Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ዘምድረ ቀደምት

ዓውደ ርእይ” ዘምድረ ቀደምት”

እካል ፍሉይ ምድላው ክብረ በዓል “ዘገበረ ተኣምር” ዝኾነ ምርኢት ዓውደ ርእይ ሎሚ ዕለት 28 መስከረም 2018ዓ/ም ብወግዒ ኣብ ከተማ ዓድዋ ተኸፊቱ ።

ስልጣነ ትግራይ ካብ ዘመነ ዳ’ኣማት ጀሚሩ ዝሓለፎም ምዕራፋት ታሪኽ ዘመላኽት ብቤተ ክህነት ኣገላልፃ ድማ ካብ ሕገ -ሓሳብ ክሳብ ሕገ -ወንጌል ንዝነበረ ጉዕዞ ዘመላኽት ምኾኑ ኣብ’ቲ ኣውደ -ርእይ መብርሂ ዝህቡ ሰብ-ሞያ እቲ ዓውዲ ገሊፃም ።

ኣብ’ቲ ዓውደ -ርእይ ኣብ ኩሎም ከባቢታት ትግራይ ዝርከቡ ታሪኻዊ ሓድግታት ዝቐረቡ እንትኾኑ ዋና ዓላማ እቲ ኣውደ -ርእይ ተጋሩ ታሪዃምን ባህሎምን ፈሊጦም ንኻልኦት ዘፋልጥሉ ሃዋህው ብምፍጣር ቁፅሪ ሃወፅቲ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ንኽውስኽ ዘኽእል ኩነታት ምፍጣር እዩ ።

እዚ “ዘምድረ -ቀደምት ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ርእሲ ዝተዳለወ ዓውደ -ርእይ አብ አዲስ አበባን መቐለን ዝርከቡ ኣባላት ሙሓዘ መዓር ቅዱስ ገብርኤል ዓድዋ ዝተዳለወ እንትኸውን መስከረም 29ን 30ን ንዝኽበር በዓል “ዘገበረ ተኣምር” መሰረት ገይሩ እዩ ዝካየድ ዘሎ ።

ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ገዳም እንዳባ ገሪማ ዑደት ዝግበር እንትኸውን ንዑደተኛታት እቲ ገዳም ብዛዕባ ዝሓዞም ታሪኻዊ ሓድግታት መብርሂ ክዋሃብ እዩ ።

ድሕሪ ዝተወሰነ እዋን ድማ ዘለው ታሪኻዊ ሓድግታት ከመይ ናብ ልምዓት ቱሪዝም ንቕይሮም ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ፖናል ምይያጥ ክካየድ እዩ ።

በዓል ዘገበረ ተኣምር ኣቡነ ገሪማ ኣብ ወረዳ ዓድዋ ብድምቀት ካብ ሞንጎ ዝበዓሉ ሃይማኖታዊ በዓላት እቲ ሓደ እንትኸውን ኣብ 5ይ ክፍለ ዘመን ትሽዓተ ቅዱሳን እዋን ብኣቡነ ገሪማ ኣብ ዓድዋ እንዳ ኣባ ዘማርያም ንዝተፈፀም ተኣምራት ንምዝካር እቲ ዝነውሓን ብሕታውን ዝኮነ ናይ ታቦት ጉዕዞ በብዓመቱ ዝካየደሉ እዩ ፤ 29 መስከረም ድማ ይካየድ ።

ኣብ ትግራይ መስሕብ ቱሩዝም ፡ ፍልፍል ፍልጠትን ክብርታትን ኮይኑ ካብ ሞንጎ ዝፅራሕን ሓደ እዩ ገዳም ኣቡነ ገሪማ ፤ በዓል ዘገበረ ተኣምር ድማ ኣብ ወረዳ ዓድዋ ብድምቀት ካብ ሞንጎ ዝበዓለ በዓላት ሓደ እዩ ።

ኣብ’ቲ ገዳም ኣብ 5ይ ክፍለ ዘመን ብ ኣቡነ ገሪማ ብግእዝ ዝተፀሓፈ መፅሓፍ ወንጌል ፥ ብተፈጥሮ ቀልም ዝተሳኣሉ ጥንታዊ ስእልታት ብውሽጡ ዝተዓጀበ ስነ ልሳን ሰነ ፅሑፍን ስነ ጥበብን ከምኡ እውን ሃይማኖታውን ሳይንሳውን መፃሓፍትን ካልኦት ታሪኻዊ ሓድግታትን ይርከቡ ።

ብቅዱስ ያሬድ ዝተፃሓፋ 4ተ ድጎ መፃሕፍቲ ፥ መቓብር ኣፍሪቓዊ ፈላማይ ጀነራል ኣሉላ ኣባ ነጋ ዝርከበሉ እዩ ።

እቲ በዓል ብዝተአላለዩ ምድላዋት ዝፅምበል ኮይኑ ናቱ ኣካል ዝኾነ እዩ እቲ ሎሚ 28 መስከረም 2018 ዓ/ም ብወግዒ ተኸፊቱ ዘሎ ዓውደ ርእይ ። ካብዚ ብተወስኺ ብፖነል ምይያጥ ዑደት ፥ ስፖርታዊ ንሕንሓትን ካልኦት ፍፃመታትን እውን ተዓጂቡ ብድምቀት ክኽበር እዩ ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *