ህዝቢ ትግራይ ብሓባር ዝሳገረሉ “ኣገብእ” ተባሃሂሉ ብሄሩ ዘውሕሰሉ መድረኽ ንክፍጠረሉ ጉባኤ ህዝባዊ ርክባት ትግራይ ፃውዒት ኣቕሪቡ።
ህዝቢ ትግራይ ኣጋጢምዎ ካብ ዘሎ ቅልውላው ዝድሕነሉ ኩሉ ብሓባር ዝሳገረሉን “ኣገብእ” ተባሂሉ ብሄሩ ዘውሕሰሉ መድረኽ ክህልዎ ፃውዒት ጉባኤ ህዝባዊ ርክባት ትግራይ ፀዊዑ። ጉባኤ ህዝባዊ ርክባት ትግሪይ “ኣገብእ” ንበል! ኣብ ምድሓን ብሄር ንዕሰል! ብዝብል ዘዳለዎ ዓቢዪ ሰነድ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፀኦ ጋዜጣዊ መግለፂ ፤ ብምኽንያት ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝተኣወጀ ኲናትን ዘጋጠመ ስነ ልቦናዊ፣ ፓለቲካውን ማሕበረ ቁጠባውን ቅልውላዋትን…
