ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ፕሬዝዳንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ “ኣብ ትግራይ ካብ ዝተወለዐ ቅሉዕን ትሉምን ኲናት ዝበፅሐ ዕንወት ቀልጢፍና ንምሕዋይ ግደ ትካላት ፋይናንስ ዝለዓለ ብምዃኑ ተጠናኺረን ክወፅኣን ንዳግመ ህንፀት ትግራይ ኣስተዋፅኦ ብዝገብራሉ ኣገባብ ድጋፍ ክንገብር ኢና” ኢሎም።
ባንኪ ግእዝ ብሕጋዊ ኣገባብ ተጣይሻ ብቀፃልነት ረብሓ ኣባላታን ህዝብን ከምእተረጋግፅ ምሉእ ተስፋ ከምዘለዎም ድሕሪ ምባል ናብ ስራሕ ንኽኣቱ መንግስቲ ክሕግዝ እዩ ኢሎም።
ግዝያዊ መተሓባበሪ ባንኪ ግእዝ ኣይተ ኣብርሃ ገብረዋህድ ፣ ባንኪ ግእዝ ዕብየት ሃገር ንምስላጥን ድልየት ህዝቢ ንምምላእ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ግዲኡ ንምውፃእ ፃዕሪ እናገበረ ምዃኑ ሓቢሮም።
ክልተ ቢልዮን ብር ዝዋግኡ ክልተ ሚልዮን ዕጫ (ኣክስዮን) ንመሸጣ ኣቕሪቡ ከምዝነበረን ኣብ ዝሓፀረ ግዘ ውሽጢ ንምስረታ ዘብቅዕ ሃፍቲ ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ኣኪቡ ከምዝነበረ ዝሓበሩ ኣይተ ኣብርሃ ብሰንኪ ቫይረስ ኮሮናን ብኲናት ትግራይን ምጥያሻ ከምዝተጓተተ ኣፍሊጦም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ተፈጢሩ ብዘሎ ሃዋህው ሰላም ኣብ
2016 ባንኪ ንምዃን ዘድልን ንምስረታ ዘብቅዕን ትልሚ ወፂኡ ንተግባራውነቱ እናሰርሑ ከምዝኾኑ ድሕሪ ምግላፅ ባንኪ ግእዝ ንምጥያሽ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዝርከብ ትግራዋይ ኣክስዮን ክገዝእ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ላዕለዎት መራሕቲ ትግራይ፣ ሰብ ሃፍቲ፣ ምሁራ፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ካልኦትን ኣብ ዙርያ ዝቐረበ ፅሑፍ እናተዛዩ እዮም።
