Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

20 ግንቦት ኣካል ድሙቕ ታሪኽና እያ!

20 ግንቦት ኣካል ድሙቕ ታሪኽና እያ!

ህዝቢ ትግራይ ኣብ ልዕሊኡ ተዳዕኒኑ ዝነበረ ጭቆናን ዓፈናን ደርብዩ ኣብ ፍትሒ፣ ርትዒን ማዕርነትን ዝተመስረተ ሓዲስ ህዝባውን ዴሞክራሲያዊን ስርዓት ንምትካል ዘካየዶ ብረታዊ ቃልሲ 20 ግንቦት 1983ዓ.ም ብዓወት ዛዚሙ እዩ። ናብዛ ዕለት እዚኣ ንምብፃሕ ከዓ ብዙሕ ዓይነት መስዋቲ ተኸፊሉ እዩ።

ህዝቢ ትግራይ ናብዚ መሪር ብረታዊ ቃልሲ እንትኣቱ ንዘበናት ዘሰኮኖ ስእነት ፍትሕን ዴሞክራስን ኣወጊዱ ኣብ ዓዱ ብማዕርነትን ንምንባርን ፍትሒ ንምርግጋፅን እምበር ልዕሊ ዝኾነ ኣካል ንምዃን ዓሊሙ ኣይነበረን። ድሕሪ 20 ግንቦት ኣብ ኢትዮጵያ ዝተተኽለ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት እውን ናይዚ ዕላማ መረጋገፂ ነይሩ።

ብመሪር ቃልስን ክቡር መስዋእትን ህዝቢ ትግራይ ዝተተኽለ ፌዴራላዊ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ካብ 2008 ዓ. ም ጀሚሩ ናብ ከቢድ ፈተና እንተወደቐ እውን ህዝቢ ትግራይ ንሰላም፣ ልምዓት፣ ዴሞክራሲን ፍትሕን ኢሉ ብዝኸፈሎ ክቡር መስዋእቲ ይሕበን እምበር ታሪኹ ተመሊሱ ዘህስሰሉ ምኽንያት የብሉን። ከም ህዝቢ ሎሚ እውን ብዝሓለፈ ታሪኽና ንሕበን! ኣብቲ መዋእል ስለህዝቦም ኢሉም ኩሉ ዓይነት መስዋት ንዝኸፈሉ ብሄራዊ ጀጋኑና ድማ በብእዋኑ እናዘከርና ሞሳ ይብፃሕኩም ንብሎም!

20 ግንቦት ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ሽቶኡ ዝወቕዓላ ዕለት እያ እንትንብል ኣብ ኢትዮጵያ ንዘበናት ሱር ሰዲዱ ዝነበረ ኢ-ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ብሓዲስ ፌዴራላዊ ዴሞክራሲያዊ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ምትክእ ተኻኢሉ ነይሩ ማለትና እዩ።

ነዚ ኢና ህዝቢ ትግራይ ናብዛ ዕለት ንምብፃሕ ዘካየዶ መሪር ተጋድሎን ዝኸፈሎ ክቡር መስዋእትን ኣካል ድሙቕ ታሪኽና ኮይኑ ብክብሪ እናተዘንተወ ክነብር ኣለዎ ንብል።

ከም ህዝቢ ናይ ኢድና እንተዘይረኸብና እውን ብዝኸፈልናዮ መስዋእቲ እንሕበንን ታሪኽና ዓቂብና ንወለዶታት እነሕልፎን እምበር ሕዚ ብዝበፅሓና ግፍዕን በደልን ምኽንያት ናይ ትማሊ ቅያና ክነህስስ ኣይንፈቅድን!!

ናብ ዓወታት 20 ግንቦት ንምብፃሕ ዝነበረና ፅንዓትን ሓድነትን ሎሚ ዘለውና ፈተናታት ንምሕላፍ እውን ኣመና ኣገደስቲ እዮም። ኣብዚ እዋን ዘድሊ ሓድነት ሰላምና ብዘላቕነት ውሑስ ንምግባር፣ ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ኮይኑ ዝሳቐ ዘሎ ህዝብና ሓራ ንምውፃእ፣ ተመዛበልቲ ወገናትና ናብ መረቤቶም ንምምላስን ሕገ መንግስታዊ ግዝኣት ትግራይ ናብ ንቡር ንምምላስን እዩ።

ነፍስወከፍ ትግራዋይ ሃይማኖቱ፣ ፖለቲካዊ እምነቱ፣ ሞያኡ፣ መንበሪ ከባቢኡ፣ ዕድመኡን ፆታኡን ብዘየገድስ ብውልቀ ይኹን ብተናፀል ኣብዘን መሰረታዊ ኣጀንዳታት እዚ እዋን ክዓስል ይግባእ።

ዘላቒ ህልውና፣ ድሕንነት፣ መሰልን ረብሓን ህዝቢ ትግራይ መሊኡ ክሳብ ዝረጋገፅ ኣብ ውሽጥን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዓለምን ዝርከብ ትግራዋይ ኣብ ዙሪያ መሰረታዊ ሕቶታትናን ናይዚ እዋን ኣጀንዳታትናን ዓሲሉ ካብኡ ዘድሊ ኣስተዋፅኦ ኩሉ ከምዝገብር ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዘለዎ እምነት ልዑል እዩ።

ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ትግራይ
19 ግንቦት 2016ዓ.ም
መቐለ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *