ፕሬዚዳንት ሶማሊላንድ ሙሴቢሂ ኣብዲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም
ፕሬዚዳንት ሶማሊላንድ ሙሴቢሂ ኣብዲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም። እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ÷ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሚኒስትር ጉዳያ ወፃኢ ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣቀባብላ ገይሮምሎም። ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝህልዎም ፃንሒት ኣብ ዝተፈላለዩ ሓበራዊ ጉዳያት ክዛተዩ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።
“ንሓደጋ ጥሜትን ሰብኣዊ ቕልውላዉን ዝተቓልዐ ሚልዮናት ህዝቢ ትግራይ ንምድሓን ፃውዒት ህፁፅ ሓገዝ ምግባር ፖሎቲካዊ ዘብል የብሉን” ፕሬዚዳንት ጌታቸው ረዳ
ዓርቢ 19 ታሕሳስ 2016 ዓ/ም ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንቲ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ሓደጋ ጥሜት ማሕበረሰብ ዓለምን መንግስቲ ፌደራልን ግቡእን ህፁን ምላሽ ክህብሉ ፃዉዒት ኣቕሪቡ ነይሩ። ነዚ ስዒቡ ሚኒስተር ኮሚኒኬሽን ፌዴራል ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጥሜት ብምእኣስ ፥ብወገን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝወፀ “ እቲ ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ሓደጋ ጥሜት ካብ 1977 ዓ/ም ዝነበረ ጥሜት…
ማሕበር ሰራሐተኛታት መንግስቲ ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ ፈላማይ ጉባኤኡ ኣሳሊጡ፡፡
11 ሕዳር 2016 ዓ/ም ካብ ቢሮ ፍትሒ ትግራይ ሕጋዊ ኣፍልጦ ረኽቡ ዝተመስረተ ማሕበር ሰራሐተኛታት መንግስቲ ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ ፈላማይ ጉባኤኡ ኣሳሊጡ፡፡ ኣብቲ ጉባኤ ዝተረኸቡ ምክትል ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌተናል ጀነራል ፃድቃን ገ/ትንሳኤ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ከቢድ ፀገም ኣብ ዘለሉ እዋን ማሕበር ሰራሕተኛታት መንግስቲ ትግራይ ምምስራቱ ፤ መሰልን ግቡእን ሰራሕተኛታት ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ ዘራጋግፅን…
ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሰልፊ ንምክያድ ዋላ’ኳ መንግስቲ ፌደራል እንተኸልከለና ኣብ ከተማ መቐለ ክነካይዶ ኢና።” – ሰልፊ ኢዜማ ዝርከቦም ልዕሊ 10 ፖለቲካዊ ሰልፍታት (ውድባት)።
“ካብ ካልእ መፂኻ ኣብ ከተማ መቐለ ሰለማዊ ሰልፊ ከነካይድ ኢና ኢልካ ምሕሳብ ሕልሚ’ዩ።” – ምምሕዳር ከተማ መቐለ። “ኣብ ከተማ መቐለ ሰልፊ ከምዝካየድ ዝተውሃበኒ መደብ የለን። ፖሊስ ዘይፈልጦ ሰለማዊ ሰልፊ ክኣ ዘይሕሰብ’ዩ።” ኮምሽን ፖሊስ። “ኣብዚ ሐዚ እዋን ህዝቢ ትግራይ ሓገዝ ሒዙ ዝመፅእ’ምበር ንሰልፊ ሓርዩና ዝመፅእ ሓይሊ ኣየድልየናን።” – ወሃብቲ ርኢቶ ነበርቲ ከተማ መቐለ። ቅድሚ ኣስታት ሰለስተ…
ኣብ ከተማ ሸገር ልዕሊ 70 ሓደሽቲ ቅድመ ስሩዕ ኣብያተ ትምህርቲ ይህነፃ ኣለዋ
ኣብ ከተማ ሸገር (ዙርያ ኣዲስ ኣበባ) ልዕሊ 70 ሓደሽቲ ቅድመ ስሩዕ ኣብያተ ትምህርቲ ይህነፃ ኣለዋ። እተን ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ከባቢኦም ቤት ትምህርቲ ብዘይምህላዉ ትምህርቶም ምክትታል ዘይከኣሉ ተምሃሮ ፀገሞም ዝፈትሕ ኢዩ ተባሂሉ። ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ምምሕዳር ከተማ ሸገር ፊራኪያ ካሣሁን፥ ኣብ ከተማ ሸገር ልዕሊ 70 ሓደሽቲ ቅድመ ስሩዕ ኣብያተ ትምህርቲ ሎሚ ዘበን ይህነፃ ኣለዋ ኢሎም። ካብ…
ንመበል 49 ዓመት በዓል 11 ለካቲት ኣመልኪቱ ብማተሰኣ ዝተዋህበ መግለፂ
ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ (ማተሰኣ) ብረታዊ ቓልሲ ህዝቢ ትግራይ ናይ ዝጀመረ ውድብ ህወሓት ልደት በዓል ለካቲት 11 ንመበል 49 ጊዜ ምስ ህዝቡ ኾይኑ ንምኽባር ኣብ ዓብይ ምድላው ይርከብ ኣሎ። ነዚ ክቡር በዓል ህዝቢ ትግራይ እዚ እንትነኽብር፣ ቅድም ክብል ብሄራዊ ሓርነትን ማዕርነትን ዲሞክራሲን ልምዓትን ንምምፃእን፣ ድሕሪኡ እውን ደመኛታት ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ተላፊኖም ንዝኸፈትዎ ናይ ፅንተት ወራር…
ዋዕላ ምኽክር ምድላው ሓዱሽ ስርዓተ ትምህርቲ ቀዳማይ ብርኪእናተሳለጠ እዩ።
ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ምስ ኢማጅን ዋን ደይን ዩኒሴፍን ብሓባር ዘዳለዉዎ ካብ ፌደራል ዝተወከሉ ኣጋይሽ፣ሓለፍቲ ቢሮታት፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ካልኦት ኣካላትን ኣብ ዝተረኸቡሉ እዩ እቲ ዋዕላ እናተሳለጠ ዘሎ። እቲ ሎሚ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ምኽክር ምድላው ሓዱሽ ስርዓተ ትምህርቲ ቀዳማይ ብርኪ ነቲ ዘለናሉ ዘመን ዝምጥን ትምህርቲ ንክውንኑ ዝዓለመ ምዃኑ ኣብቲ ዋዕላ ተሓቢሩ እዩ። 9ይን 11ክፍልን ብብርኪ ሃገር ዝተዳለወ…
ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ድርቅን ጥምየትን ንዝርከብ ህዝቢ የጭላ ኣበርገለ ሓገዝ ኣበርኪታ
በዓልቲ ክብረ ወሰን ጉያ ዓለም 10ሽሕ፣ ፍርቂ ማራቶን ኢሉ እውን 10 ኪሎ ሜትር ዝኾነት ፍርያት ትግራይ ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ኣብ የጭላ ኣበርገለ ድርቂ ዘስዐቦ ጥምየት ንዝተጎድኡ ወገናት ብዓቕመይ ክሕግዝ ኣለኒ ብምባል ፍርቂ ሚልዮን ብር ዝዋግኡ 70 ኩንታል ስርናይ ኣከፋፊላ እያ። ኣብ የጭላ ኣበርገለ ብኣካል ተረኺባ 70 ኩንታል ስርናይ ን280 ወገናት ነብሲ ወከፎም 25 ኪሎ ስርናይ…
ሓበራዊ መግለፂ ማእኸላይ ኮሚቴን ማእኸላይ ኮምሽን ቁፅፅርን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ኣዛዚ ተወርዋሪ ሓይሊ ሱዳን ዘቲዮም
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ኣዛዚ ተወርዋሪ ሓይሊ ሱዳን ጀነራል ሞሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ዘቲዮም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ትዊተር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኣዛዚ ተወርዋሪ ሓይሊ ሱዳን ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎን ልኡኾምን ኣብ ሱዳን ሰላምን ምርግጋዕን ምንጋስ ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ዝጠመተ ዘተ ንምግባር ከምዝተቐበልዎም ገሊፆም።
ኢትዮጵያን ሕብረት ኣፍሪካን ስምምዕነት ድጋፍ 1 ሚሊየን ዶላር ከቲሞም
ኢትዮጵያን ሕብረት ኣፍሪካን ስምምዕነት ድጋፍ 1 ሚሊየን ዶላር ከቲሞም። እቲ ደገፍ፥ ነበር ተዋጋእቲ እግሪ ንምትካል ዝውዕል ኢዩ ተባሂሉ። ኣብቲ ሰነድ ስምምዕነት፥ ኮሚሽነር ኮሚሽን ተሃድሶ ኣምባሳደር ተሾመ ቶጋን ኮሚሽነር ጉዳያት ሰላምን ፀፅታን ሕብረት ኣፍሪካ ኣምባሳደር ባንኮሌ ኣዶዬን ክታሞም ኣንቢረሙሉ። ከይዲ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ንምትግባር ዝሕግዝ ከምዝኾነ ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
ታሽዓይ ሃገርለኸ ኮንፈረንስን ብደረጃ ዩኒቨርሲቲ ፈላማይ ኤግዚብሽን ቴክኖሎጂ ይሳላጥ ኣሎ
ድሕሪ እቲ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ መሪር ኩናት ፅንተት ናብ ምምሃር ምስትምሃር ዝተመለሰ ዩኒቨርስቲ ኣኽሱም ታሽዓይ ሃገር ለኸ ኮንፈረንስን ፈላማይ ዩኒቨርሲቲ-ለኸ ኤግዚቢሽን የካይድ አሎ ። ድህረ ኩናት ፥ ኣንፈታት ዳግመ ህንፀትን ሕውየትን ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ ሃገርለኸ ኮንፈረንስ ሳዕቤናት ኩናት ፥ ህሊዊ ኩነታት መበገሲ ዝገበሩ ኣምራት ዳግመ ህንፀትን ሕውየትን ሓዊሱ…
ፍሉይ ቖላሕታ ዝጠልብ ዘይሕጋዊ ሰግረ ዶብን ሰዓቤናቱን ዝዝቲይ መደረክ ተሳሊጡ
ጆኖሳይዳዊ ኲናት ትግራይ ዝወለዶ ዕንወትን ድቀት ቁጠባን ስዒቡ መናእሰይ ግዳይ ዘይሕጋዊ ስደት ይኾኑ ከምዘለው ተገሊፁ። ጉባኤ ህዝባዊ ርክባት ትግራይ ምስ ማሕበር መናእሰይ ትግራይ ብምትሕብባር ዘይሕጋዊ ሰግረ ዶብን ሰዓቤናቱን ዝምልከት መድረኽ ኣብ ከተማ መቐለ ኣሳሊጡ። ኣብዚ መድረኽ መልእኽቲ ዘሕለፉ ቦርድ ሰብሳቢ ጉባኤ ህዝባዊ ርክባት ትግራይ ኣባ ጡዑም በርሀ ፣ መናእሰይ ንዘይ ሕጋዊ ስደት ይሳጥሑ ኣለው ኢሎም።…
ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ኣብ ዝተሳለጠ ውድድር ብስክሌት ደቂ ትግራይ ተወዳደርቲ ካብ 1ይ ክሳብ 4ይ ተዓዊቶም።
ኣብ ትግራይ ብዝተኣወጀ ጀኖሳይዳዊ ኩናት ምኽንያት፣ ካብ ትግራይ ወፃኢ ድሕሪ 4 ዓመት ምቁራፅ፣ ንመጀመርታ ግዜ ጋንታ ትራንስ ኢትዮዽያ ድሬዳዋ ብስክሌት ፌደረሽንን ሃሪፍ የስፖርት ኣገልግሎትን ብሓባር ብምዃን ዘዳለውዎ ውድድር ንጋንታ ትራንስ ብዝተገበረላ ዕድመ መሰረት፣ኣብ ውድድር ብስክሌት ድሬ ታሕሳስ ብዓብላልነት ፀወታ ሎሚ 17 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም ተዓዋቲት ምዃና ተሓቢሩ። እዚ ሓበሬታ ኣብ ገፅ ማሕበራዊ መርበብ ሓበሬታ ትራንስ…
ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ፀለምቲ ኣብ ማእኸል መራብሒ ቀወምቲ ተኽሊ ቦረቔ ኣብ ክላስተር ማንጎ ሓደጋ ባልዕ ከምዘጋጠመ ተሓቢሩ።
እቲ ኣብ ልዕሊ ዓሰርተ ሄክታር መሬት ዘጋጠመ ሓደጋ ባልዕ ዝሐሸ ዓሌት ንዘለዎ ቀዋሚ ተኽሊ ማንጎ የጥቅዕ ምህላዉ ተፈሊጡ ‘ሎ። ኣብ ወረዳ ፀለምቲ ጣብያ ውህደት ዝርከብ ማእኸል መራብሒ ቀወምቲ ተኽሊ ቦረቔ ጠለብ ምሩፅ ዓሌት ቀወምቲ ተኽሊ ትግራይ ኣብ ምምላእ ልዑል ግደ ዝነበሮ ማእኸል እዩ። ይኹን ‘ምበር እቲ ከባቢ ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ሓይልታት ኣምሓራ ብምውዳቑ ካብቲ ማእኸል…
ማሕበር ቀይሕ መስቀል 17 ነጥቢ 7 ሚሊየን ብር ዋጋ ዘለዎም ኣምቡላንሳት ብሓገዝ ረኺቡ
ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ሙሉእ ናውቲ ሕክምና ዝተማለአሎም 17 ነጥቢ 7 ሚሊየን ብር ዋጋ ዘለዎም ሽዱሽተ ኣምቡላንሳት ብሓገዝ ረኺቡ። እተን ኣምቡላንሳት÷ ብሓገዝ ትካል ሰብኣዊን ሲቪል ሓለዋን ሕብረት ኣውሮፓ ከምኡ እውን ብኤጀንሲ ልምዓት ኦስትሪያ ዝተገበረ ምዃኑ ተገሊፁ፡፡ ኣርባዕቲአን ኣምቡላንሳት ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባታት ሰሜን ወሎን ሰሜን ጎንደርን ከምኡ እውን ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ከባቢ ባምባሲን ዳንጉርን…
“ደምወዝ እንዳወሰድካ ንውዝፍ መሃያ 17 ኣዋርሕ እንተዘይተዋሂቡኒ ኣይሰርሕን ምባል ኣግባብ ኣይኮነን።” – ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ።
“ሕቶ ኩሉ ሰራሕተኛ ንምፍታሕ ዝተፈላለዩ ፃዕርታት ኣብ ዝካየደሉ እዋን እቲ ሕቶ – ሕቶ በይንኻ ኣምሲልካ ንስራሕ ደው ምባል ኣግባብነት የቡሉን።”- ቢሮ ፋይናንስ ሃፍቲ ምትእኽኻብን ምምሕዳርን ትግራይ። ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ዶ/ር ኪሮስ ጉዕሽ ከምዝገለፅዎ ሕቶ መምህራን ሕቶ ኹሉ ሰራሕተኛ መንግስቲ’ምበር ናይ በይኖም ከምዘይኮነን ፤ ንዚ ሕቶ ኹሉ ንምምላስ ብተደጋጋሚ ዝተፈላለዩ ፃዕርታትን ዝርርብን ከምዝተኻየደን ይካየድ…
ሩሲያ ናይ ጦር መርከባ ብዝተፈፀመላ መጥቃዕቲ ከምዝዓነወት ኣፍሊጣ
ሩሲያ ሓንቲ ናይ ጦር መርከባ ኣብ ፀሊም ባሕሪ ብዝተፈፀማ መጥቃዕቲ ከምዝዓነወት ኣፍሊጣ። እታ መርከብ ሩሲያ ኣብ ትቆፃፀሮ ግዝኣት ክሬሚያ ኣብ ዝርከብ ወደብ ፊዮዶሲያ ከባቢ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ከምዝዓነወት ኢዮም ብ መዚ ሩሲያ ሓቢሮም ዘለዉ። እታ ናይ ጦር መርከብ ካብ ተዋጋእቲ ጀታት ብዝተተኮሰ ሚሳኤል ከምዝተወቕዐት ሚኒስቴር ምክልኻል ሩሲያ ኣረጋጊፁ። ከም ፀብፃብ ቢቢሲ በቲ መጥቃዕቲ ህይውት ሓደ ሰብ…
ኣብ ሃገራዊ ምኽክር ትኹረት ዝጠልቡ ጉዳያት ምፍላይ ብእዋኑ ንኽዛዘም ርብርብ ክግበር ይግባእ – ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ
ኣብ ሃገራዊ ምኽክር ትኹረት ዝጠልቡ ቀንዲ ቀንዲ ጉዳያት ብምፍላይ ኣብ ዝተደለየ እዋን ንኽዛዘም መዳርግቲ ኣካላት ርብርብ ክገብሩ ከምዝግባእ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ ገሊፆም። ኣብ ኣፈፃፅማ ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ዝተገበረ ፀብፃብ ናይ ባይታ ትዕዝብቲ ብቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ዴሞክራሲ ኣቢሉ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቀሪቡ። እቲ ፀብፃብ÷ ኣፈ ጉባኤ ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ እቲ…
ሩሲያ ናብ ቤላሩስ መሳርሒ ኲናት ኒውክሌር ናይ ምብፃሕ ስራሓ ከምዝዛዘመት ሉካሼንኮ ተዛሪቦም
ሩሲያ ናብ ቤላሩስ መሳርሒ ኲናት ኒውክሌር ናይ ምብፃሕ ስራሓ ከምዝዛዘመት ፕሬዚዳንት ቤላሩስ ኣሌክሳንደር ሉካሼንኮ ተዛሪቦም። ሉካሼንኮ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ዩሬዢያ ኢኮኖሚ ሩሲያ ትማሊ ምሸት ናብ ሴንት ፒተርስበርግ ኣቕኒዖም። ኣብቲ እዋን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፥ ካብ ክሬምሊን ናይ መወዳእታ መሳርሒ ኲናት ታክቲካል ኑክሌር ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2023 ዓ.ም.ፈ ከምዝተልኣኸ ተዛሪቦም። ኣብ መብርሂኦም ናብ ሃገሮም ዝተልኣኸ…
ሕጋዊ መለለይ መንነት ብኣግባቡ ክወሃብ ብምስራሕ መሰል ዜጋታት ክኽበር ይስራሕ ከምዘሎ ተገሊፁ።
ኣብ ትግራይ ክወሃብ ዝዳሎ ዘሎ መለለይ መንነትን ብብርኪ ሃገር ዝተኣታቶ ዘሎ ብሄራዊ መንነትን ኣመልኪቱ ምስ ዝምልከቶም መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን መዳርግቲ ኣካላት ኣብ ከተማ መቐለ ዓውደ መፅናዕቲ ይሳለጥ ኣሎ። ኣብዚ ዓውደ መፅናዕቲ ተረኺቦም መልእኽቲ ዘሕለፉ ምክትል ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ ፣ሕጋዊ መለለይ መንነት ብኣግባቡ ክወሃብ ብምስራሕ መሰል ዜጋታት ክኽበር ይስራሕ ከምዘሎ ገሊፆም። ጀነራል ፃድቃን…
ማሕበር ልምዓት ፈረስማይ ሓሓይለን ከባቢኣን ብሰንኪ ዘጋጠመ ሓደጋ ድርቂ ብጥሜት ዝመውት ቁፅሪ ይውስክ ብምህላው ካብ ሐዚ ጀሚርና ንህዝቢ ክንበፅሐሉ ኣለና ተባሂሉ፡፡
ማሕበር ልምዓት ፈረስማይ ሓሓይለን ከባቢኣን ኣብ መፋርቅ 2001 ዓ/ም ብተወለድቲ እቲ ከባብን ፈተውቲ ልምዓትን ዝተመስረተት ማሕበር እንትትኸውን ኣብ ህዝቢ ዘለው ፀገማት ንምቕራፍ ዓሊማ ከምእትሰርሕ ምክትል ኣቦ መንበር እታ ማሕበር ኣይተ ኣረጋይ ለገሰ ገሊፆም፡፡ ኣብቲ ዕለት ዕዱም ጋሻ ዝነበሩ ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ኣይተ ሰለሞን መዓሾ እታ ማሕበር ቅድም ክብል ፀገማት ህዝቢ ንምቅላል ዘሳለጠቶም ስራሕቲ ብምንኣድ ብሰንኪ…
መንግስቲ ፌደራል ነቲ ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ጥሜት ንምምካት ኩሉ ሃገራዊ ዓቕምታት ተጠቒሙ ህፁፅ ግብረ መልሲ ክህብ ዓለም-ለኸ ማሕበረሰብ ሙሁራትን ሰብ ሞያን ትግራይ ፀዊዑ
ኣብ ቀረባ እዋን ኮሚሽን ሓደጋን ግብረ መልስን ኢትዮጵያ ኣንባሳደር ሽፈራው ተኽለማርያም ኣብ ትግራይ ጥሜት የለን ኢሎም ዝሃብዎ መግለፂ ሓላፍነት ዝጎዶሎን ሓደገኛን ተግባር ምኻኑ ዝገለፀ ዓለም-ለኸ ማሕበረሰብ ሙሁራትን ሰብ ሞያን ትግራይ እዚ ኣብ ልዕሊ እቶም ብድርቂ ዘስዓቦ ጥሜት ግዳይ ሞት ዝኾኑ ተጋሩ ክሕደት ምኻኑ ኣፍሊጡ። ሓላፍነት ዝጎዶሎ መግለፂ ላዕለዋይ በዓል መዚ ፈደራል ብህፁፅ ምርመራ ብምግባር መአረምታ…
ኣመሪካ ትመርሖ ሓድሽ ወተሃደራዊ ተበግሶ ኣብ ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን
ኣመሪካ ነቲ ኣብ ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን ተፈጢሩ ዘሎ ጸጥታዊ ስግኣት ንምግታእ ሓድሽ ወተሃደራዊ ተበግሶ ክትጅምር ምዃና ኣፍሊጣ። እቲ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ዝመርሖ፡ ‘ስርሒት ምውሓስ ብልጽግና’ (Operation Prosperity Gaurdian) ተሰዪሙ ዘሎ ወተሃደራዊ ተበግሶ ነቲ ዕጡቓት ሑቲ ፈጢሮሞ ዘለዉ ስግኣት ምላሽ ንምሃብ ዝዓለመ’ዩ። ሰፊሕ ክፋል የመን ዝቈጻጸሩ ዘለዉ ዕጡቓት ሑቲ፡ ነተን ናብ እስራኤል ዘቕንዓ ብቀይሕ ባሕሪ…
ግዱሳት ፈተውቲ ዓዶም ብር 15 ሚሊዮን ወፃኢ ብምግባር ዘፀገንወን ኣብያተ ትምህርቲ ናብ ግልጋሎት በቒዐን ።
ኣብ ወረዳ እምባስነይቲ ከተማ ነበለት ብሰራዊት ኤርትራ ሙሉእ ብሙሉእ ዕንወት ዝበፅሐን ሰለስተ ኣብያተ ትምህርቲ ፈተውቲ ዓዶምን ህዝቦምን ብዝኾኑ ኣይተ ጌታቸው ወልዱን ብርሃነ ወልዱን ብብር 15 ሚልዮን መሊሰን ተፀጊነን ንግልጋሎት በቒዓን። ከም ሓበሬታ ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ዶክተር ኪሮስ ጉዑሽ እዘን ኣብያተ ትምህርቲ ብሰራዊት ኤርትራ ሙሉእ ብሙሉእ ህንፀአን ዝዓነዋ እየን። ኣብ ውሽጠን ዝነበራ ሓደሽቲ ኮምፒተራት ናብ…
ስምምዕ ፕሪቶርያ ብምሉእነት ክትግበር መደራደርቲ ኣካላት ፅዕንቶ ክፈጥሩ ምስራሕ ይግባእ ።
ብጉድለት ትግበራ እቲ ስምምዕነት ህዝቢ ግዳይ ጥሜት፣ ሕማምን ስደትን ኮይኑ ይርከብ ። እዚ ዝተገለፀ ሕብረት ማሕበራት ሲቪል ማሕበረሰብ ትግራይ (ሕማሲማት) ምስ ወከልቲ ሕብረተሰብ ኣብ ኣፈፃፅማ ውዕሊ ሰላም ፕሪቶርያ ጠሚቱ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዘካየዶ ዘተ እዩ። ኣብዚ መድረኽ ዝተረኸቡ ወከልቲ ሕብረተሰብን ሲቪክ ማሕበራትን ፣ብጉድለት ትግበራ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ህዝቢ ትግራይ ግዳይ ሕሱም ጥሜት፣ ሕማምን ስደትን…
ዓለምለኸ መድረኽ መፅናዕቲ ቋንቋታት ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ ይሳለጥ ኣሎ
መበል ታሽዓይ ዓለምለኸ መድረኽ መፅናዕቲ ቋንቋታት ትግራይ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ከተማ መቐለ ብዕሊ ተጀሚሩ። እቲ ዓለምለኸ መድረኽ ብኣካዳሚ ቋንቋታት ትግራይ ዝተዳለወ ከምዝኾነ ኣብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ። ካብ 12 ክሳብ 13 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም ንክልተ ተኸታተልቲ መዓልታት ከምዝፀንሕ ተሓቢሩ። ኣብቲ መድረኽ፥ ብርክት ዝበሉ መፅናዕትታት ብኹሎም ቋንቋታት ትግራይ ከምዝቐርቡ…
”ኣፍደገ ባሕር ኣፍደገ ልምዓት” ብዝብል ርእሲ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ
”ኣፍደገ ባሕር ኣፍደገ ልምዓት” ብዝብል ርእሲ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ። እቲ መድረኽ ዘተ ዩንቨርስቲ ኣርባ ምንጭ ዘሰናደኦ ኢዩ። ፕሬዚዳንት እቲ ዩኒቨርሲቲ ዳምጠው ዳርዛ (ዶ/ር)፥ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ከመይ ምላሽ ይርከብ ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ምሁራን ኣማራፂ ሓሳብ ንከቕርቡ እቲ ዩንቨርስቲ ይሰርሕ ከምዘሎ ተዛሪቦም። ጉዳይ ወሰንን ማንነትን፣ ሕገ መንግስቲ፣ ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ ወዘተ በዝምልከት እቲ ዩንቨርስቲ…
ናይ ሃውቲ ዓመፅቲ ኣብ መራኽብ ንግዲ ዝፍፅሙዎ መጥቃዕቲ ጠጠው ንኸብሉ ድሕንነት ቀይሕ ባሕሪ ንምሕላው ዝተጣየሸ ጥምረት ፀዊዑ
ናይ ሃውቲ ዓመፅቲ ኣብ መራኽብ ንግዲ ዝፍፅሙዎ መጥቃዕቲ ጠጠው ንኸብሉ ድሕንነት ቀይሕ ባሕሪ ንምሕላው ዝተጣየሸ ወታደራዊ ጥምረት ፀዊዑ። ኣመፅቲ ሃውቲ ኣብ ኲናት እስራኤል – ሃማስ ንፍልስጤማውያን ሓገዞም ንምርኣይ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝንቀሳቐሳ ናይ ንግዲ መራኽብ መጥቃዕቲ እናፈፀሙ እንትኾኑ ነዚ ኣጠናኺሮም ክዝቕፅሉ ምግላፆም እውን ዝዝከር ኢዩ። እዚ ናይ ዓመፅቲ መጥቃዕቲ ንምከልኻል ኣሜሪካ ትመርሖ ወታደራዊ ጥምረት ዝተጣየሸ…
ኣብ ትግራይ እናተጋደደ ዝኸይድ ዘሎ ዘይሕጋዊ ዝውውር ደቂ ሰባት ሓደገኛ ይኸውን ምህላዉ ተገሊፁ።
መንቀሊ እዚ ዘይሕጋዊ ስደት ብምርዳእ መንግስቲ፣ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ዓበይቲ ዓዲን መላእ ሕብረተሰብ ንምፍታሕ ክረባረብ ከምዝግባእ ተገሊፁ። ብምትሕብባር ቤት ሕሕፈት ጉዳያት ኮሙኒኬሽንን ቢሮ ጉዳይ መናእሰይን ትግራይ ኣብ ዘይሕጋዊ ዝውውር ደቂ ሰባት ኣመልኪቱ ምስ ዓበይቲ ዓዲ፣ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ሰብ ሞያ ፍትሕን ኣካላት ፀጥታ መድራኽ ዘተ ኣብ ከተማ ማይጨዉ ይካየድ ኣሎ።
ኤርትራውያን ዲያስፖራ ተቀማጦ ሲዊዘርላንድ ማሕበር ደለይቲ ሰላም ንመሐብሐቢ ህፃናት ሎላ ልዕሊ ክልተ ሚኢቲ ሸሕ ብር ሐገዝ ገንዘብ ሂቦም።
ኣካያዲት ስራሕ ትካል ቤተ ህፃናት ሎላ ወይዘሮ ኤደን ሓጎስ ልዕሊ ሓደ ሚእትን ሓሙሽተን ተሓብሐብቲን ካልኦት ፁጉማት ሕብረተሰብ ብምሕጋዝ ዝሰርሕ ዘሎ ትካለን ካብ ውሸጢ ዓድን ወፃእን ሓገዛት ዝገበሩ ዘለው ጉዱሳት ተጋሩን ኤሬትራውያን ብምንኣድ ሓገዞም ክቕፅልሉ ፀዊዐን። ተወካሊ ኤርትራውያን ዲያስፖራ ተቀማጦ ሲዊዘርላንድ ማሕበር ደለይቲ ሰላም ኣይተ ገብረመድህን ብርሃነ ኤርትራውያን ዲያስፖራ ተቀማጦ ሲዊዘርላንድ ብማሕበሮም ኣቢሎም ልዕሊ 240 ሽሕ…
ቤት መዘጋጃ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ብሰንኪ ኲናት ንዓመታት ህንፀቱ ተጓቲቱ ዝፀንሐ ህንፀት መንገዲ ኣስፋልቲ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ከም ዝተጀመረ ኣፍሊጡ።
ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ዝለዓለ ምንቅስቓስ ካብ ዘለወን ከተማታት ትግራይ ሓንቲ ዋላኳ እንተኾነት ነታ ከተማ ዝምጥን መንገዲ ኣስፋልት ከምዘይብላን ተጀሚሩ ዘሎ ህንፀት መንገዲ ኣስፋልት ኣብ ዕቤት እታ ከተማ ዝለዓለ ግደ ከም ዘለዎ ገሊፆም። ነቲ ህንፀት መንገዲ 334 ሚልዮን ብር በጀት ከም ዝተትሓዘሉ ዝገለፁ ኣካያዲ ስራሕ ቤት መዘጋጃ እታ ከተማ ኣይተ ተኽለወይኒ ቶማስ 4 ነጥቢ 5 ኪሎ…
ሽም ትካልና ንምፅላምን ፖለቲካዊ ኣጀንዳ ንምግባርን ኣብ ገበን ዝፍፅሙ ሓይልታት ሹም ትካልና ምፅራሕ ኣግባብነት የብሉን ክብል ፋብሪካ ስሚንቶ መሰቦ ኣተሓሳሲቡ
ፍርያት መሰቦ ዕዳግኡ ኣብ ትግራይ ጥራሕ ሙኻኑ እውን ዕላዊ ገይሩ ። ምሉእ ትሕዝቶ መብርሂ ፋብሪካ ሲሚንቶ መሰቦ እዚ ዝስዕብ እዩ ። ፍርያት መሰቦ ዕዳግኡ ኣብ ትግራይ ጥራሕ !! ፋብሪካ ሲሚንቶ መሰቦ ፍርያቱ ኣብ መላእ ኢትዮጽያ ይሸይጥ ዝነበረ ኮይኑ ተበፃሕነቱ ንምዕባይ ኣብ ከተማታት ኣዲስ ኣበባ ፣ ባህርዳር ን ደሴን ጨንፈር ኣብያተ ፅሕፈት መሸጣ ከፊቱ ብናይ ባዕሉ…
ግብፂ ሓበራዊ ተረባሕነትን ፍትሓዊነትን ዘይተኸተለ ቅዋም ሒዛ ኣላ – ኣምባሳደር ስለሺ በቀለ (ዶ/ር)
