ኣብቲ ዋዕላ ንፀብፃብ ላዕለዋይ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓዊሱ ኣብ ዓበይቲ ዓለማዊ ሰነዳት ትኹረት ተገይሩ ከምዝዝቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝወዘዖ ሓበሬታ የመላኽት።
ንኢትዮጵያን ኤርትራን ሓዊሱ ብደረጃ ዓለም ኣብ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ዘለዉ ዛጊድ ዘይተሰግረ ማሕንቖታት ብዕምቆት ዝዝተየሎም ምዃኑ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ብፍላይ ድማ ምስ ኲናት ብዝተኣሳሰረ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታትን ደቂ ኣንስትዮን ዘጋጥሙ ዘለዉ ከበድቲ ጥሕሰታት ብመልክዕ ፀብፃብ ቐሪቦም ብዕምቆት ክዝተየሎም እዩ።
ብዕሊ ጀሚሩ ዘሎ መበል 53 ስሩዕ ጉባኤ ካውንስል ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክሳብ መፃኢ 14 ሓምለ 2023 ኣቖፃፅራ ኣውሮፓ ከምዝቕፅል ዝወፀ መርሃ ግብሪ እቲ ዋዕላ የመላኽት።

