ብመሰረት ኣብ ፕሪቶርያ ዝተኻየደ ስምምዕነት ወራሪ ኣራዊት ሰራዊት ኤርትራን ተስፋሕፋሕቲ ዕጡቓት ኣምሓራን ወሪሮም ካብ ዝሓዝዎ ሉኣላዊ መሬት ትግራይ ክወፁ እንተተቐመጠ እውን ዛጊድ ተግባራዊ ብዘይምዃኑ እዞም ፀላእቲ ወራር፣ መጭወይትን ግፍዕን ኣጠናኺሮም ይቕፅልሉ ኣለው ።
ናይዚ መርኣይ እውን ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ጥራሕ ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ወረዳታት ጉሎ መኸዳ፣ ኢሮብን ከተማ ዛላንበሳን 56 ተጋሩ ከም ዝተጨወዩ ኣተሓባበሪ ዘፈር ሰላምን ፀጥታን ዞባ ምብራቕ ትግራይ ኣይተ ኪዱ ገ/ፃድቃን ገሊፆም፡ ፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ ነበርቲ እቲ ከባቢ ቁፅሮም ብዕሊ ዘይተፈለጠ ይቕተሉ ከምዘለውን ንብረቶምን ጥሪቶምን ይምንዝዑ፣ መዓፁ ገዝኦም ከይተረፈ እናተነቐለ ይውሰድ ምህላው ኣይተ ኪዱ ኣረዲኦም፡፡
ብሰንኪ ወራር ስርዓት ኤርትራ ኣብ ወረዳ ኢሮብ 23፣ ኣብ ወረዳ ጉሎ መኸዳ 16፣ ኣብያተ ትምህርቲ ፣ ኣብ ከተማ ዛላንበሳ ሓደ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ካብ ምዕናው ብተወሳኺ ኣብ ኢድ ፀላኢ ኣሎ ዝበሉ ኣይተ ኪዱ ብተመሳሳሊ ኣብ ወረዳ ኢሮብ ኣብ ኢድ ፀላኢ ዘሎ 2 ጣብያ ጥዕና፣ ኣብ ወረዳ ጉሎ መኸዳ 4 ጣብያ ጥዕና፣ ኣብ ከተማ ዛላንበሳ ሓደ ጣብያ ጥዕና ዓንዩን ተወሪሩን፤ ካብ ግልጋሎት ወፃኢ ከምዝኾነ ግልፂ ገይሮም፡፡
ብካልእ ገፅ እቲ ሓረስታይ እውን ናውቲ ሕርሽኡ፣ ጥሪቱ ተዘሪፉ፣ ዘመናዊ ድኹዒ ከይኣትዎ እውን ስለዝተኸልከለ ብሓለንጋ ጥምየትን ሕማምን ይመውት ከምዘሎን እቲ ህዝቢ ብባዕዳውያን ወረርቲ ተጎቢጡ ሰጥ ለበጥ ኢሉ ክመሓደር መለለይ መንነት (ታሴራ) “ኤርትራዊ” ዝብል ክወፀሉ፣ ዕዳግኡ ድማ ኣብ ኤርትራ “ሰንዓፈ” ክኸውን ቐጢን መምርሒ ከምዝወረደሉ እቶም መተሓባበሪ ኣገንዚቦም፡፡
ማሕበረሰብ ዓለም ነዚ ወራሪ ስርዓት ካብ ዝሓዞ ለኣላዊ መሬት ትግራይ ተፀራሪጉ ክወፅእ፣ እቲ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተኻየደ ስምምዕነት ሰላም ተግባራዊ ክኸውን፣ ኣብ ትሕቲ ፀላኢ ዘሎ ህዝብና፣ ለኣላዊ መሬትናን ዝተመዛበሉ ህዝብናን ኣብ ዝሓፀረ እዋን ንኽምለስ ብዕቱብ ክስራሕ ይግባእ ኢሎም ፡፡
ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ንከተማ ዛላንበሳ ሓዊሱ ሸሞንተ ጣብያታትን ወረዳታት ጉሎ መኸዳን ኢሮብን ኣብ ኢድ ወረርትን ኣራዊት ሰራዊት ኤርትራ ከምዝርከብ ዝፍለጥ እዩ ፣ ከም ፀብፃብ ጋዜጣ ወይን ።