ግብፂ ሓበራዊ ተረባሕነትን ፍትሓዊነትን ዘይተኸተለ ቅዋም ከምዝሓዘት መራሒ ጉጅለ ልኡኽ ተደራዳሪ ወገን ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ስለሺ በቀለ (ዶ/ር) ገሊፆም። ኣምባሳደር ስለሺ በቀለ (ዶ/ር)÷ ውፅኢት ራብዓይ ዙር ሰለስተኣዊ ድርድር ዓብዪ ግድብ ህደዳሰ ኢትዮጵያ ኣመልኪቶም መግለፂ ሂቦም። ኣብ መግለፂም ድማ÷ ኣብ ኣተቓቕማ ሩባ ኣባይን ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያን ብዝምልከት ግብፂ ንኢትዮጵያ ኣብ ዘይምልከት ውዕሊ ባዕዳዊ መግዛእቲ ብምድሃባ 4ይ…
ፅገና መዕርፎ ነፈርቲ ሃፀይ ዮውሃንስ ራብዓይ ከተማ ኣኽሱም
ብሰንኪ ጅኖሳይዳዊ ኩናት ትግራይ ፡ ከቢድ ዕንወት በፂሕዎ ዝፀንሐ መዕርፎ ነፈርቲ ሃፀይ ዮውሃንስ ራብዓይ ከተማ ኣኽሱም ንምፅጋን ብመንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝወፀ ጨረታ ዝተዓወተ ንኡድ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቀ ኮንስትራክሽን ስራሕቱ ንምጅማር ዘኽእሎ ምድላዋት ምውጋኑ ኣፍሊጡ ። እቲ ኩባንያ ዕንወት ዝበፅሖ መንደርደሪ ነፈርቲ ፀሊም ፅርግያ ፡ ኢሉ’ውን ህንፃ ተርሚናል መገደኛታት ንምፅጋን ዘኽእሎ መሳርሕታት ማሽነሪን እኹል ሓይሊ ሰብን…
ቻይና ንኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ሓገዝ ከምትገብር ገሊፃ
ሚኒስቴር ሳይንስን ቴክኖሎጂን ቻይናን ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ዘኽእሎም ጉዳያት ኣድሂቦም ተዛቲዮም፡፡ ኣብቲ እዋን ዘተ ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ወርቁ ጋቸና (ኢ/ር) ብዛዕባ ስራሕቲ እቲ ኢንስቲትዩት ገለፃ ገይሮም፡፡ ክልቲአኦም ትካላት ኣብ ስራሕቲ ቴክኖሎጂ፣ ህንፀት ዓቕሚ፣ ምርምርን ልምዓትን ሓቢሮም ክሰርሑ ከምዝኽእሉ ኣብቲ መድረኽ ተላዒሉ፡፡ ኣመራርሓ ሚኒስቴር ሳይንስን ቴክኖሎጂን ቻይና ሬን ሆንግቦ…
ኣካዳሚ ቋንቋታት ትግራይ ካብ 12 ክሳብ 13 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም ዓለም ለኸ መፅናዕትን ምርምርን ቋንቋታት ትግራይ ከሳልጥ ምኻኑ ገሊፁ።
ኣብ 2006 ዓ.ም ዝተጣየሽ ኣካዳሚ ቋንቋታት ትግራይ ኣብ 2008 ዓ.ም ድማ ሕጋዊ ስብነት ከምዝረኸበን ክሳብ ሐዚ ድማ ኣስታት 190 መፅናዕታዊ ፅሑፋት ከምዘቕረበ ዋና ዳይሬክተር እቲ ኣካዳሚ ዶ/ር ዳኒኤል ተኽሉ ኣብሪሆም። ቀንዲ ዕላማ እቲ ኣካዳሚ ቋንቋታት ትግራይ ቋንቋታት ሳይነስን ቴክኖሎጂን ኢሉ እውን ቋንቋታት መፅናዕትን ምርምርን ንምግባር እዩ ዝበሉ ዶ/ር ዳኒኤል ቋንቋ ትግርኛ፣ ግእዝ፣ ሳሆን ኩናማን ድማ…
6 ጥሪ 2016 ዓ.ም ክዋሃብ ተሓሲቡ ዝነበረ ሃገራዊ ፈተና ፕሮግራም ዝተሳለጠ ትምህርቲ ንዘይተወሰነ እዋን ከምዝተናዉሐ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ኣፍሊጡ።
ተግባረዊ ምግባር ብዝተጀመረ ፕሮግራም ዝተሳለጠ ትምህርቲ መሰረት ምስ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ብምርድዳእ ኣብ 2016 ዘመነ ትምህርቲ ሰለሰተ ሃገራዊ ፈተና ማላት እዉን ኣብ መስከረም 29፣ 6 ጥሪን ግንቦትን ከም ዝዉሃብ ኣፍሊጡ ምንባሩ ዘዘኻኸረ እቲ ቢሮ እንተኾነ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ተምሃራይ ምቕባል ብምጅማረንን ንተፈተንቲ ዝኻዉን ቐፅሪ ዘይብለን ብምኻኑን ንፈተና ምድላዉ ግዜ ሕፅረት ብምህላዉን እቲ ሃገራዊ ፈተና ንዘይተወሰነ እዋን…
