Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ኣብ 15 ከተማታት ትግራይ ዘባፅሕ ሃገር ለኸ ተጉዓዛይ ባዛርን ኤግዚብሽንን ሎሚ አብ ከተማ ዓዲግራት ኣሃዱ ኢሉ ጀሚሩ።

ንግድን ኢንዱስትርን ትግራይ ብምልዕዓል አብ ዳግመ ህንፀትን ሕውየትን ትግራይ ዓብይ ግደ ዘለዎ ሃገር ለኸ ተጉዓዛይ ባዛርን ኤግዚብሽንን ሎሚ 11 መስከረም 2016 ዓ.ም አብ ከተማ ዓዲግራት ብዕሊ ተኸፊቱ። አብቲ ስነስርዓት ምኽፋት ኤግዚብሽንን ባዛርን ዝምልከቶም አካላትን ላዕለዎት አመራርሓ ክልልን ዞባን ኣብ ዝተረኸቡሉ ፕሬዘዳንት ቤት ምከሪ ዘፈር ማሕበራት ክልል ትግራይ ኢንጅነር አሸናፊ ሃይሉ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከምዝገለፅዎ ድሕሪ…

ዜና ትግርኛ
0

ሰራዊት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ተወሰኽቲ ቦታታት ይግብት ከም ዘሎ ተገሊፁ።

ምክትል ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ኣይተ ገብረ ካሕሳይ ንድምፂ ወያነ ትግራይ ከም ዝበልዎ ሰራዊት ዉልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ወረዳ ጉለምኸዳ ዝርከባ ጣብያታት ኣዲስ ኣለም፣ ኣዲስ ተሰፋን ማርታን ከምኡ እዉን ኣብ ወረዳ ኢሮብ ዝርከባ ጣብያታት እንዳልጌዳን ወርዓትለን ሙሉእ ንምሉእ ጣብያታት ዓሌቲናን ዓጋራሎኮማን ድማ ብዉሱን መልክዑ ወሪሩ ሒዙወን ይርከብ። ብዘይካ እዚ እቲ ኣራዊት ሰራዊት ኣብ…

ዜና ትግርኛ
0

ፕሬዚዳንት ፑቲን ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ኣብ ቻይና ዑደት ከካይዱ ኢዮም

ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቪላድሚር ፑቲን ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ኣብ ቻይና ዑደት ከካይዱ ኢዮም። ፀሓፊ ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ፀፅታ ሩሲያ ኒኮላይ ፓትሩሼቭ እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ምስ ፕሬዚዳንት ቻይና ሺ ጂንፒንግ ኣብ ቤጂንግ ከምዝዛተዩ ሓቢሮም። ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ቻይና ኣብ ዝሳለጥ ዓለም ለኸ ትሕብብር ኣብ ዝላዘብ ’ ጉባኤ ቤልት ኤንድ ሮድ’ ተራኺቦም ክዛተዩ ኢዮም ዝብል ትፅቢት…

ዜና ትግርኛ
0

ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣብዚ ቀጣና ዘለዋ ፖለቲካዊ ተደማፅነት ክብ ዘብል ከምዝኾነ ተገሊፁ

ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣብዚ ቀጣና ዘለዋ ፖለቲካዊ ተደማፅነት ክብ ዘብል ከምዝኾነ ነበር ተደራዳሪ እቲ ግድብ ፈቅ ኣሕመድ ነጋሽ ተዛሪቦም። መበል ራብዓይ ዙር ምምላእ ማይ እቲ ግድብ ሒዙዎ ዝመፅአ ብዙሕ ረብሓ ብዝምልከት ፈቅ ኣሕመድ ነጋሽ ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ፃንሒት ነይሩዎም። ፈቅ ኣሕመድ ነጋሽ፥ እቲ ማይ ካብ ኢትዮጵያ ዝፍልፍል ምዃኑ ምስተን ሃገራት ንምትሕብባር፣ ንምድርዳርን ኣብ…

ዜና ትግርኛ
0

በዓል መስቀል ባህላዊ ትሕዝቶኡን ክብርታት ህዝቢ ብዘጉልህ መገዲን ክኽበር ከምዝኽበር ተገሊፁ

በዓል መስቀል 2016 ዓ.ም ባህላዊ ትሕዝቶኡን ክብርታት ህዝብን ብዘጉልህ መገዲ ከምዝኽበር ከይዲ ስራሕ ባህልን ቱሪዝምን ከተማ ዓዲግራት ገሊፁ። እዚ ማለት፥ “ህዝብና ኣብ ከቢድ ፀገም ከም ዘሎን ዘለናሉ ኩነታት ኣብ ዝጎዳደሉ ነገራት ከም ዘለዉ ብዘይ ምዝንጋዕን ኣብ ግምት ብዘእተወን ኣገባብ ንክበዓል ዘኽእል ምድላዋት ኢነ ወጊንና” ክብል ኣፍሊጡ። መተሓባበሪ እቲ ከይዲ ስራሕ ኣይተ የማነ ተኽለማርያም፥ ”በዓል መስቀል…

ዜና ትግርኛ
0

ሓገዝ ማሕበር ልምዓት ዓጋመ ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ

ማሕበር ልምዓት ዓጋመ ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ ብልዕሊ 1 ነጥቢ 2 ሚልዮን ብር ፅገናን ቀረብ ናውቲ ትምህርትን ጌሩ። ኣብ ከተማ ዓዲ ግራት ዝርከብ ሓፈሻዊ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ፍኖተ ብርሃን ብሓይልታት ፅንተት ዕንወት ከምዝተፈፀሞ ዝገለፁ ዳይረክተር እቲ ቤት ትምህርቲ መምህር ደስታ ካሕሳይ እዚ ድማ ንከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ዕንቅፋት ኰይንዎ ከምዘሎ ኣረዲኦም። ነዚ ፀገም ንምቅላል ማሕበር ልምዓት…

ዜና ትግርኛ
0

ብሄራዊ ፈተና 8ይ ክፍሊ ካብ ዝተፈተኑ ተምሃሮ እቶም 98 ነጥቢ 6 ሚኢታዊ ከምዝሓለፉ ኤጀንሲ ምርግጋፅ ፅሬት ትምህርትን ምዝናን ትግራይ ኣፍሊጡ።

ብሄራዊ ፈተና 8ይ ክፍሊ ካብ ዝተፈተኑ ተምሃሮ እቶም 98 ነጥቢ 6 ሚኢታዊ ከምዝሓለፉ ኤጀንሲ ምርግጋፅ ፅሬት ትምህርትን ምዝናን ትግራይ ኣፍሊጡ።

ዜና ትግርኛ
0

ሳይቨር ፖወር ትግራይ ሚድያ ኣብ መሬት ዘሎ ህልው ከነታት ትግራይ ንምዕዛብ ሰፊሕ ዑደት ኣካይዱ

ሳይቨር ፖወር ትግራይ ሚድያ ኣብ መሬት ዘሎ ህልው ከነታት ትግራይ ንምዕዛብ ናብ ቴምቤን ፡ ወርዒ ፡ ዓድዋ፡ ኣክሱም ፡ ሽረ ፡ ነበለት ፡ ሓውዜን ፡ ኣብርሃ ወኣፅባሃ ፡ ውቅሮን እንደርታን ሓዊሱ ኣብ ከተማን ገጠርን ኣብዚ ሰሙን ስፍሕ ዝበለ ጉዕዞ ገይሩ ነይሩ። ከተማታት ትግራይ መጠናዊ ዝኮነ ተስፋ ዝህቢ ምንቕስቃስ ዝጀመራ ይመስላ። ኣብ ዑደት ዝገበርናሉ ዝርከብ ሓረስታይ…

ዜና ትግርኛ
0

ተበግሶ ዳግመ ህንፀትን ልምዓትን ታሪኻዊ መስጅዲ ኣል ነጃሺ ዕላዊ ከምዝግበር ተገሊፁ።

መስጂድ ኣል ነጃሺ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብዝተኸፈተ ቅሉዕ ጄኖሳይዳዊ ኩናት ዕንወት ካብ ዝበፅሖም ታሪኻዊ ቅርስታትን ሃፍቲ መስሕብ ቱሪዝም ትግራይን ሓደ እዩ። ብአተሓባበርነት ዶ/ር ኣብራር ፍትዊን ካልኦት ግዱሳት ተጋሩን ዝጅምር ዕላዊ ምንቅስቓስ ምዃኑ ዝተሓበረ እንትኾን ተበግሶ ዳግመ ህንፀትን ልምዓትን ታሪኻዊ መስጅድ ኣልነጃሺ ሎሚ ዕላዊ ክኾን ትፅቢት ይግበር። መስጂድ ኣል ነጃሺ ሰዓብቲ እምነት እስልምና ዝኾኑ ተኸተልቲ ነብዩ…

ዜና ትግርኛ
0

ተምሃሮ ትግራይ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ክምለሱ ዝፅውዕ ጉዕዞ እግሪ ተሳሊጡ።

ማሕበር ተራድኦ ኬብሮን ምስ ትካል መድሕን ህፃናት ዉድብ ሕቡራት መንግስታት (UNICEF) ብምትሕብባር ተምሃሮ ትግራይ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ንምምላስ ዝዓለመ ጉዕዞ ምዃኑ ድማ ተሓቢሩ ኣሎ። መበገሲኡ ኣደባባይ ሓውዜን ዝገበረ እቲ ጉዕዞ እግሪ ፣ ኩሎም ተምሃሮ ትግራይ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ንክኸቱ ንምንቕቓሕ ዝዓለመ እንትኸውን ኣብ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ድማ መዛዘሚ ዝገበረ እዩ። ምክትል ሓላፊ ቢሮ ተምህርቲ ትግራይ…

ዜና ትግርኛ
0

ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ንረዳት ፕሮፌስር ገ/ኣምላኽ የዕብዮ በላይ ምክትል ፕረዚደንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ትግራይ ጌይሮም ሾይሞም።

ረዳት ፕሮፌስር ገ/ኣምላኽ የዕብዮ ኣብ ዩንቨርስቲ መቐለ ክፍሊ ትምህርቲ ሕግን ገቨርናንስን ብመምህርነትን ብሓላፍነትን እናገልገሉ ዝፀንሑ እዮም። ረዳት ፕሮፌስር ገ/ኣምላኽ የዕብዮ ካብ ዩንቨርስቲ ጎንደር ቀዳማይ ዲግሪ፣ ካብ ዩንቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ድማ ማስተርስ ዲግሪ ከምዘለዎም ተፈሊጢ አሎ ። ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ፣ ቅድም ኢሎም ንዶክተር ፀጋይ ብርሃነ ፕረዚደንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ትግራይ ገይሮም ከምዝሸሙዎም ይዝከር።

ዜና ትግርኛ
0

ማእኸል መሐብሐቢ ጀጋኑ ውግኣት ተጋደልቲ ተሃኒፁ ንግልጋሎት ድልው ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ብልዕሊ 180 ሚልዮን ብር ዝተሃነፀ ዘመናዊ ማእኸል መሐብሐቢ ጀጋኑ ውግኣት ተጋደልቲ ተሃኒፁ ንግልጋሎት ድልው ከምዝኾነ ቤት ፅሕፈት ሕውየትን እግሪ ምትካልን ጉድኣት ኩናት ትግራይ ኣፍሊጡ። ከቢድ ጉድኣት ዘለዎም ጀጋኑ ተጋደልቲ ማእኸል ፊዝዮትራፒ ሓዊሱ ንምንቅስቓስ ብዘመቹ መንገዲ ተገይሩ ከምዝተሰርሐ ተገሊፁ ።

ዜና ትግርኛ
0

ብምኽንያት መስዋእቲ ተጋዳሊት ኣዜብ በቀለ ካብ ማተሰኣ ዝተውሃበ ናይ ሓዘን መግለፂ

ተጋዳሊት ኣዜብ በቀለ ካብ ኣቦኣ ኣይተ በቀለ ታደሰን ኣዲኣ ወ/ሮ ኣልጋነሽ ተሰማን ኣብ ከተማ ሽረ ተወሊዳ።ኣዜብ ብዕሽል መንእሰይ ዕድሚኣ ናብቲ ናይ ህዝቢ ትግራይ ናይ 17 ዓመት ዕጥቃዊ ቃልሲ ብሓምለ 24, 1970 ዓ/ም ተፀንቢራ።ተጋዳሊት ኣዜብ ኣብ ምግዳል ዝተውሃባ ተልእኾ ብዝልዓለ ሓላፍነት ብምንጣፍ ክሳብ ኣመራርሓ ሓይሊ ምስበፅሐት ብመሪሕነት ውድብ ህወሓት ንኣዝዩ ፍሉይ ተልእኾ ከምትድለ ተነገራ።ኣዜብ ቃልሲ ማለት…

ዜና ትግርኛ
0

ቢሮ ጥዕና ትግራይ ልዕሊ 100 ሽሕ ፓውንድ ዝዋግኦም ናውቲ ሕክምና ብሓገዝ ረኺቡ።

ቢሮ ጥዕና ትግራይ ብምትሕብባር መኸተ ዩኬይ፣ፊዝዮኔትን ማሕበር ልምዓት ትግራይን ልዕሊ 100 ሽሕ ፖዉንድ ዝዋግኦም ተሸከርከርቲ ወናብር (ዊልቼይርስ) ብሓገዝ ረኺቡ። ኣብቲ ርኽኽብ ሓገዝ ዝተረኸቡ ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ዶ/ር ኣማኑኤል ሃይለ እቲ ሓገዝ ብተበግሶን ፃዕርን ማሕበር መኸተ ዩኬይ ካብ ዘይመንግስታዊ ትካል ፊዝዮ ኔት ከምዝተረኸበ ብምሕባር ናብ ትግራይ ንኽበፅሕ ግደ ማልት ዕዙዝ ምንባሩ ገሊፆም። ብምቕፃል እቲ ዝተረኸበ…

ዜና ትግርኛ
0

ጉጅለ ምሕዝነት ዲፕሎማሲ ፓርላማ ኢትዮ-ኳታር ምስ ኣምባሳደር ኳታር ተዛቲዩ

ጉጅለ ምሕዝነት ዲፕሎማሲ ፓርላማ ኢትዮ-ኳታር ምስ ኣምባሳደር ኳታር ኣብ ኢትዮጵያ ሃማድ ሞሓመድ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ተቐቢሉ ኣብ ክልተኣዊ ርክብ ኣድሂቡ ተዛቲዩ። ዕላማ እቲ ዘተ ኣባላት እቲ ጉጅለ ምሕዝነት ምስቶም ኣምባሳደር ናይ ምፍላጥ መርሃ ግብሪ ምክያድ፣ ኣብ ኳታር ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ሰራጀሕተኛታት ኣተሓሕዘኦም ብዝምልከት ብሓባር ምስራሕ፣ ብዝተፈላለዩ ዓውዲታትበብ ተግባራትን ልውውጥ ልምዲ ምምችቻውን ከምዝኾነ ካብ ባይቶ ወከልቲ…

ዜና ትግርኛ
0

ፃውዒት ምፅራይ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ትግራይ

ፃውዒት ምፅራይ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ትግራይ ኣብ ትግራይ ዘሎ ከቢድ ጥሜት ቀልጢፉ ክፍታሕን ንዝተፈፀሙ ገበናት ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ምርመራ ክካየድን ይግባእ- ቤት ምኽሪ ፕሪንስ ጆርጅ ሜሪላንድ፡፡ ድሕሪ ከቢድ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ሕሱም ጥሜት ብህፁፅ ክፍታሕ ቅዋም ዝሓዘ ኣብ ግዝኣት ሜሪላንድ ቤት ምኽሪ ፕሪንስ ጆርጅ፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ንዝተፈፀመ ገበናት ጥሕሰት…

ዜና ትግርኛ
0

ዳያስፖራ ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ ኣብ ትግራይ ዝተፈፀሙ ዘርኢ ምፅናትን ዝፍፀሙ ዘለዉ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ፈፀምቲ ኣካላት ተሓተቲ ንክኾኑ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተረኺቦም ድምፆም ኣስሚዖም።

እቶም ዳያስፖራ ኣብ ትግራይን ካልኦት ከባቢታትን ዝተፈፀሙ ገበናት ኲናት ከፃሪ በቲ ውድብ ዝተመልመለ ጉጅለ ኣብ ዝመፅእ 10 መስከረም 2016ዓ.ም ጀሚሩ ንካውንስል ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ሪፖርት ዘቕርብ እንትኾን ናብ ትግራይ ኣትዩ ብዘይምፅራዩ ሙሉእነት ከምዝጎድሎ ገሊፆም። ብኻሊእ ገፅ መንግስቲ ኢትዮጵያ እቶም ዝተፈፀሙ ገበናት ንምሽፋንን እቲ ጉጅለ ስርሑ ከቋርፅን ብስም ስግግር ፍትሒ ዝገብሮ ዘሎ ምንቅስቓስ ዝኾነኑ እቶም ዳያስፖራ፣…

ዜና ትግርኛ
0

ፑቲን ኣብ ሰሜን ኮሪያ ዑደት ንክገብሩ ኪም ጆንግ ኡን ዘቕረቡሎም እንግዶት ተቐቢሎም

ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ሰሜን ኮሪያ ዑደት ንክገብሩ መራሒ እታ ሃገር ኪም ጆንግ ኡን ዘቕረቡሎም እንግዶት ተቐቢሎም። ኣብ ሩሲያ ዑደት ስራሕ ዝገብሩ ዘለዉ ኪም ጆንግ ኡን፥ ሃገሮም ብወተሃደራዊ ዓውዲ ብምትሕብባር ንምስራሕ ኣብ ዘኽእሉዋ ዛዕባታት ጠመተ ዝገበረ ዘተ ምስ ቭላድሚር ፑቲን ኣሳሊጦም። ፕሬዚዳንት ፑቲን፥ ሞስኮ ደገፋት ሳተላይትን ካልኦት ቴክኖሎጂታትን ንፕዮንግያንግ ንምብርካት ድልውቲ ከምዝኾነት ኣረጋጊፆም። ሰሜን…

ዜና ትግርኛ
0

ኣብ ህንዲ ቫይረስ ኒፓህ ምግጣሙ ስዒቡ ኣብያተ ትምህርቲ ንክዕፀዋ ተገይሩ

ኣብ ህንዲ ኒፓህ ብዝተብሃለ ቫይረስ ኣብ ግዝኣት ኬራላ ክልተ ሰባት ህይወቶም ምስኣኖም ስዒቡ ኣብያተ ትምህርቲ ንክዕፀዋን ማሕበራዊ መንቅስቓስ ንክግደብን ተገይሩ። እቲ ቫይረስ ዝኾነ ይኹን ክታበት ከምዘይብሉ ተሓቢሩ። ኣብ ክፍሊ ኣካላት ልዑል ሙቐት፣ ኣብ መተንፈሲ ኣካላት ድማ ኢንፌክሽን ብምፍጣር ሕብጠት ሓንጎል ብምስዓብ ንሞት ከምዘሳጥሕ ተሓቢሩ። ስለዝኾነ ምልባዕ እቲ ቫይረስ ንምግታእ ዓሊሙ እቲ ውሳነ ኣብታ ገዝኣት ከምዝተሓላለፈ…

ዜና ትግርኛ
0

ብሪታንያ ንማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ደገፍ 5 ነጥቢ 9 ሚሊየን ፓውንድ ገይራ

መንግስቲ ብሪታንያ ንማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ደገፍ 5 ነጥቢ 9 ሚሊየን ፓውንድ ገይሩ። እቲ ደገፍ ብቀይሕ መስቀል ብሪታንያን ቀይሕ መስቀል ኔዘርላንድስን ኣቢሉ ዝተገበረ ከምዝኾነ ተሓቢሩ። ኣብ ኣተሓላልዋ ጥዕና፣ ፅሩይ መስተ ማይን ኣተሓላልዋ ንፅህናን ጠመተ ንዝገበሩ ፕሮጀክትታት መፈፀሚ ዝውዕልኢዩ ተባሂሉ። ኣብ ሰነድ ስምምዕነት መፈፀሚ እቲ ፕሮጀክት፥ ፕሬዚዳንት ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ኣበራ ቶላን ኣምባሳደር ብሪታኒያ ኣብ…

ዜና ትግርኛ
0

ሚኒስቴር ድሕንነት ቻይና ዓቕሚ ፎረንሲክ ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ንምምዕባል ደገፍ ከምዝገብር ገሊፁ

ሚኒስቴር ድሕንነት ቻይና ዓቕሚ ፎረንሲክ ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ንምምዕባል ደገፍ ከምዝገብር ገሊፁ። ኮሚሽነር ጀነራል ፖሊስ ፌደራል ደመላሽ ገ/ሚካኤል ብምክትል ዋና ዳይሬክተር ዲፓርትመንት ዓለም ለኸ ምትሕብባር ሚኒስቴር ድሕንነት ህዝቢ ቻይና ኮሚሽነር ዣሃውይ ዦው ዝተመርሐ ልኡኽ ተዛቲዮም። ኣብ 10 ሓምለ 2023 ብሚኒስቴር ድሕንነት ህዝቢ ቻይናን ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያን ዝገበርዎም ስምምዕነት ኣጠናኺርካ ንምቕፃል ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ። ሚኒስቴር ድሕንነት…

ዜና ትግርኛ
0

ንልዕሊ 37,000 መምህራን ሓለፍቲ ቤት ፅሕፈት ትምህርትን ስልጠና ከምዝወሃብ ቢሮ ትምህርቲ ኣፍሊጡ ።

እቲ ስልጠና ካብ ሎሚ 03 መስከረም 2016 ጀሚሩ ንሓሙሽተ ተኸታታሊ መዓልታት ዝቕፅል ስልጠና ከምዝኮነ ዝገለፀ እቲ ቢሮ፣ ኣብተን ስራሕ ዝጀመራ ኣብያተ ትምህርቲ ንዝርከቡ ልዕሊ 37,000 መምህራንን ኪኢላታት ቤት ፅሕት ትምህርትን ክዋሃብ እዩ። እቲ ስልጠና ቀንዲ ትኹረቱ ኣብ ኣገዳስነት ምትእትታው መስርሕ ሕውየት ስነ ልቦና ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ትምህርቲ ኣብ እዋን ቅልውላው ፣ኣግባብ ኣፈፃፅማ ዝተሳለጠ ትምህርቲ፣ ከምኡውን…

ዜና ትግርኛ
0

ዋና ቤት ፅሕፈት መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ላዕላዋይ ቤተክህነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ትግራይ ናብ ርእሰ ኣድባራትን ገዳማትን ኣኽሱም ፂዮን ተመሊሱ

ዋና ቤት ፅሕፈት መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ላዕላዋይ ቤተክህነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ትግራይ ናብ ርእሰ ኣድባራትን ገዳማትን ኣኽሱም ፂዮን ተመሊሱ ኣሎ። ኣብ መቐለ ንዝህልዎ ወኪል ቤት ፅሕፈት ብውክልና ከተሓባብሩ ድማ ብፁዕ ኣቡነ ዮሃንስ ብመሰረት እዚ ደብዳበ ከምዝተሾሙ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ዜና ትግርኛ
0

ዜና ዕረፍቲ !ኣብ ከተማ ማይጨው ናብ ሎሚ ኣብ ዘውገሐ ለይቲ እንታይ’ዩ ኣጋጢሙ?

ሓላፊ ማሕበራዊ ጉዳይ ዞባ ደቡብ ኮይኖም ዝሰርሑ ዝነበሩን ኣብ ዝተፈላለዩ ውድባውን መንግስታውን መሪሕነት ንነዊሕ እዋን ኸገልግሉ ዝፀንሑን ኣብ ምግልጋል ዝነበሩን ኣይተ ሳምሶን ተፈሪ ሃይሉ ትማሊ ምሸት ከባቢ ሰዓት 3፡30 (ንጊዝይኡ መንነቱ ብዝምልከቶ ኣካል ክሳብ ዝርቋሕ) ከምዝተቐተሉ ተረጋጊፁ’ሎ። ኣስክሬን ኣይተ ሳምሶን ተፈሪ ሃይሉ ኣብዚ ሐዚ እዋን ንምርመራ ናብ ከተማ መቐለ ሆስፒታል ዓይደር ከምዝኣተወ’ውን ተፈሊጡ። 104.4 ሬድዮ…

ዜና ትግርኛ
0

መግለፂ ሰናይ ትምኒት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንመላእ ህዝቢ ትግራይ፣ ንሓይልታት ፀጥታ ትግራይ፣ ንጀጋኑ ዉጉኣትን ጉዱኣት ኣካልን፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ንዘሎ ዲያስፖራ ትግራይን ፈተውትን ደገፍትን ቃልሲ ህዝቢ ትግራይን እንኳዕ ንሓዱሽ ዓመት 2016 ዓ.ም ኣብፅሓኩም ኣብፅሓና ይብል። እዚ ሓዱሽ ዓመት እንትንቕበል ከምቲ ንቡር ብሓጎስን ፍስሃን ዘይኮነስ ኣብ ልዕሌና ዝተኣወጀ ጀኖሳይዳዊ ኵናት ብፅንዓት ብምምካት ሃለዋትና ንምርግጋፅ ንዝኸፈልናዮ ክቡር መስዋእቲ ልዑል ክብሪ…

