Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ብሚኒስትር ሚኒስቴር ስራሕን ፍልጠትን ሙፈርያት ካሚል ዝተመርሐ ጉጅለ፣ ኣብ ዝዓነዋ ትካላት ቴክኒክን ሞያን፣ኢንተርፕራይዛትን ኮሌጃትን ዑደት ኣሳሊጡ

ብሚኒስትር ሚኒስቴር ስራሕን ፍልጠትን ሙፈርያት ካሚል ዝተመርሐ ጉጅለ፣ ኣብ ዝዓነዋ ትካላት ቴክኒክን ሞያን፣ኢንተርፕራይዛትን ኮሌጃትን ዑደት ኣሳሊጡ።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ሎሚ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ መቐለ እንትበፅሕ ፣ብሰብ መዚ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ አቀባብላ ተገይሩሉ እዩ።

ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ክፍላተ ከተማ ኲሓን ዓንደርን ብኲናት ኣብ ልዕሊ ዝተሃሰያ ኢንተርፕራይዛትን ኮለጃትን ድማ ዑደት ኣካይዱ ኣሎ።

ሚኒስተር እቲ ሚኒስቴር ወይዘሮ ሙፈርያት ካሚል ፣ ኢንተርፕራይዛትን ኮሌጃትን ብህፁፅ ናብ ስራሕ ንምእታዉ ክንሕግዝ ኢና ድሕሪ ምባለን ፣እቲ ዑደት ዝበፅሐ ዕንወት ንምዕዛብን እቲ ሚኒስተር ክገብሮ ዘለዎ ሓገዝ ንምግንዛብን ከምዝሕግዝ ገሊፀን።

እቲ ጉጅለ ኣብ ኮሌጅ ፓሊ ቴክኒክ መቐለ፣ ጥዕና ኮሌጅ ተወልደ ለገሰን ካልኦት ኢንተርፕራይዛትን ዑደት ኣካይዱ ፣ ኣብቶም ትካላት ዝበፅሐ ዕንወት እውን ተገሊፅሉን ተዓዚቡን እዩ።

ሓላፊት ቢሮ ቴክኒክን ሙያን ትምህርትን ስልጠናን ወይዘሮ ገነት ኣረፈን ካልኦት ሰብ መዚ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይን ምስቲ ልኡኽ ጉጅለ ኣብ ኢንተርፕራይዛት፣ኮለጃትን ተዛመድቲ ዓውድታትን ዝበፅሐ ዕንወት መሰረት ገይሮም እናዘተዩ ይርከቡ።

source, DW

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *