ዩኒቨርሲቲ ሃርቫርድ ፤ ንዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ እዋን ሰብኣዊ ቅልውላው ብሉፅ ኣመራርሓ ዘርኣየ ብዝብል ሰብኣዊ ሽልማት ኤልሳቤጥ ቢ ዋይንትዝ ሸሊሙ ።
ኣብ ዓለምና ካብቶም ብሉፃት ዝበሃሉ ዩኒቨርሲቲታት ሓደ ዝኾነ ዩኒቨርሲቲ ሃርቫርድ ፡ ካብ 2015 ኣ.ፈ. ኣትሒዙ ኣብ እዋን ሰብኣዊ ቅልውላው ብሉፅ ኣመራርሓ ንዘርኣየን ራእይ ዘለዎ ህዝባዊ ሰብ ብዝብል ክብሪ ዘጓናፅፈሉ ዓመታዊ ሽልማት ኤልሳቤጥ ቢ ዋይንትዝ የዳሉ ።
ሎሚ ዘበን ድማ ዓለምና እብ ኩሉ ኩርናዓት ብኩናት ፣ ከበድቲ ተላበድቲ ሕማምት ፣ ማእለያ ዘይብሎም፡ቕልውላዋት ኣብ ዘላትሉ ፣ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ ዘይዛረየ ፀቕጢ ኮይኖም ንዘርኣይዎ ብሉፅ ኣመራርሓ ንዘርኣይዎን ስብኣውነትን ተግባራዊ ስራሕን በዓል ራእይ ህዝባዊ ሰብ ብዝብል ክብሪ ክውንዘፉ ሰብኣዊ ሽልማት ኤልሳቤጥ ቢ ዋይንትዝ ኣበርኪትሎም ኣሎ።
ነቲ ሽልማት ዝተቐበሉ ዋና ዳይሬክተር ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ፡ ሎሚ ካብ ሃርቫርድ ዩኒቨርሲቲ ሰብኣዊ ተበግሶ ዝወሃብ ሰብኣዊ ሽልማት ኤልሳቤጥ ቢ ዋይንትዝ ብዓሚቕ ምስጋናን ሓበንን ትሕትናን እየ ዝቕበሎ ኢሎም ።
እዚ ሽልማት ኣብ ውድብ ጥዕና ዓለም ብዘለው ኩሎም መሳርሕተይ ሽም እየ ዝቕበሎ ናታቶም ውፅኢት እውን ስለዝኾነ ክብሉ ድማ ገሊፆም ።
ኣብ ጋዛ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ኩናት ኮይኖም ፡ ህይወት ዘድሕን ክንክን ዝህቡ ዘለው መሳርሕተይ ፣ ኣብ ዲሞክራቲክ ኮንጎ ንለበዳ ኢቦላ ምላሽ ዝሃቡን ዝህቡን ዘለው ሰብ ሞያ ፤ ኣብ ሱዳን፡ ብናይ ዓመታት ኲናት ሕድሕድ ዝተደፋፍአ ለበዳ ሕማም ኮሌራ ምኽታብ፤ ኣብ መላእ 6 ዞባታትን ዋና ቤት ጽሕፈታትን 150 ዝተፈላለያ ሃገራት ንዘለው መሳርሕተይ ኣፍልጦ ዝሃበ ሽልማት እዩ ኢሎም፡
እዚ ሽልማት ንዝኽሪ ኤልሳቤጥ “ቤትሲ” ዋይንትዝ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሃርቫርድ ኣብ ሰብኣዊ ኣመራርሓ ንዝገበረቶ ብሉጽ ኣበርክቶ ኣፍልጦ ብምሃብ ዝብርከት ሽልማት እዩ።