ዜና ትግርኛ
0

ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ወግዓዊ ምብጻሕ ንምፍጻም ኣስመራ ኣትዩ

ኣቦ መንበር ልኡላዊ ቤት ምኽሪን ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳንን ጀነራል ዓብዱልፈታሕ ኣልቡርሃን፡ ናይ ስራሕ ዑደት ንምፍጻም፡ ሎሚ ሰኑይ 11 መስከረም ኣስመራ ከምዝኣተወ፡ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ሓቢሩ። እቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን፡ ሚኒስተር ፋይናንስን ውጥንን ዝሓቘፈ ልኡኽ ሱዳን፡ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብፕረዚደንት ኢሳይያስን ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራን ድሙቕ ኣቀባብላ ከምዝተገብረሉ ተፈሊጡ። ሱዳን፡ ኣብ መንጐ ሰራዊት እታ…

ዜና ትግርኛ
0

ግብጺ፡ ኢትዮጵያ ብዘካየደቶ ምምላእ ግድብ ህዳሰ ተቘጢዓ

ግብጺ፡ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ምስሓሓብ ፈጢሩ ዘሎ ግድብ ህዳሰ ናይ መወዳእታ ምምላእ ማይ ከምዘካየደት ምግላጻ ከምዘቘጥዓ ገሊጻ። ኢትዮጵያ ኣብ ፈለግ ኣባይ (ኒል) ካብ 2011 ጀሚራ ክትሃንጾ ብዝጸንሐት ዓቢይ ግድብ ምስ ግብጽን ሱዳንን ክትሰሓሓብ ጸኒሓ እያ። ግብጺ፡ ማያዊ ጠለባታ ንምምላእ ብቐንዱ ኣብቲ ፈለግ እያ እትምርኮስ። ኢትዮጵያ ብወገና እቲ 4.2 ቢልዮን ዶላር ወጻኢ ዝተገብረሉ…

English Newsዜና ትግርኛ
0

Statement of the Tigrayan Community of Europe on the inhuman action taken by the Tigray Intrem administration against members of the Tigray opposition parties

The Union of Tigrayans in Europe (UTE) is shocked to see footage of excessive use of force as well as imprisonment of peaceful demonstrators with an attempt to deny or stop civilians to exercise their deserved civil right in the capital of Tigray, Mekelle on 07.09.2023.UTE have been following the intimidations and imprisonment of leaders…

English Newsዜና ትግርኛ
0

Rights groups urge UN to extend mandate of experts probing rights violations in Ethiopia

A coalition of prominent rights groups has called on member states of the UN Human Rights Council to renew the mandate of the International Commission of Human Rights Experts on Ethiopia (ICHREE) ahead of the Council’s 54th session commencing September 11th in Geneva. In a joint letter ahead of the session, 64 organizations including Amnesty International,…

English Newsዜና ትግርኛ
0

Biden renews national emergency executive order imposing sanctions on certain persons in Ethiopia

U.S. President Joe Biden renewed for the second time the national emergency declared in Executive Order 14046 with respect to Ethiopia imposing sanctions on certain persons with respect to the humanitarian and human rights crisis in Ethiopia. President Biden first announced the Executive Order on 17 Sept. 2021, in the backdrop of then ongoing war in Tigray,…

ዜና ትግርኛ
0

ሊቢያ 270 ዘይሕጋዊያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም መሊሳ

ሊቢያ 270 ዘይሕጋዊያን ስደተኛታት ሃገራት ኣፍሪካን ኤስያን ናብ ሃገሮም መሊሳ። እቶም ኣብዝሓ ስደተኛታት ካብ ሃገራት ሶማሊያ፣ ኒጀር፣ ቻድ፣ ሱዳን፣ ባንግላዲሽን ናይጄሪያንን ዝመፅኡ ከምዝኾኑ ተገሊፁ። ሚኒስትር ጉዳያት ውሽጢ ዓዲ ሊቢያ ኢማድ ኣል ትራበልሲ፥ ካብ ሃገራት ሶማሊያ፣ ኒጀር፣ ቻድ፣ ሱዳን፣ ባንግላዲሽን ናይጄሪያንን ዝመፅኡ ዘይሕጋዊያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ከምዝፋነዉ ምግላፆም ሚድል ኢስት ሞኒተር ፀብፂቡ።

ዜና ትግርኛ
0

ብ1 ነጥቢ 7 ሚልየን ብር ዝተዓደገ ፊኖን ዘይቲ ብልዕን ን450 ተመዛበልቲ ኣዴታት ተኸፋፊሉ

ሕብረት ወንጌላውያን ኣብያተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ሓዱሽ ዓመት ምኽኒያት ብምግባር ብ1 ነጥቢ 7 ሚልየን ብር ዝተዓደገ ፊኖን ዘይቲ ብልዕን ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ መቐለ ንዘለዋ 450 ተመዛበልቲ ኣዴታት ደገፍ ገይሩ። እተን ሓገዝ ዝተውሃበን ኣዴታት ካብ ኩለን መዕቆቢ ተመዛበልቲ ከተማ መቐለ ዝተውፃእፀኣ ከምዝኾና ተገሊፁ።

