Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ሰሜን ኮሪያ ኣህጉር ዝሳገር ባለስቲክ ሚሳኤል ኣወንጪፋ

ሰሜን ኮሪያ ኣህጉር ዝሳገር ባለስቲክ ሚሳኤል ኣወንጪፋ። ፒዮንግያንግ ነቲ ምሳኤል ዘወንጨፈቶ ደቡብ ኮሪያን ኣሜሪካን ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ሰሜን ኮሪያ ዝመፅእ መጥቃዕቲ ኒውክሌር ምክልኻል ኣብ ዘኽእል ኩነታት ምዝታየን ስዒቡ ኢዩ ተባሂሉ። ብመሰረት እዚ 15 ሺሕ ኪሎ ሜትሮ ወይ 9 ሺሕን 300 ማይል ርሕቐት ናይ ምጉዓዝ ዓቕሚ ዘለዎ ባለስቲክ ሚሳኤል ምውንጫፋ ተሓቢሩ። እቲ ምሳኤል ኩሎም ከባቢታት…

ዜና ትግርኛ
0

ሰብ ሃፍቲ ሩሲያ ኣብ ዓውዲ ኣፍራዪ ኢንዱስትሪ ንክሳተፉ ተሓቲቱ

ሰብ ሃፍቲ ሩሲያ ኣብ ዓውዲ ኣፍራዪ ኢንዱስትሪ ኢትዮጵያ ንክሳተፉ ተሓቲቱ። ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለበል፥ ብሓላፊ ኤጀንሲ ሃፍቲ ዕደና ሩሲያ ኢቭጌኒ ፔትሮቭ መስ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ዘቲዮም። ነቶም ሰብ ሃፍቲ ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘሎ ኣማራፅታት ኢንቨስትመንት መብርሂ ተዋሂቡዎም። ኢትዮጵያ ንኢንዱስትሪ ዝኸውን ምቹእ ስነ ምህዳር፣ እኹል ሓይሊ ሰብን ጥረ ኣቕሓን ከምዘለዋ ኣይተ መላኩ ኣብሪሆም። ስለዝኾነ ሰብ ሃፍቲ…

ዜና ትግርኛ
0

ኣብ ኣርባዕተ ወረዳታት ትግራይ ፕሮጀክት ልምዓት ሴፍትኔት ክጅመር ኢዩ

ትካል ዎርልድ ቪዥን ኢትዮጵያ ኣብ ኣርባዕተ ወረዳታት ክልል ትግራይ ፕሮጀክት ልምዓት ሴፍትኔት ከምዝጅምር ዕላዊ ገይሩ። እቲ ፕሮጀክት ካብ ዩኤስ ኣይዲ ብዝተረኸበ ሓገዝ ገንዘብ ከምዝጅመር ተገሊፁ። ኣብ ኣርባዕተ ወረዳታት ትግራይ ብዝጅመር ፕሮጀክት ልምዓት ሴፍትኔት ልዕሊ 30 ሽሕ መራሕቲ ስድራ ተረባሕቲ ዝገብር ኢዩ ተባሂሉ። ተወካሊ ዩኤስ ኣይዲ ቲሞቲ ስተይን፥ እቲ ፕሮጀክት ኣብ ዳግመ ሕውየት ሕርሻ ፣ ዳግመ…

ዜና ትግርኛ
0

ቀንዲ ቆላሕታና ብሰንኪ ኲናት ዝዓነወት ትግራይ ደጊምካ ምህናፅ እዩ-ኣይተ ጌታቸው ረዳ

ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምስ ተወከልቲ ነበርቲ ወረዳ ሓውዜን ኣብ ከተማ መቐለ ዘቲዮም። ምምሕዳር እቲ ወረዳ፥ ንስራሕቲ ፅገና መንገዲ ዝኸውን 40 ነጥቢ 1 ሚልየን ብር ካብ ተወለድትን ፈተውትን ሓውዜን ንምእካብ ተሊሙ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ። እቲ ምምሕዳር ነዚ መሰረት ብምግባር ኣብ ከተማ መቐለ ዘተ ኣሳሊጡ። ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ርእሰ ምምሕዳር ግዝያዊ…

ዜና ትግርኛ
0

ኣብ ከተማ ሽረ መምህራን ሎምዓንቲ ሰንበት ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም ኣለው።

እቲ ሰልፊ ድማ “መሃያና ይከፈለና” ዝብል ሓፈሻዊ መልእኽቲ ዘለዎ እዩ። እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ውዝፍ መሃያ ዝምልከት ሰራሕተኛታት ከይሓቱ ብኣዋጅ ናይ ባዕሉ ሕጊ ኣፅዲቑ እዩ።መምህራን ዩኒቨርሲቲ፥ መንግስቲ ሰራሕተኛታትን ካልኦትን እውን ናብ ከምዚ ዓይነት ሕቶ ክትሸጋገሩ ከምዝክእሉ ይግመት።

ዜና ትግርኛ
0

ኣብ ኤርትራ ዝበጽሐ ፍሉይ ልኡኽ ቻይና ምስ ኢሳይያስ ተዘራሪቡ

ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ ፍሉይ ልኡኽ ቻይና ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ሹአ ቢንግ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብምርኻብ ተዘራሪቡ። ኣብቲ ሎሚ ኣብ ርእሰ ከተማ ኣስመራ ዝተኻየደ ርክብ፡ ክልቲኦም ወገናት ብዛዕባ ክልተኣዊ፡ ዞባውን ዓለምለኻውን “ምዕባለታት” ከምዝዘተዩ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ሓቢረን። እቲ ኣብቲ ዞባ ዑደት ዘካይድ ዘሎ ቻይናዊ ልኡኽ፡ ቅድሚ ሒደት መዓልታት’ውን ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምኻድ…

ዜና ትግርኛ
0

“ባዕለይ ብዝሰራሕኽዋ ሄሊኮፕተር ካብ ሽረ ኣዲስ ኣበባ ናይ ምብራር ሕልሚ ኣለኒ”፡ ዕበ ለገሰ

ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ምርኢት ኣቪየሽንን ምህዞን ይካየድ ኣሎ። ኣብዚ በዓልመዚ ሲቪል ኣቪየሽን እታ ሃገር ዘዳለዎ መድረኽ፡ ልዕሊ 90 መናእሰይ ብውልቀን ብጥምረትን ብምዃን 90 ውጽኢታት ምህዞ ከቕርቡ እንከለው፡ ትካላት ውልቀን መንግስትን ኣብ ዙርያ ኣቪየሽን ዘካይዱዎም ዘለው ስራሕቲ ኣቕሪቦም ኣለው። ኣብዚ ምርኢት ምህዞ፡ ዝሳተፉ ዘለው ካብ መላእ ክፋል ሃገር ዝመጽኡ መሃዝቲ፡ ንሕርሻን ካልኦት ስራሕትን ክውዕሉ ዝኽእሉ ድሮናት፣…

ዜና ትግርኛ
0

ሂወት ሰብን እንስሳን ወረዳ እንደርታ ንምድሓን ኩሉ ክረባረብ ይግባእ ተባሂሉ

እዚ ዝተገለፀ አብ ወረዳ እንደርታ አጋጢሙ ዘሎ ሓያል ድርቂ ስዒቡ ሂወት ሰብን እንስሳን ንምድሓን ዓሊሙ ከይዲ ምትእክካብ እቶት ይሳለጥ አብዘለሉ እዋን እዩ። አብቲ እዋን ተረኪቦም መልእክቲ ዘመሓላለፉ ዋና አማሓዳሪ ወረዳ እንደርታ አይተ ብርሃነ የውሃንስ አብ ወረዳ እንዳርታ ካብ ዝርከባ 24 ይጣብያታት እተን 12 ጣብያታት ከቢድ ድርቂ ከምዘጋጠመን ብምሕባር ነዚ ስዒቡ ድማ ልዕሊ 98 ሽሕ ህዝቢ…

ዜና ትግርኛ
0

ባንኪ ወጋገን ኣብ ትግራይ ብድርቂ ንዝተጎድኡ ዝውዕል 40 ሚልየን ብር ደገፍ ገይሩ

ባንኪ ወጋገን ኣብ ትግራይ ብድርቂ ንዝተጎድኡ ዝውዕል 40 ሚልየን ብርን 100 ኩንታል ሓገዝ እኽሊን ገይሩ። እቲ ደገፍ ገንዘብን እኽሊን፥ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ብመሰረት ዝገበሮ ፃውዒት ብምቕባል ዝተውሃበ ምላሽ ከምዝኾነ ተገሊፁ። ብመሰረት እዚ ከም ባንኪ 40 ሚሊየን ብር ወፈያ እንትገብር፥ ኣብ ክልል ትግራይ ካብ ዝርከቡ ሰራሕተኛታቱ ድማ ገንዘብ ኣዋፂኦም ልዕሊ 100 ኩንታል እኽሊ ብምዕዳግ ደገፎም…

ዜና ትግርኛ
0

ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት ብዝተፈላለዩ ሙያታት ዘምሃሮም ልዕሊ 1800 ተምሃሮ ኣመሪቑ

ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት ብዝተፈላለዩ ሙያታት ዘምሃሮም ልዕሊ 1 ሺሕን 839 ተምሃሮ ሎሚ መዓልቲ ኣመሪቑ። እቲ ተመረቕቲ ብቐዳማይን ካልኣይን ድግሪ ትምህርቶም ዝተኸታተሉ ከምዝኾኑ ተገሊፁ። ኣብ ስነ ሰርዓት እቲ ምረቓ፥ ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታዘው ረዳ፣ ፕሬዚዳንት ዩንቨርስቲ ዓዲግራት ዶክተር ዛይድ ነጋሽ፣ ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣመራርሓ ፌዴራልን ክልልን፣ ወለዲ ተመረቕቲ ተምሃሮን ተረኺቦም። ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዝነበረ…

ዜና ትግርኛ
0

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር) ምድብ ኣየር ሰብ ኣልቦ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ መሪቖም ከፊቶም

ላዕለዋይ ኣዛዚ ሓይሊታት ሰራዊትን ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢን ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምድብ ኣየር ሰብ ኣልቦ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ መሪቖም ከፊቶም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ሎሚ መዓልቲ ደሕሪ ሰዓት ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ንመጀመሪያ ግዘ ዘሰልጠኖም ሕፁያት መኮ0ንናት፣ ሙያተኛታት ፅገና ኣውሮፕላንን ፓይለታትን ከመርቑ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ። መዛዘሚ መርሃ ግብሪ መበል 88 ዓመት በዓል ምስረታ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ በዝተፈላለዩ ምድላዋት…

ዜና ትግርኛ
0

ንኢትዮጵያ ብኽለመዳይ ዓውዲ ናብ ምዕባለ ምጓዓዝና ክንቅፅል ኢና ክብል ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፁ

ንኢትዮጵያ ብኽለመዳይ ዓውዲ ናብ ምዕባለ ምጓዓዝና ክንቅፅል ኢና ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ሎሚ መበል 88 ዓመት በዓል ምስረታ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ቢሸፍቱ ኣኽቢርና ኢሎም። መሰረተ ልምዓትን ዘመናዊ ዕጥቅታትን ንምምላእ፣ ብቴክኖሎጂ ንባዕልኻ ንምብቃዕ፣ ብቑዕን እኹልን ሓይሊ ሰብ ንምፍራይ፣ ዝተገበረ ፃዕሪ ሪፎርምና ውፅኢታዊ ከምዝኾነ…

ትንተና/Analysisዜና ትግርኛ
0

ትንተና ሳይቨር 06-12-2023

1 ) መንግስቲ ኢትዮጲያ ንሚድያታቱ ዝመሓላለፎ ውሽጣዊ ትእዛዝ- ንኤርትራ ሕቶ  ቀይሕ ባሕሪ ኢትዪጵያ  ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ሓዱሽ ፖለቲካውን ድፕሎማስያውን ቅርፂ ምፍጣሩ ኣይተርፍን። ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ሰልጣን ዘመኑ ታሪክ ዝዝክሮ ስራሕ ንክፍፅም ካብ ምህቃን ወፃኢ ኣይኮነን። መራሕቲ ኢትዮጲያ ኣብ ታሪክ ዝዝከርሉ ፍፃመ ይዕበ ይንኣስ ነናይ ባዕሎም ኣለዎም። ሃፀይ ምኒሊክ ግዝኣት ኢትዮጲያ ሴሜን ቀኒሱ ናብ ደቡብ ብምስፋሕ…

ዜና ትግርኛ
0

ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ንዝፈፀሞ ገበን ብሽግግር ፍትሒ ዝዳነ ኣይኮነን።” ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ 

ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ንኣማኻሪ ፖለቲካን ቁጠባን ኣምባሳዶር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ጆን ሮቢን ሰን ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተቐቢሎም ኣዘራሪቦም።  ብዋናነት ኣብ ዋኒን ሽግግር ፍትሕን ኣብ ግዝኣት ትግራይ ዝርከቡ ካብ መከላኸሊ ሃገር ወፃኢ ዝኾኑ ዕጡቓት ኣብ ምውፃእን መሰረት ገይሮም ዝዘተዩ እንትኾን ኣብ ትግራይ ብፍላይ ብወራሪ ሰራዊት ኤርትራ ዝተፈፀመ ገበን ብናይ ኢትዮጵያ ናይ ሽግግር ፍትሒ ከይኮነስ ብዓለም ለኻዊ…

ዜና ትግርኛ
0

ውድብ ጥዕና ዓለም ንግልጋሎት ጥዕና ትግራይ ዝውዕል ናውቲ ሕክምና  ብሓገዝ ሂቡ።

እቲ ሓገዝ ብድምር ልዕሊ ሓሙሽተ ሚልየን ብር (5,000,000)ዝዋግኡ ናውቲ  ሕክምና  ኮይኑ 105 ፆታዊ ጥቕዓት ንዝወረደን ደቂ ኣነ-ስትዮ ትግራይ ግልጋሎት ዝውዕል ፋይል ካብኔት ፣ 105 ሰለስተ ተዓፃፊ መኸወሊ ተሓከምቲ ፣ 105 ዓራት ተሓከምቲ  ዝርከቦ እዩ ። ውድብ ጥዕና ዓለም ንቢሮ ጥዕና ትግራይ ዝህቦ  ሓገዝ  ቀፃሊ ምዃኑ ዝተገለፀ ኮይኑ እቲ ናውቲ ናብ ትካላት ጥዕና ከምዝለኣኽ  እቲ ቢሮ…

ዜና ትግርኛ
0

ማሕበር ኣክስዮን ንግዲ ኖርዝ ስታር ኣብ ትግራይ ንዘጋጠመ ሓደጋ ድርቅን ጥምየትን ሓገዝ ዝውዕል 2 ሚልዮን ብር ኣበርኪቱ። 

”መንገዲ ኣየር ኖርዘርን ስታር” ኣብ ምጥያሽ ዝርከቡ ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከብ ማሕበር ኣክስዮን ንግዲ ኖርዝ ስታርን ኣብ ሃገረ ኣሜሪካ ዝርከብ ቢዝነስ ግሩፕ ኖርዝ ስታርን ኣብ ትግራይ ዝበፅሐ ድርቅን ጥምየትን መፍትሒ ክወሃበሉ ኣብ ዝግበር ኩለመዳያዊ ርብርብ ናይ ባዕሎም ተራ ንምፅዋት ገንዘባዊ ሓገዝ ክገብሩ ከምዝወሰኑ ኣፍሊጡ።  ነዚ ሓበሬታ ዝሃቡና ኣካያዲ ስራሕ ማሕበር ኣክስዮን ንግዲ ኖርዝ ስታር ኣይተ…

ዜና ትግርኛ
0

መራሕቲ ተዋጋእቲ ሓይልታት ሱዳን ተኹሲ ደው ምባልን ፊት ንፊት ንምርኻብን ከምዝተሰማምዑ ይግለጽ።

ሓላፊ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ኣል ቡርሃን ኣብቲ ኣብ ጅቡቲ ዝተኻየደ ኣኼባ ኢንተር-መንግስታዊ ውድብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ወይ ኢጋድ ተረኺቡ ከምዝነበረን፡ መወዳድርቱ መራሒ ቅልጡፍ ምንቅስቓስ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዳጋሎ ድማ፡ ምስ መራሕቲ ኢጋድ ብተሌፎን ኣዘራሪቡ። በዚ ድማ ክልቲኦም መራሕቲ ብዘይ ቅድመ ኩነት ተኹሲ ደው ምባል፣ ፊት ንፊት ብምምኽኻርን ንሽግራቶም ብፖለቲካዊ ዘተ መፍትሒ ክረኽቡን ከምዝተሰማምዑ ኢጋድ ኣብ ዘውጽኦ…

