ምቁራፅ ክሲ ሜጀር ጀነራል ክንፈ ዳኘዉ
ክሲ ሜጀር ጀነራል ክንፈ ዳኘዉ ክቛረፅ ከምዝተወሰነ ሚኒስተር ፍትሒ ፌደራል ኣፍሊጡ። እቲ ሚኒስተር ኣብ ትሕቲ መዝገብ ሜጀር ጀነራል ክንፈ ዳኘዉ ዘሎ መዝገብ ክሲ ክቛረፅ ከምዝተወሰነ እዩ ኣፍሊጡ ዘሎ። ሜጀር ጀነራል ክንፈ ዳኘዉ ንልዕሊ 5 ዓመታት ብዘይፍርዲ ኣብ ቤት ናእሰርቲ ከምዝርከብ ይፍለጥ።
Cyber Power Tigray Media (CPT media )
ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!
ክሲ ሜጀር ጀነራል ክንፈ ዳኘዉ ክቛረፅ ከምዝተወሰነ ሚኒስተር ፍትሒ ፌደራል ኣፍሊጡ። እቲ ሚኒስተር ኣብ ትሕቲ መዝገብ ሜጀር ጀነራል ክንፈ ዳኘዉ ዘሎ መዝገብ ክሲ ክቛረፅ ከምዝተወሰነ እዩ ኣፍሊጡ ዘሎ። ሜጀር ጀነራል ክንፈ ዳኘዉ ንልዕሊ 5 ዓመታት ብዘይፍርዲ ኣብ ቤት ናእሰርቲ ከምዝርከብ ይፍለጥ።
ነበር ፕረዚደንት ክልል ሶማል ኣቶ ዓብዲ መሓመድ ዑመር (ዓብዲ ኢሌ) ካብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝተፈትሐ ጠበቕኡ ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት፡ ብ21 ነሓሰ 2010 (2018) ኣብ ቀይዲ ውዒሉ ክሳብ ሕዚ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝጸንሐ ነበር ፕረዚደንት ክልል ሶማል፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ተፈቲሑ ዘሎ ዓቃቢ ሕጊ ክሲ ብምቁራጹ ከምዝኾነ ጠበቕኡ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ፡፡ እስክንድር ገዛሀኝ ከምዝሓበሮ ኣቶ ዓብዲ…
እቲ ኣኼባ ማእኸላይ ኮሚቴ ውድብና ዘካየዶ ገምጋም ስዒቡ በቢደረጅኡ ናብ ዝርከቡ ኣባላትን ሓፋሽ ህዝብናን ክወርድ ብዝተቐመጠ ኣንፈት መሰረት ዝካየድ እዩ ። ኣብቲ መድረኽ ኩሎም ላዕለዎት ኣመራርሓ ፣ ኣባላት ዞባ ኮሚቴ ፣ ኣባላት ሓባር ኮሚቴ ወረዳን ከተማታትን ፣ ኣባላት ማእኸላይ ኮምሽን ቁፅፅር ዞባን ኣቦ ወንበራት ወረዳ ማእኸላይ ኮምሽን ቁፅፅርን ክሳተፉ እዮም ።
እቲ ዉድብ ገምጋም ኣፈፃፅማ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብዝምልከት መግለፂ ሂቡ ኣሎ ዕላማ እቲ ገምጋማዊ ኣኼባ ቅድሚ 16 ኣዋርሕ ኣብ መንጎ ህወሓትን መንግስስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ፕሪቶርያ ዝተፈረመ ስምምዕ ደዉ ምባል ተፃብኦ ዘለዎ ብርኪ ንምፍታሽ፣ ከምእዉን ኣብ ከይዲ ዝተርኣዩ ፀገማትን ጥንኩር መዳያትን ብምፍላይ እቲ ስምምዕነት ብዝተማልአ መልክዕ ንክትግበር መፍትሒ ንምንዳእ ምንባሩ ዝገለፀ ህወሓት ብመሰረት እዚ ድማ ኣበቲ ኣኼባ…
ኣውራ ከይዲ ስራሕ ምሕካምን ምክልኻልን ሕማማት ቢሮ ጥዕና ትግራይ ንመሓውሩ ስልጠና ይህብ ኣብ ዘለሉ መድረኽ መልእኽቲ ዘሕለፉ ተተካኢ ሓላፊ ኣውራ ከይዲ ስራሕ ምሕካምን ክንክን ሕማማት ዝኾኑ ዶ/ር ስምኦን ገብረፃድቅ፣ ሰብ ሙያ ጥዕና ኣብ ምክልኻል ተመሓላለፍትን ዘይተመሓላለፍቲ ሕማማት ብትኹረት ክነጥፉ ከምዝግባእ ሓቢሮም። ብወሳኺ ተገልገልትና ሓሚሞም ናብ ትካላት ጥዕና እንትመፁ ድማ ሰለጤንን ፅሬትን ዘለዎ ግልጋሎት ብሓልዮትን ኣኽብሮትን…
እዚ ዝተገፀ ኣብ ዞባ ማእኸል ትግራይ ንዘሎ ምንቕናቕ ስራሕቲ መስኖ ኣመልኪቱ ብብርኪ ዞባ ኣብ ራማ ዓዲ ኣርባዕተ ዑደትን ልውውጥ ተመኩሮን ንጥፈታት መስኖ እንትካየድ እዩ። ኣብ ዞባ ማእኸል ትግራይ ልዕሊ 18 ሽሕ ሄክታር መሬት ብመስኖ ይለምዕ ከምዘሎ ድማ ተሓቢሩ ኣሎ ።
ከንቲባ ይትባረክ ኣምሃ ነዙይ ዝበሉ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ኣብ ዙርያ ኢንቨስትመንት ዝተርኣዩ ፀገማት ንምፍታሕ ምስ ሰብ ሃፍቲ እታ ከተማ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ መድረኽ ዘተ እዩ ። ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብዝተኸፈተ ቅሉዕ ጀኖሳይዳዊ ኩናት ኣብ ትግራይ ዝበፅሐ ዕንወት ሰፊሑ እዩ ዝበለ ኣይተ ይትባረክ ኣምሃ ብፍላይ ዓውዲ ኢንቨስትመንት ድማ ከቢድ ሃሰያ በፂሕዋ እዩ…
In his remarks at the ongoing first strategic review on the implementation of the Pretoria Cessation of Hostilities Agreement (#CoHA) at the African Union premises in Addis Abeba, U.S. Special Envoy for the Horn of Africa, Mike Hammer, “stressed that the Ethiopian government and Tigrayan authorities must deliver on their commitments”, according to U.S. Mission…
ኣብ ኣውሮፓ ብሰንኪ ክሌማዊ ለውጢ ዝገደደ ሓደጋ ከምዘጋጥም ተገሊፁ። ኤጀንሲ ሓለዋ ከባቢ ኣውሮፓ ኣብ ዘውፀኦ ፀብፃብ፥ ብፍላይ ኣብ ደቡባዊ ኣውሮፓ ዝርከቡ ከባቢታት ንሓደጋ ዝተቓልዑ ከምዝኾኑ ኣፍሊጡ። ባርዕ ሓዊ፣ ሕፅረት ማይን ኣብ ፍሪያት ሕርሻ ዝበፅሕ ፅዕንቶን ዘጠቓለለ ሓደጋ ከምዝኾነ እውን ገሊፁ። ካብ መንጎ እቶም ሓደጋታት ብዙሓት ቅድም ክብል ኣብ ከቢድ ደረጃ ዝበፅሑ ከምዝኾኑ ብምግላፅ፥ ህፁፅ ስጉምቲ…
ቢሮ ጥዕና ትግራይ ካብ ትካል ተራድኦ ኣሜሪካ (USAID) ብዝረከቦ ገንዘባዊ ሓገዝ ምስ FHI 360 ዝተብሃለ ገባሪ ሰናይ ትካል ፣JSIን ካልኦት መዳርግቲ አካላትን ብምትሕብባር ኣብ ዳግመ ሕውየትን ህንፀትን ትካላት ጥዕና፣ ሕብረተሰብ መሰረት ዝገበረ ሰለስተ ፕሮጀክታት ዕላዊ ኮይኑ ። ንጥፈታት ሰነ መዓዛ፣ ግልጋሎት ሰነ ተዋልዶ ፣ክንክን ጥዕና ኣዴታት ዕሸላት ህፃናትን አባፅሕን ኢሉ እውን ምምሕያሽ ፅፈት ግልጋሎት ጥዕናን…
ብሕብረት ኣፍሪካን ኣደራደርቲ ኣካላትን ዝተሰናድአ እዚ መድረኻ ኣብ ኣተገባብራ ስምምዕ ምቁራፅ ተፃብኦታት ውዕሊ ፕሪቶርያ ስራቴጅካዊ ገምጋም ንምክያድ ዓሊሙ ኣብ ቀፅሪ ሕብረት ኣፍሪካ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እዩ ዝካየድ ዘሎ። ከም ሓበሬታ ኮሚሽን ሰላምን ፀጥታን ፖለቲካዊ ጉዳያትን እቲ ሕብረት ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ስትራቴጅካዊ ገምጋም ኣብ ኣተገባብራ እቲ ውዕሊ ስትራተጂካዊ ገምጋም ብምክያድን፡ ኣብ መስርሕ ሰላም ወሳኒ መዳያን ምድጋፍን…
ደርሆስያ ብመዓንጣ ደቃ ትፃወት ምስላ ወለዲ ትግራይ ኣብዚ እዋን እዚ ህዝቢ ትግራይ በመስዋእነቱን ዕውት መኸተኡን ግሁድ ንዝገበሮ ውዕል ፕሪቶሪያ ኣብ ግብሪ ንኽውዕል ብትዕግስትን ውሕሉልነትን ፃዕሪ ኣብምግባር ዝርከበሉ እዋን ኢና ዘለና። ህዝቢ ትግራይ ሰፍ ዘይብል መስዋእትነት ብምኽፋል ናይ ባዕሉን ካልኦት ኣሕዋተይ ዝብሎም ብሄር ብሄረ ሰባትን ህዝብታትን መሰል ዓርሰ ዉሳነ ኣብምኽባር ብዝነብሮ መሪሕ እጃም ሕዱር ቂም ዝሓዙ…
ኣብዚ ዓመት ካብ መንግስቲ ኣፍልጦ ረኺቡ ማሕበረ-ቁጠባዊ ፀገማት ዝተፈላለዩ ክፋላት ማ/ሰብ ንምቅላል ዝነጥፍ ዘሎ ትካል ምግባረ ሰናይ ቢላል ቦርድ ዝመርሖ ትካል ቀዳማይ ጉባኤኡ ኣብ ከተማ መቐለ ኣሳሊጡ። እቲ ትካል ብናይ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ምዝገባን ምሕደራን ዘይመትረፍቲ ትካላት ኣዋጅ ቁፅሪ 327/2011 ዓንቀፅ 15 ፍቓድ ረኺቡ ዝንቀሳቐስ ኮይኑ ማሕበረ-ቁጠባዊ ፀገማት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምቅላል እጃሙ ከምዘበርክት…
ብመሰረታዊነት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ጠረጴዛ ስልጣን እንተዘይበፂሐን ሙሉእ ፍትሒ፣ ሰላምን ዴሞክራሲን ኣሎ ኣይበሃልን ክብላ ፕሬዚዳንት ሳህለ ወርቅ ዘውዴ ገሊፀን። ፕሬዚዳንት ሳህለ ወርቅ÷ ብብርኪ ዓለም ንመበል 113 ግዘ ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ንመበል 48 ግዘ ዝተኸበረ ዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ ኣመሓላሊፈን፡፡ ኣብ መልእኽተን ድማ ኣብ ኢትዮጵያ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ምኽባር እንትጅመር ዋላኳ ክትግበሩ…
ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትካል መድሕን ህፃናት ዩኒሴፍ ንትግራይ ዝግበር ህፁፅ ህይወት ኣድሕን ሓገዝ ክዉሰኽ ይግባእ ክብል ፃውዒት ኣቕሪቡ። ምክትል ፈፃሚ ዳይረክተር ዩኒሴፍ ቴድ ችያባን (Ted Chaiban) ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበሮም ናይ ሓሙሽተ መዓልታት ዑደት ኣብ ትግራይ ዝረኣይዎ ኣዝዩ ግዘ ዘይህብን ብፍላይ ህፃናት ብኸቢድ ሰብኣዊ ቕልውላው ዝተሃስየሉ ከባቢ ሙኻኑ ኣረጋጊፆም። ኣብ ትግራይ ሳዕቤናት ቅልውላውን ምዝባዕ…
ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳ ትግራይ ጌታቸው ረዳ ዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣመልኪቶም ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ ንደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ብሓፈሻ ድማ ንኹለን ደቂ ኣንስትዮ ርሑስ በዓል ክኾነለን ሰናይ ትምኒቶም ገሊፆም። ፕሬዚዳንት ጌታቸው ረዳ ብፍላይ ድማ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ መርኣያ ፅንዓት፣ኒሕን ዘይስበር መንፈስን ከምዝኾና ብምግላፅ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ንዝበፅሐን ሰፍ ዘይብል ወፅዓ ዘይስገር ፍትሒ ይጠልባ ክብሉ ገሊፆም።…
