Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ፖለቲካ ኣይፈልጡን፡ ዕላማ የብሎምን ተባሂልና ዝተነዓቕና ንድርድር በቒዕና’ -ጃል መሮ

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ታንዛኒያ ኣብ ሞንጐ ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝንቀሳቐስ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞን ክካየድ ኣብ ዝጀመረ ድርድር ዝሳተፍ ዘሎ ኣዛዚ እቲ እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ኩምሳ ድሪባ፡ “ፖለቲካ ኣይፈልጡን” ዝተባህለ ሰራዊቱ ምስ መንግስቲ ይደራደር ከም ዘሎ ተዛሪቡ። እቲ ኣዛዚ ናይቲ መንግስቲ ‘ሸኔ’ ዝብሎ፡ ንርእሱ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ኢሉ ዝጽውዕ ጉጅለ ዝዀነ ኩምሳ፡…

ዜና ትግርኛ
0

ስነ ስርዓት ምረቓ ተምሃሮ ዮኒቨርስቲ መቐለ

ዩኒቨስቲ መቐለ ብዝተፈላለየ መርሀ ግብሪታት ዘምሃሮም ተምሃሮ ሎሚ ኣብ ኣዳራሽ ሓወልቲ ሰማእታት ኣመሪቑ። እቲ ዩኒቨርስቲ ሎሚ ክልተ ሽሕን ሳላሳን ሓሙሽተይ ተምሃሮ ዘመረቐ እንትኾን ብቀደመይ ድግሪ፣ ካልኣይን ሳልሳይን ድግሪ መርሀ ግብሪ ትምህርቶም ዝተኸታተሉ እዮም። ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ዝተረኸቡ ካብኔ ሴክሬተርያት ማሕበራዊ ልምዓትን ስግግርን ፕሮፌሴር ክንድያ ናይ እንኳዕ ደስ በለኩም መልእኽቲ ዘሕለፉ እንትኾን እቲ ተረኺቡ ዘሎ…

ዜና ትግርኛ
0

ብሰንኪ መንነቶም ናብ ትግራይ ከይኣትው ተኸልኪሎም ዝነበሩ ሕፁይ ኤጲስ ቆጶስ ቆሞስ ኣባ ሰረቀብርሃን ወልደሳሙኤል ሎሚ 8 ሕዳር 2016 ዓ/ም ናብ መቐለ ከምዝኣተው ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

ቆሞስ ኣባ ሰረቀብርሃን ወልደሳሙኤል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ 2015 ዓ/ም መንበረ ሰላማ ከሣቴብርሃን ላዕለዋይ ቤት ክህነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ትግራይ ንዘካየዶ መረፃ ኤጲስቆጶሳት ናብ ትግራይ እንተጓዓዙ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ብኣባላት ፀጥታ ተዓጊቶም ብሓይሊ ተገዲዶም ናብ ሃገረ ኣወስትራልያ ክምለሱ ተገይሩ ምንባሩ ይዝከር። መንበረ ሰላማ ከሣቴብርሃን ላዕለዋይ ቤት ክህነት ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ትግራይ ብ9…

ዜና ትግርኛ
0

ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ብፍሉይቲ ልኡኽ ምብራቕ ኣፍሪካ ሳኒ ሎን ሀርት/Sanne Lowen hardt/ ምስ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኔዘርላድስ ዘትዮም

ፕረዚደንት ጌታቸው; ድሕሪ ኲናት ዘሎ ህሉው ኩነታት ፀጥታ፣ ምኽባር ሉኣላዊነት፣ ምምላስ ተመዛበልቲ ፣ሰብኣዊ ሓገዝን ብሓፈሻ ትግባረ እማመ ሰላም ውዕሊ ፕሪቶሪያ ኣመልኪቱ ነቲ ጉጅለ ልኡኽ ዝርዝር መብርሂ ዝሃቡ እትኾን፣ እቲ ጉጅለ ልኡኽ ብወገኑ መንግስቶም ኣብ ግዘ ኩናት ትግራይ ምስ ህዝቢ ትግራይ ከምዝነበሩ ብምግላፅ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ገፆም ናብ ትግራይ ክገብሩ ከምዝሕግዙ ቃል ኣትዮም እዮም፡፡እቲ ጉጅለ ልኡኽ…

ዜና ትግርኛ
0

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ምስ ፕሬዚዳንት ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሪፐብሊክ ሱዳን ተዛቲዮም

