ተወልደ ዕምበብ ሓደ ሰነድ ኣዳልዩ ምስ መራሕቲ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ከምዝተመያየጡሉ ኣዝዩ ተኣማኒ ሓበሬታ ረኺበ ኣለኹ። ሓቂ እንተዘይኸውን ኣነ’ውን ምተሓጎስኩ ነይረ፤ እቲ ዘሕዝን ግን ሓቂ ምዃኑ እዩ።
ብመሰረት እቲ ተዳልዩ ዘሎ ሰነድ እቶም መራሕቲ ኮማንድ ሰራዊት ንዝተወሰኑ ኣዋርሕ “ሞንጎኛታት” ኮይኖም ሓዉሲ ኣሻማገልቲን መፋራራሕትን ክኾኑን ቀፂሎም ድማ ንኽልቲኦም ናይ ህወሓት ሓይልታት ኣልዮም (ብርግፅ እቲ ሓደ ጉጅለ ኣብ ስልጣን ስለዘየለ ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ጉጅለ ክኣልዩ እዩ ዝኸውን ዘሎ)፣ ንኹሎም ፖለቲካዊ ሓይልታት ትግራይ ንጎኒ ገዲፎም ስልጣን ክብሕቱ እዩ ተሓሲቡ ዘሎ።
እቲ ሓሳብ ብፍላይ ተወልደ ቅድም ኢሉ ጀሚሩ ከሰጉሞ ዝፀንሐ ሓሳብ ኮይኑ ብሰንኪ ኣብ ሞንጎ ተወልደን ጀ/ል ታደሰን ዝነበረ ናይ ሓሳብ ጎንፂ ናብ መሬት ክዓልብ ኣይከኣለን ነይሩ። ሐዚ እቲ ኣፈላላይ ተፈቲሑ ተዓሪቖም ተመሳሳሊ መርገፂ ሒዞም ዘለዉ ይመስል፡፡
ከምዝፍለጥ መራሕቲ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ 7 እዮም – ጀ/ል ታደሰ ወረደ፣ ጀ/ል ፍስሃ ማንጁስ፣ ጀ/ል ጆን መዲድ፣ ጀ/ል ወዲ እምበተይ፣ ጀ/ል ምግበይ፣ ጀ/ል ማሾ በየነ፣ ኮ/ል ተወልደ ዕምበብ።
እቲ ብቐንዱ ብተወልደ ዕምበብ ተዳልዩ ዘሎ ሰነድ ናብ መሬት እንተዓሊቡ ሐዚ እውን ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዘላ ትግራይ ብዝተፈለየ ኩነታት ኣብ ትሕቲ ወታደራዊ ኣገዛዝኣ ወዲቓ፣ ካብ ዓለም ዝገደደ ተነፂላ ካብ ዝሓመቐ ናብ ዝኸፍአ ኩነታት ክትሰጋገር እያ ፤ መከራ ትግራይ ክጋደድ እዩ።
መላእ ትግራዋይ፣ ብፍላይ መንእሰይ ትግራይ፣ ምሁራት ትግራይ፣ ተናሓናሕቲ ውድባት ነዚ ብተደጋጋሚ ዘቃልዖ ዘለኹን ክሳብ ሐዚ ብዘደንግፅ ኩነታት ግቡእ ትኹረት ዘይረኸበን ጉዳይ ብዝግባእ ክፍትሾ፣ ክመያየጠሉ ይላቦ ኣለኹ።