ኣቦ ወንበር ህወሓት ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ብምኽንያት ዓለምለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣመልኪቶም ኣብ ዘማሓላለፍዎ መልእኽቲ ንኹሎም ሰብ ስራሕን ተፈጥራዊን ፈተናታት ተፃዊርክን ብሄራዊ ክብርኽን፣ ህልውናኽንን መሰል ዓርሰ ውሳነኽንን ንምኽባር ኣንፃር ኩሎም ዓይነት ወፅዓታትን በደላትን ብፅንዓት ዝተቓለስክንን እትቃለሳ ዘለኽንን ጀጋኑ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ እንኳዕ ንዓለምለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ (ማርች 8 ) ኣብፀሐክን ኢሎም ። ንዝበፅሓክን ኩለመደያዊ መጥቃዕትን…
ኣብቲ ብዙም ዝተኻየደ ኣኼባ ብርክት ዝበሉ ተሳተፍቲ ካብ ዉሽጢ ዓዱን ወፃእን ዝተረኸቡ እንትኸዉን ካብ ላዕለዎት አመራርሓ ትግራይ ተጋዳሊት ፈትለወርቅ ገብረእግዝኣብሔር (መንጀሪኖ) ተረኺበን ኣብ ህልዉ ኩነታት መብርሂ ከምዝሃባ እታ ማሕበር ሓቢራ ። ኣብ ኢኮኖምያዊ ፡ ማሕበራዉን ጥዕናዉን ፀገማት ደቅ ኣንስትዮ ህፃናትን ኣደታትን ትግራይ መብርሂ ዝሃባ ተጋዳሊት ፈትለወርቅ ገብረእግዝኣብሄር (መንጀሪኖ) ህዝቢ ትግራይ ኣብ ከቢድ ፀገም ከምዘሎ ብምግላፅ…
ኣብቲ ፖናል ቃልሲ ፣ፅንዓትን ተሳትፎን ደቂ ኣነስትዮ ትግራይ ፣ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ፣ ኣብ ጉዕዞ ሰላም ፣ ልምዓትን ዲሞክራስን ዝነበረን ተሳትፎን ስዒቡ ዝተረጋገፀ ተጠቃምነተንን ፣ ከምኡ ድማ ብፅንተታዊ ኩናት ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣነስትዮ ወረዳ ሓውዜን ዝበፅሐ ንምግላፁ ዝኸብድ ግፍዕን በደልን ኣንፈታት ሕውየትን ዝጠመተ መበገሲ ፅሑፍ ቀሪቡ ሰፊሕ ምይይጥ ተገይርሉ ። ነቲ መድረኽ ከፊቶም መልእኽቲ ዘሕለፉ ዋና…
ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ ሎሚ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዝዘርግሕዎ ሓበሬታ፣ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ትግራይን ዝተበፀሐ ስምምዕ ምቁራፅ ተፃብኦታት ፕሪቶርያ ክይዲ ትግባረ ብዝምልከት ስትራተጂካዊ ገምጋም የካይድ ምህላው ሓቢሮም ኣለው ። ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ ከምዝበልዎ ኣብ ኢትዮጵያ ኮነ ኣብ ትግራይ ዘላቒ ሰላም ክዓስል እንተኾይኑ ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ምሉእ ብምሉእ ምትግባር ግድን ከምዝኾነን ሕጋውን ሕገ…
ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ኣተገባብራ ውዕሊ ፕሪቶርያ ኣመልኪቱ ኣብ ዘካይዶ ስትራተጂካዊ ገምጋም ከምዝሳተፉ ተሓቢሩ። ቤት ፅሕፈት ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ከምዝሓበሮ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ትግራይን ዝተኸተመ ስምምዕ ምቁራፅ ተፃብኦ ፕሪቶሪያ ኣብ ትግበራኡ ኣድሂቡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝካየድ ስትራተጂካዊ ገምጋም ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ከምዝሳተፉ ኣፍሊጡ።…
ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ከምዘመላኸቶ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ትግራይን ኣብ ፕሪቶርያ ዝተኸተመ ስምምዕ ምቁራፅ ተፃብኦ ትግበራ ኣመልኪቱ ኣብ ዝካየድ ስትራተጂካዊ ገምጋም ፍሉይ ሉኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቐርኒ ኣፍሪካ ክሳተፉ እዮም ። እቲ ዝወፀ ሓበሬታ ከምዘረጋገፆ ፍሉይ ሉኡኽ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ቐሪኒ ኣፍሪካ ማይክ ሃመር ኣብቲ ገምጋም ንክስተፉ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝመፁ ኣረጋጊፁ…
ኣብ ኣሜሪካ ዕለተ ሰሉስ ‘ሱፐር ቲዩስዴይ’ ትብሃል፤ እዛ ዕለት፡ ናይ መወዳእታ መዓልቲ እቲ ኣብታ ሃገር ዝካየድ ቅድመ-መረጻ እያ። ሓደ ካብ ተነሓናሕቲ እቲ ኣብዚ ዓመት ዝካየድ መረጻ ኰይኑ ቀሪቡ ዘሎ ዶናልድ ትራምፕ፡ ብጣቕዒትን ያዕያዕን ንዝተኣከቡ ደገፍቱ ኣብ ዘስምዖ ዘረባ፡ ኣሜሪካ “ናብቲ ሕሉፍ ክብራ ክንመልሳ ኢና” ክብል ተሰሚዑ። ትራምፕ፡ ማር-ኣ-ላጎ ኣብ ዝብሃል ግዝኣት ፍሎሪዳ ኣብ ዝርከብ መንበሪ…
ዝካየድ “ዓባይ ሰሉስ” (ሱፐር ትዩስደይ) ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣብ ሓያለ ክፍለሃገራት ዝካየድ ናይ ምድማጽ መስርሕ ትራምፕ ነቲ ዛጊት ረኺብዎ ዘሎ ደገፍ ዝድምድም ዓወት ክጓናጸፍ ዕድል ፈጢሩሉ ኣሎ። ክረምቲ ከይኣተወ ሕጹይ ተወዳዳሪ ፕረዚደንት ሰልፊ ሪፓብሊካን ምዃኑ እንተ ኣረጋጊጹ ድማ፡ ኣድህቦኡ ምሉእ ብምሉእ ናብቲ ኣብ ዋይት ሃውስ ዘሎ ጆ ባይደን ከነጻጽር ትጽቢት ይግበረሉ። ሄሊ ግን፡ ዋላ’ኳ ኣብቶም ዛጊት…
ትካል መርመራ ገበን ፌደራል ኣሜሪካ (ኤፍ.ቢ.ኣይ) ንሰብስልጣን ኣሜሪካ ናይ ምቕታል ውዲት ኣለዎ ኢሉ ንዝኣመነሉ ኢራናዊ ሰላዪ ይሃድን ኣሎ። እቲ ትካል፡ ወዲ 42 ዓመት መጂድ ፋራሃኒ ንቕትለት ኢራናዊ ጀነራል ቃሲም ሶሌማኒ ሕነ ንምፍዳይ ውዲት ሒዙ ይንቀሳቐስ ኣሎ ክብል ይኸስስ። ኣዛዚ ፍሉይ ኣሃዱ ሓይልታት ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ኢራን ዝነበረ ሶሌማኒ፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2020 ኣብ ዒራቕ ብሰብ…
ብትሕቲ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ዝሓልፍ ንኤስያን ንኣውሮጳን ዘራኽብ ገመዳት ኢንተርኔት እቲ 25 ሚኢታዊት ከም ዝተቘራረጸ ሰብ መዚ ኣመሪካን ትካላት ቴሌኮምን ገሊጾም። ኣብ ሆንግ ኮንግ ዝመደብሩ ኤችጂሲ ዝተባህለ ትካል ቴሌኮም ካብቶም ብትሕቲ ቀይሕ ባሕሪ ዝሓልፉ 15 መስመራት ቴሊኮም እቶም ኣርባዕተ ብኸቢድ ከም ዝቘራረጹ ብምሕባር ንምጽጋኖም ይሰርሕ ከም ዘሎ ገሊጹ። ጠንቂ ምብትታኽ እቲ ገመዳት ኢንተርኔት ክሳብ ሕጂ…
ኣብ ዓለምና ኣብ ዓውደ ትምህርቲ ሕክምና ፡ ሳይነስን ምርምርን ዝለዓለ ዝናን ክብርን ካብ ሞንጎ ዘለዎም ዩኒቨርስታት ሐደ ሙኻኑ ዝንገረሉ ዩኒቨርሲቲ ግላስጎው ፡ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ኮይኖም ኣብ ዓውደ ጥዕና ንዘበርክትዎ ዘለው ልዑል ግደን ፃዕርን ናይ ክብሪ ዲግሪ ሂብዎም ኣሎ ። ኣብ ሳይንስን ሕክምናን ሓዊሱ ኣብ ዓውደ ትምህርትን ምርምርን ኣዝዩ ሃብታም ውርሻ ካብ…
እዚ ዝተገለፀ እታ ትካል መበል 30 ዓመት ምስረተኣ ብስራሕ ኣብ ኩሎም ጨናፍር ከምዝኽበር ኣካየዲ ስራሕ ትካል ልቃሕን ዕቋርን ደደቢት ኣክስዮን ማሕበር ኣይተ ሙሉጌታ ብርሃነ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ እዩ። ዝተማለአ ግልጋሎት ፋይናንስ ብምሃብ መጠን ድክነት ህዝቢ ንምንካይ፣ ምርግጋፅ ውሕስና ምግብን ምንቕቃሕ ቁጠባን ዝብሉ ዝርከብዎም ራኢ ሒዛ ቅድሚ 30 ዓመታት ስራሕ ከምዝጀመረት ኣይተ ሙሉጌታ ብርሃነ…
ጉባኤ ድሕንነት ሳይበርን ዲጂታል ስግግርን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ጀሚሩ። እቲ ጉባኤ ድሕንነትን ሉኣላዊንትን ሳይበር ኢትዮጵያ ንምሕላውን ሃገራዊ ስነ ምህዳር ሳይበር ኣብ ምጥንኻርን ብስፍሓት ንምዝታይ ዝተሰናደአ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡ ንክለተ መዓልቲታት ኣብ ዝካየድ ጉባኤ÷ ኣብ ጉዳይ ድሕንነት ሳይበር ዘጋጥሙ ማሕለኻታት ምክልኻል ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳይት ምኽክር ክግበር ኢዩ ተባሂሉ፡፡ ኣታወታት ፖሊሲ ንምትላም ዘኽእሉ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ቀሪቦም ልዝብ…
ዩክሬን ብናፃ ጦር መሳርሒ ንኽቐርበላ ክትፅበ ከምዘይግባእ ኣብ ሕብረት ኣውሮፓ ኮሚሽነር ዕዳጋ ቲዬሪ ብሬተን ገሊፆም፡፡ እቶም ኮሚሽነር ከምዝሓበሩዎ÷ ዩክሬን ሓደ ሚሊየን ከበድቲ ጦር መሳርሒታት ካብ ሕብረት ኣውሮፓ ብናፃ ክብርከተላ ክትሓትት ኣይግባእን፡፡ ፕሬዚዳንት ዩክሬን ቮለድሚር ዜለንስኪ እቲ ሕብረት ዝኣተዎ ቃል ክፍፅም አይከኣለን ብዝብል ኣብ ልዕሊ እቲ ሕብረት ዘልዐሉዎ ቅርታ ግቡእ ከምዘይኮነ ብምግላፅ ዝቐረበ ቅርታ ኣነኣኢሶምዎ። ዜለንስኪ…
ሕጽይቲ ተወዳዳሪት ሪፓብሊካን ዝዀነት ኒኪ ሄሊ፡ ኣብቲ ኣብ ዋሽንግተን ሲዲ ዝተኻየደ መባእታዊ መረጻ ሪፓብሊካን ንዶናልድ ትራምፕ ስዒራቶ። እዚ፡ ሄሊ ሕጽይቲ ተወዳዳሪት ፕረዚደንት ሪፓብሊካን ኣብ መረጻ 2024 ንምዃን ኣብ ልዕሊ’ቲ ቀንዲ መነሓንሕታ ዘሎ ፕረዚደንት ነበር ትራምፕ ዝረኸበቶ ናይ መጀመርታ ዓወት እዩ። ኒኪ ሄሊ ኣብታ እትነብረላ ግዝኣት ደቡብ ካሮላይና ከምዝተሳዕረት ዝፍለጥ ኰይኑ፤ ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ግን ኣብ…
ብምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ልፅግና ኣይተ ኣደም ፋራህ ዝተመርሐ ልኡኽ ናብ ጅቡቲ ኣቲዩ። እቲ ልኡኽ ኣብ ጅቡቲ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ኣምቡሌ እንትበፅሕ ብኣምባሳደር ብርሃኑ ፀጋዬ ኣቀባብላ ተገይሩሉ፡፡ ኣብ ጅቡቲ ኣብ ዝህልዎ ፃንሒት ድማ ኣብ መበል 45 ዓመት ክብረ-በዓል ኣር ፒ ፒ ክሳተፉ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ካብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ጅቡቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
