ላዕለዎት ኣመራርሓ ውድብ መግቢ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ስልጣኖም በገዛ ፍቓዶም ከምዝለቐቑን ተገሊፁ።
ላዕለዎት ኣመራርሓ ውድብ መግቢ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ስልጣኖም በገዛ ፍቓዶም ከምዝለቐቑን እዚ ምስቲ ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ምስ ዝተብሃለ ስርቂ ሓገዝን ዝካየድ ዘሎ ምፅራይን ምትእስሳር ከይሃለዎ ከምዘይተርፍን ዘኒዉ ሂማኒተርያን ፀብፂቡ።
ዉድብ መግቢ ዓለም ነቲ ኣብ ሓገዝ ኣጋጢሙ ዝበሎ ስርቂ ክሳብ ምፅራይ ዝካየድ ዝልእኾ ሓገዝ ጠጠዉ ከምዘበለ ዘዘኻኸረ ዘኒዉ ሂማኒተርያን እቶም ላዕለዎት ኣመራርሓ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ካብ ስልጣኖም ከምዝለቐቑ ዘፍለጡ ድማ ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ምርመራ ንህዝቢ ዕላዊ ክግበር ኣብ ዝተቓረበሉ እዋን እዩ ኢሉ።
ካብ ስልጣኖም ከምዝለቐቑ ኣብ ኢትዮጵያ ዳይረክተር ውድብ መግቢ ዓለም ክላውድ ጂቢዳርን ምክትሎም ጀኒፈር ቢቶንደን 2 ሰነ 2023 ኣቆፃፅራ ኣዉሮፓ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ሰራሕተኛታት ከምዘፍለጡ ዝፀብፀበ ዘኒዉ ሂማኒተርያን እዚ ምልቃቕ ስራሕ ምስቲ ዝካየድ ዘሎ ምፅራይ ዝተሓሓዝ ምኻኑ ከምዘይተርፍን እንተኾነ ነዚ ንምርግጋፅ ካብ ትካል ዉድብ መግቢ ዓለምን ምስኡ ዝሰርሑ ትካላትን ኣብዚ ጉዳይ ርኢቶ ሓቲቱ ምላሽ ክረክብ ከምዘይከኣለን ፀብፂቡ።
ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ብወገኑ ዘካየዶ ምርመራ ቅድሚ ምዝዛሙ ኣብ ኢትዮጵያ ላዕለዎት ሰበስልጣኑ ብወለንታኦም ካብ ስልጣኖም ከም ዝለቐቝ ዝገልጽ ጸብጻብ ነጺጉዎ።
ቤት ጽሕፈት ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኢትዮጵያ ሎሚ 6 ሰነ 2023 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ኢትዮጵያዊ ዋና ዳይረክተር እቲ ትካል ክላውድ ጊቢዳርን ምክትሉ ጀኒፈር ቢቶንን ካብ ስርሖም ከም ዘይተሰናበቱ ገሊጹ።
ትግቲቪ
