ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስ ክወስዶም ዘይክእል ስራሓት ኣየኖት እዮም
ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስ ማለት ሰብሰርሖ ብልሒ ደቂ ሰባት ዝሰርሑዎም ስራሓት ክትክእ እዩ ዝብል ቀጻሊ ዘረባታትን ስግኣታትን እዩ ዘሎ። ገለ ሰብ ሞያ ክኣ፡ ንግዚኡ ገለ ኮምፒዩተራት ክትክኡዎም ወይ ክወስዱዎም ዘይክእሉ ስራሓት ኣለው ይብሉ። ካብ ምጅማር ኢንዳስትሪያዊ ሰውራ ኣትሒዙ ሓደስቲ ማሽናት ደቂ ሰባት ስራሕና ክምንጥሉና’ዮም ዝብሉ ስግኣታት ጸኒሖም’ዮም። ኣብ ገሊኡ፡ ነዚ ክንብድሆ ክኢልና ኢና፤ ሕጂ…