ሚኒስትር ምክልኻል ፌዴሪኢ ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር)ን ምክትል ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ጀነራል ኣበባው ታደሰን ምስ ሚኒስትር ዴኤታ ምክልኻል ሃገርን መክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ኳታር ካሊድ ቢን መሓመድ ኣል ኣቲያህ ዘቲዮም። ኣብቲ ዘተ፥ ሓበራዊ ዛዕባታት ከምኡውን ምጥንኻር ርክብን ክልቲኣዊ ንትሕብባርን ኣብ ምጉልባት ዝጠመተ ልዝብ ከምዝገበሩ ተሓቢሩ። ከም ፀብፃብ ዘ ፔኑሱላ ኳታር፥ ቅድሚ መበል ሻምናይ ዓለም ለኸ ኤግዚብሽንን ኮንፈረንስን…
ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ፣ምክትል ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደን ሌተናል ጀነራል ፃድቃን ገ/ትንሳኤን፣ ኣቦ መንበር ውድብ ህወሓት ዶ/ር ደበረፅዮን ገ/ሚካኤልን ሓዊሱ ላዕለዎት ኣመራርሓ ፌዴራል፣ ግዝያዊ ምምሕዳርን ሓይልታት ፀጥታን ትግራይን መበል 128 ዓመት ዝኽሪ ዓወት ውግእ ዓድዋ ንምኽባር ከተማ ዓድዋ ኣትዮም። ኣብቲ በዓል ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ዝተዓደሙ ኣጋይሽ፣ነበርቲ ከተማ ዓድዋን ከባቢኣን ተረኺቦም እቲ…
መበል 128 ዓመት ዝኽሪ ኩናት ዓድዋ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ከተማ ዓድዋ “ክብርታት ዓወት ኲናት ዓድዋ ንሰላም፣ሓድነትን ብራኸን ትግራይን !” ብዝብል ቴማ ዘተይሳለጥ ኣሎ። ኣብቲ ዘተ ድማ ላዕለዎት ኣመራርሓ ግዝያወዊ ምምሕዳር ትግራይ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ፣ሙሁራት፣መራሕቲ ሃይማኖት፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ ሓርበኛታት ወለዲ፣ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ዝተዓደሙ ኣጋይሽን ኣብ ዝተረኸብሉ ይሳለጥ ኣሎ። ነቲ መድረኽ ዝኸፈቱ ሓላፊ…
ምክትል ፕረዚደንትን ሓላፊ ካቢኔ ሴክሬታሪያት ሰላምን ፀጥታን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ከይዲ ኣፈፃፅማ ዉዕሊ ፕሪቶርያን ተዛመድቲ ጉዳያትን ኣድሂቦም መግለፂ ሂቦም ። እቶም ምክትል ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳርን ሓላፊ ካቢነ ሰላምን ፀፅታን ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ግዚያዊ መንግስቲ ትግራይ ሪፈረንደም ናይ ምክያድ መሰል ከምዘይብሉ ኣፍሊጦም። እቶም ምክትል ፕረዚዳንት ሕዚ ተፈጢሩ ንዘሎ ተነፃፃሪ ሰላም…
ነቲ ቅድድም ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ዶክተር ኣፅብሃ ገ/እግዛብሄርን ኮምሽነር ስፓርት ትግራይ ኣይተ ገብረስላሰ ተኽላይን ዘጀመርዎ ክይኑ ኣብ ውሽጢ ከተማ ዓድዋ እዩ ተኻየዱ ። ብመሰረት እዚ ካብ ደቂ ኣንስትዮ ቀዳመይቲ ፅሪይቲ ተኽለሃይማኖት ካልኣይቲ ድማ ማሾ ደጁ እንትወፃ ። ኣብ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ኣን ዝተካየደ ንሕንሕ ቀዳማይ ተኽላይ ኣባዲ ካላኣይ መሓሪ ገብረመድህን ሳልሳይ ድማ ፅገ ወ/ገብራኤል…