ካብ ቢሮ ሰላም ፀጥታን ትግራይ ዝተውሃበ መግለፂ!!
ላዕለዎት ኣመራርሓ ሰራዊት ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ ውሑዳት መዓልታት ንብሄራዊ ረብሓን ንኹሎም ሉኣላዊ ክብርታትን ህዝቢ ትግራይ መሰረት ገይሮም ኣብ ዘካየዱዎ ዘተ ተመስሪቶም፣ ብዕለት 14/05/2017 ዓ/ም ናይ ቅዋም መግለፂ ከም ዘውፅኡ ይፍለጥ። እቲ ዝወፀ መግለፂ ግልፅን ዘየሻምን ኮይኑ እናሃለወ ገለ ኣካላትን ውልቀ ሰባትን ንትኽክለኛ ትሕዝቶ እቲ መግለፂ ንጎኒ ብምግዳፍ ነናብ ናቶም ባህግን ድሌትን እናወጣጠጡ ካሊእ ዘይራኸብን ምንም…
