Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ምጅማር ዕላዊ ወፍሪ መንነት(ምትእክካብ እቶት)

ብሰንኪ ወረርቲ ሓይሊ ታት ካብ መረበቶም ተመዚቢሎምን ተሰዲዶምን ከርፋሕ ናብራ ዘሕልፉ ዘለዉ ተጋሩ ሂወቶም ንምድሓን ዝዓለመ ብብርኪ ክልል ወፍሪ ምትእክካብ እቶት ብዕሊ ተጀሚሩ።

እቲ ወፍሪ ምድሓን መንነት ዝብል ስያመ ዝተውሃቦ ኮይኑ
ንተሓጋገዝ፣ንሕወ ፣ንገስግስ ብዝብል ቴማ እዩ ተጀሚሩ ዘሎ።

እቲ ወፍሪ ምትእክካብ እቶት አብ 3 ብርኪ ዝተከፈለ ኮይኑ አብ ሓፂር እዋን ማእከላይን ነዊሕን ተባሂሉ ተኸፋፊሉ አሎ።

እቲ ፈውሪ ብኣሰናዳእነት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብአተሓባባርነት ክላስተር እግሪ ምትካልን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ እዩ ዝካየድ ዘሎ።

አብቲ ዋዕላ ላዕለዎት ሰብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ
ላዕለውት ሰብ መዚ ሓይሊታት ፀጥታ፣ መራሕቲ ሃይማኖት፣ መራሕቲ ውድባት ሰብ ሃፍትን ዕዱማት አጋይሽን ይሳተፉ አለዉ።

ሐዚ እቶም ተመዛበልቲ ሂወቶም ንምድሓን ዝግበር ዘሎ ከይዲ ምትእኽኻብ እቶት ኮይኑ ናብ ዓዶም ምስተመለሱ ስዒብካ እግሪ ምትካልን ምጥያሽን ስራሕቲ ከምዝስራሕ እዩ ንምፍላጥ ዝተኽአለ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *