Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ግዚያዊ መንግስቲ ትግራይ ሪፈረንደም ናይ ምክያድ ስልጣን ከምዘይብሉ ምክትል ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣፍሊጦም

ምክትል ፕረዚደንትን ሓላፊ ካቢኔ ሴክሬታሪያት ሰላምን ፀጥታን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ከይዲ ኣፈፃፅማ ዉዕሊ ፕሪቶርያን ተዛመድቲ ጉዳያትን ኣድሂቦም መግለፂ ሂቦም ።

እቶም ምክትል ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳርን ሓላፊ ካቢነ ሰላምን ፀፅታን ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ግዚያዊ መንግስቲ ትግራይ ሪፈረንደም ናይ ምክያድ መሰል ከምዘይብሉ ኣፍሊጦም።

እቶም ምክትል ፕረዚዳንት ሕዚ ተፈጢሩ ንዘሎ ተነፃፃሪ ሰላም ብዘይዘርግ መንገዲ ውዕሊ ሰላም ፕሪቶርያ ብምሉእነት ክትግበር መርገፂ ሒዙ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ይሰርሕ ከምዘሎን ፡ብሓይሊ ተታሒዞም ዘለው ሕገ መንግስታዊ ኣፍልጦ ዘለዎም ከባብታት ትግራይ ብመሰረት ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ናብ ትግራይ ክምለሱ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብሰላማዊ መንገዲ ከም ዝደፍኣሉ እውን ገሊፆም።

ክግበር ዝፀንሐ ክልቲኣዊ ርክባት ኣብ ዝቕፅል ሰሙን መደራደርቲ ኣካላት ኣብ ዝተረኸብሉ ትግበራ ውዕሊ ሰላም ፕሪቶርያ ከምዝግምገም ዝገለፁ ተጋዳላይ ታደሰ ወረደ፣ ዘጋጥሙ ዘለው ዕንቅፋታት ክፍትሑ ትፅቢት ከምዘሎ እውን ኣመላኺቶም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *