ማሕበር ልምዓት እገላ፣ አብ አዲስ አበባን ስዑዲ ዓረብን ምስ ዝርከቡ ተወለድቲ እገላ ብምትሕብባር ልዕሊ 6 ሚልዮን ብር ዝግመት ሓገዝ ናውቲ ትምህርቲ ንቤት ፅሕፈት ትምህርቲ እገላ አረኪባ።
ተመሃሪት ንያት ይርጋለም ተምሃሪት 7ይ ክፍሊ ብሰንኪ ኮረናን ጀኖሳይዳዊ ኩናት ትግራይን ንልዕሊ ሰለስተ ዓመት ካብ መአዲ ትምህርቲ ተፈልያ ብምፅናሕ ብዝተረኸበ ተስፋ ሰላም ናብ ቤት ትምህርቲ ተመሊሳ እቲ ቤት ትህርምህታን መምሃሪ ክፍላን ዓንዩን ተጓሒሉን አብ እምኒ ከፊላ ክትመሃር ተገዲዳ።
ሰብአውነትን ወገናውነትን ዝስመዖም ተወለድቲ እገላ ብዝገበርዎ ሓልዮት ግን ተስፋ ተመሃሪት ንያት ለምሊሙ ካብ ከፍ መበሊ እምኒ ናብ ወንበር ተሰጋጊራ አላ።
ማሕበር ልምዓት እገላ አብ መንግስቲ ዘይበፅሖም ማሕበራዊን ኢኮኖምያዊን ፀገማት ብምፅናዕ አብ ሩፍታ ተመሃሪት ንያትን መላእ ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ትሰርሕ አላ።
ናይዚ መርአያ ብሰንኪ ኩናት ዝዓነዋ አብያተ ትምህርትን ሕፅረት ናውትን እንዳፈለየት አብ አዲስ አበባ ምስ ዘለው ተወለድቲ እቲ ከባቢ ብምርድዳእ ን10 ሽሕ ተመሃሮ ናውቲ ሓገዝ ከምዝገበረት አቦ ወንበር እታ ማሕበር ዶክተር ዳዊት ወልደ ብርሃን ገሊፆም።
