Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
English Newsዜና ትግርኛ
0

ኣምባሳደር ኢርቪን ማሲንጋ ኣብ ከተማ መቐለ ምስ ኣመራርሓ ውድብ ህወሓት ተራኺቦም ሃናፃይ ዘተ ከምዘካየዱ ኤምባሲ ኣሜርካ ገሊፁ ።

ኤምባሲ ኣሜሪካ ከም ዝሓበሮ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኢርቪን ማሲንጋ ኣብ ከተማ መቐለ ተረኺቦም ምስ ኣመራርሓ ግዚያዊ ምምሕዳር ፣ ኢሉ እውን ምስ መሪሕነት ህወሓት ተራኺቦም ፍርያምነት ዘለዎ ርክብ ከምዘካየዱ ፡ ኣብ ትግራይ ነባሪ ሰላምን ምርግጋእን ንምዕሳል ልዕሊ ኩሉ ምትግባር ውዕሊ ሰላም ምቁራፅ ተፃብኦ መሰረት ኩሉ ሙኻኑ ሓቢሮም ። ኣብ ተመሳሳሊ ዛዕባ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ…

ዜና ትግርኛ
0

ብሰንኪ ዝረአ ዘሎ ውሽጣዊ ኣፈላላይ፣ ፀላኢ ኣብ ሞንጎና ኣትዩ ድሌቱ ከይገብር ኣፈላላይና ብዝሰልጠነ መንገዲ ንምፍታሕ ክንሰርሕ ኢና ።

ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ ምስ ህዝቢ ዓብይ ዓድን ከባብኣን ኣብ ዘካየድዎ ዘለው ህዝባዊ ዘተ ዛጊድ ካብ ዘልዐልዎም ተወሰኽቲ ነጥብታት ድማ ፡ ★ ዕላማ እዚ መድረኽ ምስ ህዝብና ሓሳባት እንለዋወጠሉ፣ ሕቶታት ህዝቢ ሰሚዕና እሂንምሂን እንበሃሀለሉን መድረኽ እዪ። ★ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሒዝዎም ካብ ዝተበገሱ ዕማማት ዝተመዛበለ ህዝቢ ናብ መረበቱ ምምላስ፣ዝዓነው ትካላት ሃኒፅካ ስራሕ ክጅምሩ እንትኸውን ዝተጀመሩ ስራሕቲ…

ዜና ትግርኛ
0

★ ኣብ ከተማ መቐለ ዝተሳለጡ ሃይማኖታዊን ህዝባዉን በዓላት፣ መንግስታውን ውድባውን መድረኻት ብሰላም ክሳለጡ ኣካላት ፀጥታ ምስ ሕብረተሰብ ተዋዲዶም ዝሰርሕዎ ምውሓስ ፀጥታ ዝነኣድ እዩ ክብሉ ጀነራል ዮዉሃንስ ወልደጀወርግስ (መዲድ) ገሊፆም ።

ጀነራል ዮዉሃንስ (መዲድ) ኣብ ዝሓለፉ ባዓላትን መድረኻትን ቀፀልቲ ትኹረታትን ኣመልኪቱ ኣብ ዝተሳለጠ ዘተ እዩ ነዚ ዝበሉ ። ብቐፃልነት ውሕስ ስራሕቲ ፀጥታ ተጠናኺሩ ክቕፅል ድማ መንግስታዊን ዘይመንግስታዉን ትካላት ተልኡኾኦም ንምፍፃም ሕግን ስርዓትን ክስዕቡ ይግባእ ኢሎም ጀነራል ዮዉሃንስ(መዲድ) ። ሎሚ ቅነ ዝተሳለጡ መድረኻትን በዓላትን ካብ ፖለቲካ ናፃ ዝኾኑ ደረቕን ውሑዳትን ገበናትን ስርቅን ከምዝተፈፀሙ ዝሓበሩ ጀነራል ዮዉሃንስ ወልደጀወርግስ…

ዜና ትግርኛ
0

★ ኣብ ሱዳን ማእከል መዕቆቢ ስደተኛታተ ተነድባ ተጋሩ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝኸፈአ ኩነታት ኮይነን በዓል ኣሸንዳ ከምዘኽበርኦ ገሊፀን።

ብሰንኪ ቅሉዕ ኵናት ካብ መረበተን ተሰዲደን ፈቖድኡ ማእኸላት መዕቆቢ ዝርከባ ስደተኛታት ደቂ ኣንስትዮ መግለፂ መንነተን ዝኾና በዓል ኣሸንዳ ክብርታትን ትውፊታቱን ሓሊና እናኽበርናዮ ንርከብ ክብላ ገሊፀን። በዓል ኣሸንዳ ኣብ መንበሪ ቦታና ኮይንን ክነኽብሮ ኢና ክብላ ዓብዪ ተስፋ እኳ እንተነበረና ክብላ እተን ደቂ ኣንስትዮ ይኹን እምበር ናብ መረበትና ብዘይ ምምላስና ኣብ ከቢድ ፀገም ወዲቕና ንርከብ ክብላ ገሊፀን።…

ዜና ትግርኛ
0

ንዝሓለፉ መዓልታት ክካየድ ዝፀንሐ መበል 14 ውድባዊ ጉባኤ ውድብ ህወሓት ዶክተር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ኣቦ መንበር፣ ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋ ምክትል ኣቦ መንበር እቲ ውድብ ገይሩ ከምዝመረፀ ተሓቢሩ ።

ኣብ ዕላዊ ማሕበራዊ ሚድያ ቤት ፅሕፈት ህወሓት ከምዝተሓበረ መበል 14 ውድባዊ ጉባኤ ኣቦ ወንበርን ምክትልን ሓዊሱ 45 ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴውን መሪፁ ኣሎ ።

