Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

2ይ ጉባኤ ልምዓት ሃፍቲ ሰብን ፈጠራ ዕድል ስራሕን ኣፍሪካ ይካየድ ኣሎ

ካልኣይ ጉባኤ ልምዓት ሃፍቲ ሰብን ፈጠራ ዕድል ስራሕን ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።

እቲ ጉባኤ÷ “ንባዕልኻ ዝድግፍ ስነ-ምህዳር ንምህናፅ፥ ቀፃሊ ዕድል ስራሕ፣ ልምዓት ክእለትን ፈጠራ ዕድል ስራሕን ኣብ ኢትዮጵያ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ እናተኻየደ ዝርከብ።

ብምትሕብባር ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን፣ ዓለም ለኸ ትካል ምትሕብባር ልምዓት ጀርመን (ጂ.አይ.ዜድ.)፣ ኤቲዲ ኢትዮጵያን ኢንስቲትዩት ዘ-ኣይ ካፒታልን ዝተሰናደአ ጉባኤ ከምዝኾነ ግዜኢ ፀብፂቡ።

ኣብቲ ጉባኤ÷ ኣብ ኢትዮጵያን ኣህጉራዊ ልምዓት ሓይሊ ሰብን ፈጠራ ዕድል ስራሕን ምስ ዝሰርሑ መንግስታት፣ ናይ ውልቀን መንግስታዊ ዘይኮኑ ትካላት እቲ ዓውዲ ምምሕያሽ ኣብ ዝኽእሉሎም ጉዳያት ምኽክር ክገብሩ ኢዮም ተባሂሉ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *