መምርሒ ዝሃቡ ኣመራርሓ ብሕጊ ክሕተቲ ዝጽውዕ ጥርዓን ናብ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ኣብ ዝቐረበሉ እዩ። ወከልቲ ወረዳታት ሰሓርትን ሳምረን ሎሚ ናብ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ኣብ ዘስምዕዎ ጥርዓን፤ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ካብ ህዝቢ ክንፀሉ ዝገብር ተግባር መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ንፁሃት ሰባት ንክፍፅም ልኡኽ ዝሃቡ ኣመራርሓ ብሕጊ ክሕተቱ…

ዜና ትግርኛ
0

ውዕል ፕሪቶሪያ፡ ጌታቸው ረዳ ዘልዓለን ሰለስተ ነጥቢታት

17 ለካቲት 2025 ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰናብቲ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ መበል 38 ጕባኤ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ መስርሕ ሰላም ትግራይ ኣመልኪቱ ዘትዩ። ኣብቲ ብሰንበት 16 ለካቲት 2025 ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝመርሖ መስርሕ ሰላም ትግራይ ተረኺቦም ዝበሎም ተመኵሮታት ኣመልኪቱ ጸብጻብ ኣቕሪቡ። እቲ ሕብረት፡ ነቲ ኣብ መወዳእታ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ደው ንምባል…

ዜና ትግርኛ
0

ቅድሚ 50 ዓመታት፡ ከምዚ ሎሚ 11 ለካቲት 1967 ዓ.ም ኣብ በረኻታት ደደቢት ቃልሲ ዝወለዐ ህወሓት፡ ድሕሪ ነዊሕ ናይ ብረታዊ ቃልሲ፡ ንወተሃደራዊ ስርዓት ደርጊ ኣፍሪሱ ሓድሽ ስርዓት ክሃንፅ ጀሚሩ ነይሩ።

እንተዀነ፡ ሎሚ መበል 50 ዓመት ፅምብል ምስረታ በዓሉ፡ ብዝተኸፋፈለን ዝተገማመዐን መንፈስ ከኽብር ዝተገደደ ይመስል። ምስ ካልኦት ሰለስተ ብሄራዊ ውድባት ስምረት ብምፍጣር፡ ኢህኣዴግ ብዝብል ገዛኢ ውድብ ፈጢሩ ን30 ዓመታት ፖለቲካ እታ ሃገር ዓብሊሉ ዝገዝአ ውድብ ህወሓት፡ ካብ ብረታዊ ቃልሲ ሓሊፉ፡ ኣብ ዓወዲ ቁጠባዊ ዕቤት ብዝነኣድ ለውጢ ከመሓድር ዝጸንሐ እንተዀነ’ኳ፡ ብኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ዓውዲ ፖለቲካን ክውቀስ…

ዜና ትግርኛ
0

ኣብ ትግራይ ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ከም ዝዀኑ ዝተነግረሎም ዕጡቓት ብዝፈፀምዎ መጥቃዕቲ ኣስታት 20 ሰባት ከም ዝተጐድኡ ተገሊፁ።

እቲ መጥቃዕቲ፡ ትማሊ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ወረዳ ሰሓርቲ ከም ዝተፈፀመ መሰኻኽር ዓይኒ ሓቢሮም። ነቲ ኣብ ጣብያ ኣዲስኣለም፡ ቁሸት ኣፅገብታ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝዀነነ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ፖለቲካዊ ድርኺት ዘለዎ ምዃኑ ብምግላጽ ንገለ ኣዘዝቲ ሰራዊት ከሲሱ’ሎ። “ሓይሊ ተጠቕምካ መሓውር ጣብያታት ንምፍራስ ኣብ ዝግበር ዘይሕጋዊ ተግባራት ኣብ ልዕሊ ንፁሃት ሰባት ናይ ሓይሊ ስጉምቲ እንትውሰድ እውን ኣብ…

ዜና ትግርኛ
0

ብምኽንያት መበል 50 ዓመት ኢዮቤልዩ በዓል 11 ለካቲት ካብ ማሕበር ደቂ ስውኣት ተጋደልቲ ትግራይ ዝተውሃበ መግለፂ~~~~~ህዝቢ ትግራይ ኣብ መዋእሉ ብዙሓት ናይ ደገን ውሽጥን ፀላእቲ ሃለዋቱ ኣብ ሕቶ ዘእቱ ፈተናታት እናብፅሕሉ ከም ህዝቢ ብዝተወደበ መንገዲ እናመከተ ህልውንኡ ዘውሓሰ ናይ ቃልስን ዓወትን ህዝቢ እዩ፡፡ ቅድሚ 50 ዓመት 11 ለካቲት 1967 ዓ/ም እውን እምቢ ንመግዛእቲ እምቢ ንጭቆና ብምባል ብውሑዳት ጀጋኑ ደቂ ህዝቢ ዝተጀመረ ዝተወደበ ቃልሲ ን17 ዓመታት መሪር ተጋድሎ ህዝባዊ ቃልሲ ብምክያድ ካብቲ ዝነበሮ ስርዓት ደርጊ ሓራ ብምውፃእህዝቡን ዓዱን ውሑስ ብምግባር ዘመን ተሳጋሪ ጅግንነት ፈፂሙ እዩ።

11 ለካቲት እንትነኽብር ብሳዕሲዕትን ጓይላን ጥራሕ እንተይኮነስ ምእንቲ ህላወ ዓድን ህዝብን ክብሉ ዝሓለፉ ስውኣትና ብምዝካር ፣ ስውኣትና ዝሓደጉልና ሓደራ ብምፍፃምን ስድራ ስውኣትና ብምሕጋዝን ከምኡ እውን ምእንተ ትግራይ ክብሉ ኣካሎም ዝጎደሉ ጀጋኑ ውጉኣት ተጋደልቲ ኣብ ጎኖም ብምዃንን ክነኽብሮ ይግባእ። ብውዕሊ ፕሪቶርያ ዝተረኸበ ተነፃፃሪ ሰላም ዓቂብና ንልዕሊ ኣርባዕተ ዓመታት ካብ መረበቱ ተፈናቒሉ ኣብ ብጣዕሚ ከርፋሕ ሂወት ኣብ…

ዜና ትግርኛ
0

ዝኸበርካ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዘለኻ ህዝቢ ትግራይ፣

ፈለማ እንኳዕ ንመበል 50 ዓመት ምጅማር ዳግማይ ወያነ ህዝቢ ትግራይ በዓል 11 ለካቲት ብሰላም ኣብፀሐካ ኣብፅሓና ክብል ይፈቱ። ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ብመራሕቲ ሃይማኖትን ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ዝመፁ ግዱሳት ተጋሩን ፈተውቲ ትግራይን ዝኾኑ ዓበይቲ ዓድን ዝተፈላለዩ ናይ ድርድርን ዕርቅን ተበግሶታት ተጀሚሮም ነይሮም እዮም። በቲ ተጀሚሩ ዝነበረ ተበግሶ ብውሑዱ ኣፈላላያትና ንጎኒ ኣፅኒሕና በዓል 11 ለካቲት በሓባር ንምኽባርን…

ዜና ትግርኛ
0

መበል 50 ዓመት ወርቅ ኢዮቤልዩ ልደት ህወሓትን ምጅማር ዝተወደበ በረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይን 11 ለካቲት ብሔራዊ ሓድነትና ብምጥንኻር ብሄራዊ ረብሓታትና ንምርግጋፅ ዘኽእል ኣብ ሓቂ፣ ሕጊን ትካላዊ ኣሰራርሓ ተደሪኽና ቃልስና ከነሕይል ይግባእ ኢሎም ላዕለዋይ መሪሕነት ውድብ ህወሓት ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋ።

11ለካቲት ምጅማር ዝተወደበ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይን ልደት ህወሓትን ኢልና ኢና ንፅውዖ ፡ 11 ላካቲት ካብ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ነፂልካ ዝረኣ ኣይኮነን ብምባል ንነጺልካ ምርኣይ ጉቡኡ ከምዘይኮነ ገሊፆም ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋ። ክብርታትን ትውፊታትን ህዝቢ ትግራይ ድማ ሃገራዊ ክብሪታትን ኩርዓትን ኮይኖም ይቕፅሉ ኣለዎ ክብሉ ተዛሪቦም ። ህዝቢ ትግራይ ካብ ዝለዓለ ስልጣነ ቁልቁል ወሪዱ ኣብ ትሕቲ ብሄራዊን ደርባዊን…

ዜና ትግርኛ
0

” መንእሰይ ትግራይ ወለዱ ዝሰርሕዎ ፅቡቕ ስራሕ ብምሓዝ ዝተሰርሑ ጌጋታት ብምእራም ተስፍኡ ከለምልም ይግባእ “

መንእሰይ ትግራይ ወለዱ ዝሰርሕዎ ፅቡቕ ስራሕ ብምሓዝ ዝተሰርሑ ጌጋታት ብምእራም ተስፍኡ ከለምልም ይግባእ ክብሉ ምክትል ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌተናል ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ ገሊፆም ። እዚ ዝተገለጸ ብቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኮሚዩኒኬሽን ትግራይ ዝተዳለወ ዝኽሪ መበል 50 ዓመት 11 ለካቲት ኣብ ከተማ መቐለ ይሳለጥ ኣብ ዘለሉ መድረኽ እዩ። ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም መልእኽቲ ዘስምዑ ምክትል ፕረዚደንት ግዝያዊ…

ዜና ትግርኛ
0

“ልኡኻት ሃገራት ኣውሮፖን ኣሜሪካን ብበዝሒ ክንመፅእ ዝኸኣልና ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብዝድለ ፍጥነት ብዘይ ምፍፃሙ እዩ” _ኣምባሳዶር ዳረን ዊልች።