ዜና ትግርኛ
0

★ ፀገም ፓለቲካ ትግራይ መሓውር ሕርሻ ትግራይ መሊኡ ናብ ስሩዕ ስራሕ ከይኣቱ ዕንቅፋት ይከውን ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ጉዳያት ርክብ ህዝቢ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ኣይተ ሚኪኤለ ምሩፅ ሐዚ ምስ ዘሎ ፓለቲካ ትግራይ ተታሓሒዙ መሓውር መሊኡ ናብ ስሩዕ ስራሕቱ ከይኣቱ ዕንቅፋት ይኸውን ከምዘሎ ብምሕባር ኣብ ሕርሻ ተዋፊሩ ዝርከብ ብዓል ሞያ ክረምታዊ ማእቶት ንክዕወት ክሰርሕ ፀዊዓም። ሐዚ መደበኛን ልዕሊ መደበኛን ዝናብ ይዘንብ ከምዘሎ ዝሓበሩ ኣይተ ሚኪኤለ ትንበያ ሜትሮሎጂ ውሑጅን በረድን ክህሉ ከምዝኽእል…

ዜና ትግርኛ
0

ሕርያ ህዝቢ ትግራይ ነኽብር!Mulugeta Gebregziabher, PhDህዝቢ ትግራይ ካብ ሰላም ንላዕሊ ዝደልዬ ነገር የለን። ሰለዚ ሕርያና ግልፂ ይዂን፣ ሰላም ይኹን!!ሳላ ሰላም ንዓመታት (ዋላ ክንዲቲ ዝግብኦ ኣይኹን)፣ ህዝብና ብኹሉ መዳይ ዕብየትን ለውጥን ኣምፂኡ እዪ። እታ ቀንዲ ጉድለት ነቲ ሰላም እተውሕስ ዲሞክራሲያዊነት እያ።አነ ሕርያይ ሰላም፣ ውግንናይ ምስ ህዝቢ ትግራይ እዪ። ሰላሙ ሓሊና ዲሞክራሳውነትን፣ ዕብየተን ከረጋግፅ ነሓግዞ። ኣብ ዲያስፓራ ዘለና፣ ገቨርቲን ሓደግቲን ዋኒን ህዝቢ ትግራይ ኣይንኹን።

ግልፂ ንምግባር፣ ኣነ ውግንናይ ምስ ውልቀስባት ኣይኮነን። ትካላትን ውድባትን፣ እሞኸዓ ፀላእቲ ትግራይ ከጥፍእወን፣ ለይቲን ቀትርን ዘይድቅሱለን፣ ሪፎርም ክገብራ፣ ክመዓራረያ፣ እምቨር ክጠፍአ ኣይደልን።ኮይኑ ግን፣ ኣብዘን ዘሓለፋ ኣዋርሕ፣ ብፍላይ ከዓ ለማቕነ፣ ገሊኦም ኣብ ዲያስፓራ ኮይኖም1፣ ጉጅለ ፈልዬም ናይ ገለ ሰባት ስእሊ ፕሮፋይል እናገበሩ፣ ዘጀግኑ፣2፣ በሉ ኣቢይ ይመፅእ ኣሎ እናበሉ ዝብድዑ3፣ ካድረ በይንኻ ሰሓና እዛ ዂናት ዝብሉ ዘለዉ፣ኣደብ…

ዜና ትግርኛ
0

★ ጂኦ ፖለቲካዊ ኣቀማምጣ ትግራይ ኣብ ዘይቃዶ ፅምዶ ምህላው ፣ ካብቶም ክነነፅሮም ዝግብኡና ብሄራዊ ረብሓታት ሓደ ምርግጋፅ ሃለዋታዊ ረብሓ ሙኻኑ ተገሊፁ።

እዚ ዝተገለፀ ሎሚ ኣብ ዝጀመረን ንተኸታኣሊ ሰለስተ መዓልታት ዝፀንህ ዓለምለኸ ዋዕላ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ምሁራትን ሰብሞያን ትግራይ እዩ። ኣብቲ ” ትግራይ ድሕረ ፅንተታዊ ኩናት ናብ ዝሐሸ ብራኸ ወይስ ዕንክሊላዊ ጉዕዞ ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ይካየድ ኣብ ዘሎ ዋዕላ ጉዳያት ጂኦ ፖለቲካዊ ኣቀማምጣ ትግራይ ኣብ ዘይቃዶ ፅምዶ ምህላው ስዒቡ • ኣድማስ ዲፕሎማሲና ዓለም ለኻዊን ንፁር ክኸውን ፣…

ዜና ትግርኛ
0

-> ካብ ኣንደበት ወዲ ወረደ!✔ ፓለቲካዊ ዘይምርድዳእ ናብ ዝኾነ ይኹን ናይ ፀጥታ ሓደጋ ክሰጋገር ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ኣይፈቅድን።

✔ ፖለቲካ ትግራይ ዝረኣዩ ፀገማት ብፖለቲካዊ መፍትሒ እምበር ብኻሊእ መንገዲ ንፈትሕ ኢና ንዝብሉ ሓይልታት ኣይንዕገሰን። ✔ ድሕንነት ህዝቢ ንምሕላው ተባሂሉ ብደገፍ ኮነ ብተቋውሞ ንዝተወሰነ ግዘ ሰለማዊ ሰልፊ ምክያድ ዝተኸልከለ እዩ ✔ ኣብ ዝግበር ጉባኤ ሓዊሱ ኮንፈረንስን ዓበይቲ በዓላት ዉሑስ ሰላም ብዝኾነ መንገዲ ክካየድ እኹል ምድላዉ ተገይሩ እዩ። ✔ ጉባኤ ምክያድ ስዒቡ ልዕሊ ፀጥታዊ ድሕንነትና ዝኸውን…