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሪፐብሊክ ሱዳን ጀነራል ኣብዱልፈታህ ኣልቡርሃን ተዛቲዮም። ኣብ ዘተኦም ድማ ሓበራዊ ኣብ ዝኾኑ እዋናዊ ጉዳያት ትኹረት ከምዝገበረ ካብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝወፀ ሓበሬታ የረድእ፡፡ እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሕ ድማ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣቀባብላ ገይሮሙሉ፡፡

ዜና ትግርኛ
0

ትካል ተራድኦ ኣሜሪካ (ዮኤስ ኤይድ) ቀረብ ሰብኣዊ ካብ ቐፃሊ ወርሒ ክጅምር ከምዝኽእል እንተሓበረውን ኣብ ትግራይ ሓገዝ በዘይምጅማሩ ፀገም ህዝቢ እናተጋደደ ሙኻኑ ተገሊፁ ።

ከም ዝፍለጥ ትካል ተራድኦ ኣሜሪካ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ምቕራብ ዝለዓለ ብፅሒት ዘለዎ እንትኾን ኣብ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ሓገዝ ንዘድልዮም ወገናት ንምብፃሕ ምስ መዳርግቲ ኣካላት እናዘተየን ሓዱሽ መስርሕ ብምትእትታው እናሰርሐ ከምዝፀንሐ እቲ ትካል ትማሊ ኣብ ዘውፅኦ ዕላዊ መግለፂ ገሊፁ ኣሎ። እቲ ሓዱሽ መስርሕ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ዘድልዮም ወገናት ንምብፃሕን ክትትል ንምግባር ሓጋዛይ ክኾን እዩ ዝብል ቅዋም ከምዘለዎ…

ዜና ትግርኛ
0

ኢትዮጵያ ኣብ መበል 18 ምርኢት ነፈርቲን ኤግዚብሽንን ዱባይ ትሳተፍ ኣላ

ብላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ሰራዊት ፌዴሪኢ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ዝተመርሐ ልኡኽ ክሳብ ቀፃሊ ዕለተ ዓርቢ ኣብ ዝሳለጥ መበል 18 ምርኢት ነፈርቲን ኤግዚብሽንን ዱባይ ይሳተፍ ኣሎ። ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ጎኒ ንጎኒ እቲ ዓውደ ርእይ፥ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ዝተፈላለያ ትካላት ኣፍረይቲ ወተሃደራዊ ኣፅዋራት ኲናት ዘቲዮም። ሎሚ መዓልቲ ምስ ኢታማዦር ሹም ምክልኻል ሃገር ሕቡራት…

ዜና ትግርኛ
0

ትማሊ ዝጀመረ ክልላዊ መድረኽ ሎሚ እውን ቀፂሉ ውዒሉ ኣሎ

እቲ ክልላዊ መድረኽ ኣብ ህልዊ ኹነታት ብዕምቆት ድሕሪ ምዝታይ : ቀፀልቲ ኣንፈታት ከም ዘነፅር ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ ምግላፁ ዝዝከር እዩ። ድምፂ ወያነ ትግራይ ምዕባለታት እቲ መድረኽ ተኸታቲሉ ናብ ኣድመፅቲ ተመልኸቲ ኸቅርብ እዩ።

ዜና ትግርኛ
0

ፕረዚደንት ኢሰይያስ ኣፈዎርቂ ዝመርሖ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ፡ ናብ ሱዕዲ ዓረብ ኣምሪሑ፡

ኣብ መበል 5ይ ዋዕላ ሱዕዲ ዓረብ – ኣፍሪቃ ንምስታፍ፡ ብፕረዚደንት ኢሰይያስ ኣፈዎርቂ ዝተመርሐ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ፡ 09 ሕዳር 2023 ናብ ሱዕዲያ ጌሹ። እቲ ልኡኽ፡ ንሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑሱማን ሳልሕ፡ ንቁጠባዊ ጉዳያት ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣቶ ሓጎስ ገብሪሂወት፡ ከም’ኡ ዉን ንሚኒስተር ንግድን ኢንዱስትርን ኣቶ ነስረዲን በኺት ዝሓቀፈ ኢዩ።

ዜና ትግርኛ
0

ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኣብ ሶሪያ ዝርከብ መኽዘን ኣፅዋር ኲናት ኢራን መጥቃዕቲ ከምዝፈፀመት ተገሊፁ

ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኣብ ሶሪያ ዝርከብ መኽዘን ኣፅዋር ኲናት ኢራን መጥቃዕቲ ከምዝፈፀመት ተገሊፁ። እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሚሊሻታት ኢራን ኣብ ዒራቕ ኣብ ዝርከብ ሰፈር ሰራዊት ኣሜሪካ ንዝፈፀምዎ መጥቃዕቲ ምላሽ ከምዝኾነ ተሓቢሩ። ኤፍ 15 ተዋጋእቲ ጄታት ኣሜሪካ ትማሊ ምሸት ብዝፈፀምኡ መጥቃዕቲ ኣብ ሶሪያ ዴር ኤል ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ ኣብ ዝርከብ መኽዘን ኣፅዋር ኲናት ኢራን መጥቃዕቲ…

ዜና ትግርኛ
0

ሰበር፡4 ላዕለዎት ሓለፍቲ ግምት ካብ ስራሕ ተላዒሎም

ግዚያዊ መንግስቲ ትግራይ ንኣይተ ኣለም ገብረዋህድ (ብምክትል ፕረዚዳንት መዓርግ) ፡ወ/ሮ ሊያ ካሳ (ኣመሓዳሪት ዞባ ደቡብ ምብራቕ)ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋ (ቺፍ ካቢኔ ሴክሬታርያት)ኣይተ ተኽላይ ገብረመድህን (ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜን ምዕራብ) ካብ ዝነበሮም “መንግስታዊ ሓላፍነት” ተላዒሎም ኣለው።

ዜና ትግርኛ
0

ኣብ ትግራይ ሃገራዊ ፈተና ካብ ዝወሰዱ 12 ክፍሊ ተምሃሮ እቶም 66.9 ሚኢታዊ ናብ ዩንቨሲቲ መእተዊ ነጥቢ ረኺቦም

ኣብ ትግራይ ሃገራዊ ፈተና ካብ ዝወሰዱ 12 ክፍሊ ተምሃሮ እቶም 66.9 ሚኢታዊ ናብ ዩንቨሲቲ መእተዊ ነጥቢ ከምዝረኸቡ ቢሮ ትምህርቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ። ሓላፊ እቲ ቢሮ ኪሮስ ጉዕሽ(ዶ/ር) ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም፥ ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ሕማም ኮረናን ኲናትን ኣብ 2012 ዓ/ም ክፍተኑ ዝግበኦም ዝነበሩ ተምሃሮ ድሕሪ 4 ዓመት ካብ መስከረም 29 ክሳብ ጥቅምቲ 02/ 2016…

ዜና ትግርኛ
0

ብምኽንያት 24 ጥቅምቲ ዝተዳለወ መግለፂ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ

ህዝቢ ትግራይ መሰል ዓርሰ ውሳንኡ ስለዝሓተተን ባዕለይ ንባዕለይ ክመሓደር ሕገ-መንግስታዊ መሰለይ ይከበር ስለዝበለን ጥራሕ ኣብ ልዕሊኡ ቅሉዕ ወፍሪ ጀኖሳይድ ዝተኣወጀሉ 24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም እነሆ ሰለስተ ዓመታት ገይሩ ኣሎ። ህዝቢ ትግራይ ቅድሚ እቲ ኩናት ምጅማሩ ኣፈላላያት ብዘተን ብሰላማዊ መንገድን ክፍትሑ ብዝተፈላለዩ መንገድታት እናሓተተ እኳ እንተነበረ ኣብቲ እዋን ዝሰምዖ ብምስኣኑ ምኽንያት ተገዲዱ ናብ ኩናት ኣትዩ እዩ።…

ዜና ትግርኛ
0

ኣብ ማእከላይ ዞባ ካብ 22 ወረዳታት ፡ ካብ ኣክላት ፀጥታ ፡ ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣክሱምን መምህራን ኮለጅ ዓድዋን ተወከልቲ ዝተረከቡ ተኣከብቲ ብ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ኣብ ዝምራሕ መድረክ ካብ ዝቀረቡ ዝተወሰኑ ሕቶታት ፡ ሪኢቶታትን መልስን

ፅማቅ(Summary) ሀ) ዋና ዋና ሕቶታት፡ 1 ) ክሳብ ሐዚ ናብ ህዝቢ ንምንታይ ዘይወረድኩም? ደቁ፡ ገንዘቡ ሂወቱ ዝገበረ ህዝቢ ኣብ ሰላም ንምንታይ ይርሳዕ? 2 ) ኣብ መንጎ ውድብን ግምትን ዝተፈጠረ ኣፈላላይ እንታይ እዩ? ናይ መስመርን ዓላማን ኣፈላላይ ዶ ናይ ስልጣን ሽኩታ? 3) ውዕሊ ፕሪቶሪያ ንምንታይ ዘይተፈፀመ፡ ብሱሩ ከ ተስፋ ኣለናዶ? 4) መንግስቲ ግምት ንምንታይ መንግስቲ ዘይመስል?…