ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ንፍልይቲ ልእኽቲ መንግስቲ እንግሊዝ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካን ቀይሕ ባሕርን ዝመርሐኦ ልኡኽን ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተቐቢሎም ዘትዮም።
ኣብ ህልው ኩነታት ተመዛበልትን ሰብኣዊ ሓገዝን፣ ምዕባለ ትግበራ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ፣ ዳግመ ህንፀት ትግራይን ዝተመዛበለ ህዝቢ ብቕልጡፍ ናብ መረበቱ ብዛዕባ ዝምለሰሉ ኣግባብን ኣድሂቦም ውፅእታዊ ኣካይዶም። ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ሰራዊት ኤርትራ ሐዚ እውን ንተግባራውነት ውዕሊ ፕሪቶሪያ ዕንቅፋት ኮይኑ ከምዘሎ ብምግላጽ፡ ዓባይ ብሪጣንያ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ብሙሉእነት ክትግበር ጻዕሪ ክትገብር ጸዊዖም። ኣምባሳደር ዳረን ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን…
