Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፡ ምስ ውድብ ብልፅግና ኮነ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ እወንታዊ ናይ ስራሕ ርክብ ከም ዘለዎ ተዛሪቡ።

ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፡ ምስ ውድብ ብልፅግና ኮነ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ እወንታዊ ናይ ስራሕ ርክብ ከም ዘለዎ ተዛሪቡ።

ምፅንባር ህወሓት ናብ ብልፅግና ኣመልኪቱ ኣብ ቀረባ መዓልታት፡ ክወፁኡ ዝቐነዩ ሓበሬታታት ግን “ፍፁም ሓሶት’ዮም” ክብል ነፂጉ። ቢቢሲ ትግርኛ ፕረዝደንት ጌታቸው ኣብ ፎኮስ ኦን ኣፍሪካ ቐሪቡ ንዝሃብዎ መብርሂ ብምጥቃስ ከም ዝፀብፀቦ ።

“ኣብ ቀረባ ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ ምስ ውህደት ዝተኣሳሰር ኣይኰነን። እቲ እነካይዶ ዘለና ዝርርብ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ተግባራዊ ዝዀነሉ ኣገባብ’ዩ። ውህደት ኣጀንዳ ኰይኑ ኣይፈልጥን” ብምባል መብርሂ ሂቦም ።

ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ዘለዎም ርክብ ዝምልከት ዝተሓተተ ኣቶ ጌታቸው፡ “ፅቡቕ ናይ ስራሕ ርክብ’ዩ ዘለና። ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ናይ ርእስና ዝተፈላለዩ ኣረኣእያታት ኣለውና” ኢሎም።

ወሲኹ፡ “ስምምዕ ፕሪቶሪያ፡ ብሓባር ንክንሰርሕ ዕድል ስለ ዝሃበና፡ ንህዝብና ኣብ ዘገድሱ ጉዳያት ብሓባር ክንሰርሕ ሓጊዙና እዩ። እዚ ድማ ቀፃሊ እዩ ኢለ ይግምት” ክብል መልሲ ሂቦም ።

ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ንምትግባር ኣብ ዝግበር ዘሎ ልዝብ ምስ መንግስቲ ፌደራል ፅቡቕ ምርድዳእ ይካየድ ከምዘሎ ፕረዚዳንት ጌታቸው ረዳ ገሊፆም።

ፕረዚደንት መንግስቲ ትግራይ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ከምዝገለፅዎ ኣፍቶም ገና ዘይተመልሱ ግዝኣታዊ ሓድነት መሬት ትግራይ ዝተደኮኑ “ዘይሕጋዊ” ምምሕዳራት ኣምሓራ ንምፍራስ ምስ መንግስቲ ፈደራል ስምምዕ ከም ዝተገብረ ኣረዲኦም።

ኣብ ኣላማጣ ንሕና ዝጀመርናዮ ይኹን ዘካየድናዮ ጎንፂ የለን፤ መንግስቲ ፈደራል’ውን ሓይልታት ትግራይ ግጭት ጀሚሮም ኣይበለን። ካብዚ ወፃኢ ኣብዞም ከባቢታት ዘለው ዘይሕጋዊ ምምሕዳራት ኣብ ምፍራስ ምስ መንግስቲታት ፈደራልን ኣምሓራን ብሓባር ኢና ንሰርሕ ዘለና” ምባሎም ቢቢሲ ትግርኛ ንፀብፃብ ፎከስ ኦን ኣፍሪካ ብምጥቃስ ፀብፂቡ።

ኣብቲ ንኽልተ ዓመታት ዝዘለቐ ኲናት ዝተፈጸሙ ሰብኣዊ ግህሰታት ተሓተትቲ ክዀኑ ዝግብኦም ኣካላት ክሕተቱ ኣለዎም ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው፡ “ንዓይ ሓዊሱ፡ ዝዀነ ይዅን ሰብ ክሕተት ኣለዎ። ዋላ ሓደ ናፃ ንክኸውን ክፍቀድ የብሉን። ሰላምን ፍትሕን ንምዕሳል ዝበደለ ክሕተት ኣለዎ” ኢሉም።

“ኣብ ትግራይ ቅድሚ ሓደ ዓመት ዓርሶም ዝኽእሉ ዝነበሩ ሰባት ሕዚ ኣይክእሉን። ቍፅሪ ተመዛበልቲ ውሽጢ ዓዲ ስለ ዘይነከየ ክኣ እቲ ኵነታት ኣዝዩ ሕሱም’ዩ። ስለዚ፡ ኵሉ ዓይነት ሰብኣዊ ረድኤት ኢና ንደሊ።

ፎቶ ካብ ፋይል

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *