Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

49 ሃገራት ኣብ መበል 37 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ከምዝሳተፋ ተገሊፁ

49 ሃገራት ኣብ መበል 37 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ከምዝሳተፋ ኣገለግሎት ኮሚኒኬሸን መንግስቲ ገሊፁ።

ሚኒስትር ዴኤታ እቲ ኣገልግሎት ሰላማዊት ካሳ፥ ፕሬዚዳንታት 30 ሃገራትን ሽዱሽተ ምክትል ፕሬዚዳንታትን ኣብቲ ጉባኤ ክርከቡ ኢዮም ኢለም።

ብተወሳኺ መራሕቲን ተወከልቲን ካልኦት ሃገራት ከምዝሳተፉ ገሊፀን።

ውድብ ሕብራት መንግስታት ሓዊሱ መራሕቲ 13 ዓለም ለኻዊ ትካላት ኣብቲ ጉባኤ ክሳተፉ ኢዮም ኢለን።

ኢትዮጵያ ኣብ ኩለ መዳይ መድረኽ ዲፕሎማሲ ኣርማ ሰላምን፣ ሓድነትን ናፅነትን ብምዃን ከምዝፀንሐት እተን ሚኒስትር ዴኤታ ገሊፀን።

እዚ ድማ ኢትዮጵያ ናይ ኩሉ ኣፍሪካዊት ገዛ ኢያ ዝብል ሓሳብ ዘረጋግፅ ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ ኣብቲ መድረኽ ኢትዮጵያ ናይ ባዕላ ሓሳብ ከምእተንፀባርቕ ሓቢረን።

ጎኒ ንጎኒ እቲ ኣኼባ፥ ኢትዮጵያ ዘሰናደአቶም ክልተ ግዙፋት ጉባኤታት ከምዝሳለጡ ተዛሪበን።

ንሳቶም እውን፥ “ምስፋሕ ዲጂታላይዜሽን ንትራንስፎርሜሽን ኣፍሪካን ምርግጋፅ ሉእላዊነት ምግቢ ኣፍሪካን” በዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝካየዱ ከምዝኾኑ ኣገንዚበን።

9 ክሳብ 10 ለካቲት 2016 ዓ.ም ኣብ ሚጨሙዚየም ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ኣብ ዝሳለጡ ከልተ ጉባኤታት መራሕቲ ሃገራትን ሓለፍቲ ዓለም ለኸ ትካላትን ከምዝሳተፉ ተዛሪበን።

እቲ ጉባኤ ንምፅብፃብ ልዕሊ 500 ጋዜጠኛታት ናብ ኣዲስ ኣበባ ምእታው ከምዝጀመሩ ገሊፀን።

ነበርቲ ምስ ፀፅታ ብዝተዛመደ ዘጠራጥሩ ነገራት ኣብ ዝዕዘቡ ኣብ ቀረበኦም ንዝርከቡ ኣካላት ፀፅታ ሓበሬታ ነክህቡ ተላቢየን።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *