ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ብዳይረክተር ዶክተር ራሚዝ ኣልክባሮቭ ምስ ዝተመርሕር ጉጅለ ፅሕፈት ምትሕብባር ሰብኣዊ ጉዳያት ውድብ ሕቡራት መንግስታት /UN OCHA/ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ዘተ ኣካይዶም።ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ብዳይሬክተር ቤት ፅሕፈት ምትሕብባር ሰብኣዊ ጉዳያት ውድብ ሕቡራት መንግስታት/UN OCHA/ ኣብ ኢትዮጵያ ዶክተር ራሚዝ ኣልባሮቭ ምስ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ትግራይ ዘትዮም ፡ሎሚ 25 ነሓሰ 2015 ዓ/ም ኣብ ኣዳራሽ ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ትግራይ ኣብ ዝተሳለጠ ሓፂር ዘተ ኣብ ምምላስ ተመዛበልቲ ፣ሰብኣዊ ሓገዝን ወራር ዕስለ ኣምበጣ ምክልኻል ብዛዕባ ዝከኣለሉ ዝተዛተዩ እንትኸውን፣ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ብዛዕባ ከይዲ ትግባረ ስምምዕ ሰላምንፕሪቶርያ ኣብ ህዝቢ ዘጋጥም ዘሎ ማሕበረ ኢኮኖሚያዊ ፀገም ኣድሂቦም ዝርዝር መብርሂ መብርሂ ሂቦም። ብወገን እቶም ልኡኽ ድማ እቲ ብሰንኪ ክናት ዘጋጠመ ፀገም ከቢድ ምዃኑ ብምግላዕ ንምፍትሑ ሓባራዊ ፅዕሪ ከምዝገብሩ ቃል ኣትዮም ፡፡ኣብ መወዳእታ እቲ ጉጅለ ልኡኽ ተመዛበልቲ ናብ ዝርከብሉ ቦታ ምብፃሕ ክገብር ‘ዩ።
ቤት ፅሕፈት ፕረዝደንት
Office of the President- Tigray