ዜና ትግርኛ
0

ዓለምለኻዊ ባንኪ ኣንበሳ ብድርቂ ንዝተጠቕዑ ክፋላት ማሕበረሰብ ዝውዕል 25 ሚሊዮን ብር ገንዘባዊ ሓገዝ ገይሩ።

ዓለምለኻዊ ባንኪ ኣንበሳ ንግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብድርቂ ንዝተጠቕዑ ክፋላት ማሕበረሰብ ዝውዕል 25 ሚሊዮን ብር ገንዘባዊ ሓገዝ ገይሩ። ፕረዚደንት እቲ ባንኪ ኣይተ ዳንኤል ተኸስተ ዓለምለኻዊ ባንኪ ኣንበሳ ቁጠባ ህዝቢ ትግራይ ፀገም ዝፃወር ክኸውን ንሰርሕ ኣለና ኢሎም። ንግዚኡ ህፁፅ ንሓገዝ ዝኸውን 25 ሚሊዮን ብር ንሕግዝ ኣለና ዝበሉ ኣይተ ዳንኤል ተኸስተ እቲ ሓገዝ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣመላኺቶም። ነቲ ሓገዝ…

ዜና ትግርኛ
0

ስሩዕ ጉባኤ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ  25 ኣባላት ብሄራዊ መሪሕነት፡ 7 ኣላይ ውድብ ብምምራፅ ኣኬብኡ ዛዚሙ።

ንብሄራዊ ጉባኤ ስዒቡ፡ ብሄራዊ መሪሕነት ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፡ ን ኣሉላ ሃይሉ ነጋ ኣቦ ወንበር፡ ንገ/ትንሳኤ ወ/ሚካኤል  ድማ ም/ኣ/ወንበር ክኾኑ ብምሕራይ፡ ስርሑ ጀሚሩ ኣሎ።  ሸውዓተ ክፍልታት እውን ዘጣየሸ ብሄራዊ መሪሕነት ሳልሳይ ወያነ ትግራይ፡ ነዞም ዝስዕቡ ሓለፍቲ ክፍልታት ንክመርሑ መሪፁ ኣሎ። ክፍሊ ጉዳያት ወፃኢ፡ ሃይሉ ከበደ ክፍሊ ፖለቲካ፡ ክንፈ ሓዱሽ ክፍሊ ሕጊ፡ የማነ ካሳ ክፍሊ ውዳበ፡ ጌትነት…

ዜና ትግርኛ
0

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ብዛዕባ ኩነታት ኢትዮጵያን ኣፍደገ ባሕርን እንታይ ኢሉ?

ኣባላት ባይቶ ኣመሪካ፡ ኰሚተ ጉዳያት ወጻኢ፡ ዝሓለፈ ሓሙስ እታ ሃገር ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ እትኽተሎ ፖሊሲን ብሓፈሻ ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቃን ብዝምልከት ካብ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካልኦትን ዘቲዩ። ኣብቲ ኣኼባ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክል ሃመር ከምኡ’ውን ምክትል ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኣፍሪቃ፡ ኤጀንሲ ዓለም ለኻዊ ልምዓት ኣመሪካ (ዩኤስኤኣይዲ) ታይለር ቤክልማን ቀሪቦም ኣብ…

ዜና ትግርኛ
0

ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ ኣብ በዓል ሕዳር ፅዮን ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ !!

★ ኣኽሱም መንበረ ሰባ፣ መንበረ ያሬድ፣ መንበረ ዘርኣያቆብ፣ መንበረ ጥበብ ፣መንበረ ሰላማ እያ። ★ ኣኽሱማውያን ተጋሩ ዓለም ብዓለማ ኣብ ፀልማት ደልሃመት ኣብ ዝነበረትሉ ዘመን መንግስትነት፣ ስርዓትን ሕግን ንዓለም ኣብነት ኾይኖም ዘርኣዩ ሰብ ድርብ ቅያ እዮም። ★ኣኽሱም መፈለምታ ቅያና፣ቅርስና ፊደልና ፣ ዓወደ ኣዋርሕና፣ ቁፅርና እያ። ★ ኣኽሱም መንበረ ወያነናን ዓወትናን እያ። ★ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ዘርኢ…