ልኡኻት ሃገራት ኣሜሪካ ፣ኢንግሊዝ ፣ጣልያን ፣ጀርመን ፣ዴንማርክ ፣ፈረንሳይን ሕብረት ኣውሮፓን ምስ ፕሬዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ጌታቸው ረዳ ኣብ ህልዊ ኩነታት ትግራይ ኣመልኪቶም ይዝትዩ ኣለዉ። ፕረዚዳንት ጌታቸው ረዳ ውዕሊ ሰላም ብዘይምትግባሩ ምምላስ ተመዛበልቲ ኮነ ፀገም ትግራይ ክፍታሕ ከምዘይከኣለ ተዛሪቦም። እቶም ልኡዃት ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብሙሉእነት ክፍፀም ኣብ ምግባር እጃሞም ክፍፅሙ ሓቲቶም። ኣምባሳደር እንግሊዝ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳዶር ዳረን ዊልች…

ዜና ትግርኛ
0

ኣምባሳደራት ዓባይ ብሪታንያ ፣ ኣሜሪካ፣ ጀርመን፣ ጣልያን፣ ፈረንሳይ፣ዴንማርክን ሕብረት ኣውሮፓን ኣብ ህልዊ ፓለቲካዊ ኩነታት ትግራይን ኣፈፃፅማ ውዕሊ ሰላም ፕሪቶርያን ኣድሂቦም ንምዝታይ መቐለ ኣትዮም ።

እቶም ኣምባሳደራት ምስ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳን ኣቦ ወንበር ውድብ ህወሓት ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤልን ተራኺቦም ክዝትዩ ትፅቢት ይግበር ። ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ነቶም ኣምባሳደራት ኣብ ዓለምለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ ተረኺቦም ተቐቢሎሞም ኣለው። እቶም ኣምባሳደራት ኩነታት ተመዛበልቲ ክርእዩ ምዃኖም እውን ተገሊጹ። ዳንኤል ገብረእግዚኣብሄር

ዜና ትግርኛ
0

Dr. Moses Haregewoyn Lauded for Excellence in Health Care Project Management

Press Release January 21, 2025 Moses Haregewoyn channels years of expertise into his work with Automated Health Systems  Share This Story: 136Shares DUBLIN, OH, January 21, 2025 /24-7PressRelease/ — Moses Haregewoyn has been included in Marquis Who’s Who. As in all Marquis Who’s Who biographical volumes, individuals profiled are selected on the basis of current reference value.…

ዜና ትግርኛ
0

ምስረታ ኣማኻሪ ካውንስል ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ !!

ኣባላት ኣማኻሪ ካውንስል ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንኣይተ ሞጎስ ታፈረን ዶክተር ደጀን መዝገቦን ኣካብን ምክትል ኣካብን እቲ ኣማኻሪ ካውንስል ገይሮም መሪጾም። ምስረታ ኣባላት ኣማኻሪ ካውንስል ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ሓዊሱ ብምልኣተ ጉባኤ ይሳለጥ ኣሎ። ምስረታ ኣማኻሪ ካውንስል ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብዘይግባእ ውሽጣዊ ጉዳያት ከምዝተዳናጎየ ዝገለጹ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ፣ምስረታ እቲ ኣማኻሪ ካውንስል ኣብ ናይ…

ዜና ትግርኛ
0

ካብ ቢሮ ሰላም ፀጥታን ትግራይ ዝተውሃበ መግለፂ!!

ላዕለዎት ኣመራርሓ ሰራዊት ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ ውሑዳት መዓልታት ንብሄራዊ ረብሓን ንኹሎም ሉኣላዊ ክብርታትን ህዝቢ ትግራይ መሰረት ገይሮም ኣብ ዘካየዱዎ ዘተ ተመስሪቶም፣ ብዕለት 14/05/2017 ዓ/ም ናይ ቅዋም መግለፂ ከም ዘውፅኡ ይፍለጥ። እቲ ዝወፀ መግለፂ ግልፅን ዘየሻምን ኮይኑ እናሃለወ ገለ ኣካላትን ውልቀ ሰባትን ንትኽክለኛ ትሕዝቶ እቲ መግለፂ ንጎኒ ብምግዳፍ ነናብ ናቶም ባህግን ድሌትን እናወጣጠጡ ካሊእ ዘይራኸብን ምንም…

ዜና ትግርኛ
0

ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ብግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንክጣየሽ ኣብ ከይዲ ዝርከብ ኣማኻሪ ካውንስል ከምዘይቕበሎ ኣፍሊጡ።

ኣቦወንበር ሳወት ኣይተ ኣሉላ ሃይሉን ሓላፊ ክፍሊ ሕጊን ስነመንግስትን ሳወት ኣይተ የማነ ካሳ ብሓባር ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፣ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ 2016 ዓ/ም 9 ውድባትን ሲቪክ ማሕበራት ዝተስማዕመዓሉ ግዚያዊ ቤት ምኽሪ ንምጥያሽ ዝቐረበ ሰነድ ስምምዕነት ብምግዳፍ ኣማኻሪ ካውንስል ንምጥያሽ ዝጀመሮ ምንቅስቓስ ኮኒኖም። እቲ ክጣየሽ ተደልዩ ዘሎ ኣማኻሪ ካውንስል ካብ ምምኻር ሓሊፉ ክውስን፣ ክትትልን ቁፅፅርን ክገብር…