ሰሙናዊ መግለፂ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ 19-8-2015 ኣ/ግ
1) ዝቐፀለ ምፅራይን ፅንተትን ዘርኢ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ትግራይ፡ ዛጊድ እውን ዘይዛረየ ፅንተትን ምፅራይን ዘርኢ ቀፂሉ እኒሀ። ኣብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ብፍላይ ወረዳ ኢሮብ ከምኡ ድማ ኣብ ዞባታት ደቡብን ሰሜን ምዕራብን ትግራይ ዝርከብ ህዝብና ዛጊድ እውን ሓያሎን ማእለያ ዘይብሉን ግፍዒ እናተፈፀመሉ ይርከብ። ብፍላይ ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ፡ ሓይልታት ኣምሓራን ተሓባበርቱን ንነዊሕ ግዘ ክገብርዎ ከምቲ ዝፀንሑ፡…
