“ምጥንካር ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ንሰላምን ዕቤትን “ብዝብል መራሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ መቐለ መድረኽ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ።
ኣብዚ መድረኽ ተረኺቦም መልእኽቲ ዘሕለፉ ሓላፊ ካቢኔ ሰክሪተርያት ትልሚን ስግግር ማሕበራዊ ልምዓትን ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረህይዎት፣ እቲ መድረኽ ዘተን ስዒቡ ዝሳለጥ ሃገር ለኸ ባዛርን ኤግዚብሽንን ካብ ቁጠባዊ ረብሕኡ ብተወሳኺ ርክብ ህዝብታት ዘጠናኽርን ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ዘጠናኽርን ምዃኑ ተዛሪቦም።
ሓላፊ ኤጀንሲ ሕብረት ስራሕ ማሕበርን ልምዓት ዕዳጋን ትግራይ ኣይተ ነጋ ኣሰፋ ብወገኖም ፣ነቶም ካብ ሙሉእ ሃገር ዝመፁ ተሳተፍቲ እንዃዕ ብሰላም መፃኹም ኢሎም።
ኣይተ ነጋ ኣሰፋ ብሰንኪ ጆኖሳይዳዊ ኲናት 97 ሚኢታዊ ስራሕ ማሕበራት ናይ ሰብ ህይወት ሞትን ዕንወት ንብረትን ከምዘጋጠመን ገሊፆም።
ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ዝተረኸበ ተነፃፃሪ ሰላም ንምጥንኻር ፣ ኣብ ትግራይ ዝርከባ ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ምስ ሃገር ለኸ ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ምትእስሳር ዕዳጋ ንምፍጣርን ዕላማ ዝሓዘ መድረኽ ዘተን ባዛርን ኤግዝብሽንን ምዃኑ ገሊፆም።
እዚ ሃገር ለኸ ባዛርን ኤግዚብሽንን ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ካብ ሎሚ ድሕሪ ሰዓት ጀሚሩ ንተኸታታሊ ሸሞንተ መዓልታት ኣብ ከተማ መቐለ ከምዝኽፈት ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ኣብዚ ብኤጀንሲ ሕብረት ስራሕ ማሕበርን ልምዓት ዕዳጋን ትግራይ ምስ ኩለመዳይ ዕዳጋ ፌደሬሽንን ኣማነ ማርኬት ፕሮሞሽንን ዝተዳለወ ሃገር ለኸ ባዛርን ኤግዚብሽንን ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ካብ ኦሮሚያ፣ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ክልላትን ዝሳተፍሉ ምዃኑ ተገሊፁ።
