ብሰንኪ ዝሓለፈ መስካሕኪሒ ኩናት ትግራይ 98 ሚኢታዊ ትካላት ሕብረት ስራሕ ማሕበር ትግራይ ዕንወት ከምዝበፅሐን ተገሊፁ።
እዘን ትካላት ዝረብሖኦን ዘመሓድረኦን ዝነበረ ማሕበረሰብ ናብ ዝኸፍአ ቑጠባዊ ቕልውላው ዓዝቅቲ ከምዝጣሓለ ተሓቢሩ፡፡ እዚ ዝተገለፀ ምስ ኤጀንሲ ሕብረት ስራሕ ማሕበርን ልምዓት ዕዳጋ ትግራይን ላዕለዎት ሰብ መዚ ፌደራልን ኣብተን ትካላት ዝበፀሐ ዕንወትን ዘሎ ነባራዊ ኹነታትን ኣብ ዝተዓዘብሉን ዝዘተይሉን እዋን እዩ።


