«መቐለ 40 ማዕልትታት»
1 ታሕሳስ 2017 ኩሎም ታሪኻዊ ፍልፍላት ከም ዝሕብሩዎ፤ ንመበቆላ ትግራይ ሙሉእነት ዘለዎ መራሒ ወፂኡላ ኣይፈልጥን ናብ ዝብል መደምደምታ ከምርሕ ይደፋፍኡኒ ኣለዉ፡፡ ሃገራዊ ኮነ ትካላዊ ወይ ውድባዊ መራሒ ቀንዲ መዐቀኒኡ እዩ ኢለ ዝኣምነሉን ብዙሓት መፅናዕታት እውን ዘመላኽቱዎ፤ ዘለወሉ ኩነታትን ዓቕምን ዝፈልጥ፣ ካብ’ዙ ህልው ኩነታትን ዓቕምን ተበጊሱ መፃኢ ክኸውን ዝኽእልን ዘለዎን ኣቕዲሙ ዝእምት፣ ናብ’ቱ ኣርሒቑ ዝኣመቶ ንኽበፅሕ…
