ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንምፍራስን ነቲ ዝተጀመረ ለውጢ ብሓይሊ ንምትዕንቃፍን ምንቅስቃሳት ብምህላዎም ተወዲብና ብስርዓት ክንቃለሶ ኣለና ክብሉ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሓላፊ ክላስተር ኢኮኖሚ ኣይተ በየነ መክሩ ገሊፆም።
ኣይተ በየነ መክሩ ነዚ ዝገለፁ ፤ ህልዊ ኩነታት መሰረት ዝገበረ መድረኽ ዘተ ነበርትን ኣመራርሓን ከተማ መቐለ ይሳለጥ ኣብ ዘለሉ እዋን እዩ። እቶም ሓላፊ ክላስተር ኢኮኖሚ ኣብቲ መድረክ ዘተ ኣብ ዘስምዕዋ ዘረባ ናትና ጉዳይ ክኸውን ዝግበኦ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብሙሉእነት ምትግባርን ትግራይ ብመረፃ መንግስቲ ክህልዋ ምግባርን እዪ ኢሎም። ኹናት ንምትራፍ ክንሰርሕን ዝተጀመረ ለውጢ ክነቐፅልን ይግባእ ዝበሉ ኣይተ…