ዜና ትግርኛ
0

ወተሃደራዊ ምትሕብባር ኢትዮጵያን ደቡብ ኣፍሪካን ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ተገሊፁ

ወተሃደራዊ ምትሕብባር ኢትዮጵያን ደቡብ ኣፍሪካን ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ገሊፆም። ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ምስ ጉጅለ ልኡኾም ብምዃን ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ዝነበሮም ዑደት ስራሕ ብምዝዛም ተመሊሶም። ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣብ ፃንሒቶም፥ ምስ ሚኒስትር ምክልኻል ደቡብ ኣፍሪካ ታንዲ ሞዲሴ፣ ዋና ኣዛዚ ምክልኻል ሰራዊት ጄነራል ሩድዛኒ ማፍዋንያ፣ ዋና…

ዜና ትግርኛ
0

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይዳን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ኣንቢሮሞ ዝነበሩ ማዕቐብ ክቕፅል ትእዛዝ ኣመሓላሊፎም።

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያን ሰብ መዚን እታ ሀገር ተነበሩ ዝነበረ ማዕቐብ ክቕፅል ትእዛዝ ዝሃብሉ ድንጋገ ብሔራዊ ሓደጋ ቁፅሪ 14046 ከም አቆፃፅራ ፈረንጂ 17 መስከረም 2021 ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብመንግስቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ቅሉዕ ወራር ምኽፋቱ ስዒቡ ዝትኣዘዘ እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዘይምርግጋዕ ንፓሊሲ ወፃኢ ጉዳያትን ደሕንነትን ኣሜሪካ ዝፃባእ ምዃኑ ዝገለፁ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ቅድሚ…

English Newsአማርኛ ዜናዜና ትግርኛ
0

Policemen in Mekelle have today roughed up and arrested people who took to the streets to call for what they call a radical change. 

Videos and pictures of demonstrators who had been bloodied and bruised have surfaced on social media platforms.  Prominent leaders of opposition parties and journalists have also been reportedly arrested by Tigray security officers.   Covenant for a radical change A coalition of three opposition parties – Tigray Independence Party, Salsay Weyane Tigray, and National Congress of Greater Tigray – on August 30…

አማርኛ ዜና
0

የተባበሩት ዓረብ ኤሚሬቶች ለአፍሪካ ንጹህ ሃይል 4 ነጥብ 5 ቢሊዮን ዶላር ልትመድብ ቃል ገባች

የተባበሩት ዓረብ ኤሚሬቶች፣ በኬንያ በመካሄድ ላይ ባለው የመጀመሪያው የአፍሪካ የአየር ንብረት ጉባኤ ላይ 4.5 ቢሊዮን ዶላር ለንጹህ ሃይል መዋዕለ ነዋይ እንደምትመድብ ቃል ገብታለች፡፡ ትናንት ሰኞ በኬንያ በተጀመረው ጉባኤ ተሳታፊ የሆኑ የሀገራት መሪዎች እና ዓለም አቀፍ ድርጅቶች፣ የአየር ንብረት ለውጥ በአህጉሪቱ እያደረሰ ያለው ድርቅ እና ጎርፍ፣ በሚሊዮን የሚቆጠሩ ሰዎችን ማፈናቀሉን፣ ድህነትንና ረሃብን ማባባሱን ተናግረዋል፡፡

ዜና ትግርኛ
0

ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ሰራዊታ ንዝቐረበ ክስታት ኣምነስቲ ነጺጋ

ቀዋሚ ልኡኽ ኤርትራ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዝቐረበ ጸብጻብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል “ዘይተረጋገጸ ክስታት” ክብል ነጺግዎ። እቲ ትካል፡ ብሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ወተሃደራት ኤርትራ ብድሕሪ’ቲ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም ኣብ ትግራይ ጾታዊ ባርነት፡ ቅትለትን ካልእ ከቢድ ጥሕሰትን ከምዝፈጸሙ ከሲሱ’ሎ። እቲ በደላት ገበናት ኲናት ከምኡ’ውን ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ክኸውን…