Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

18 – 8 -15 ዓ.ም ዕለታዊ ዝርዝር ዜና [ትግራይ ፡ ኢትዮጵያ ፡ ሱዳን ፡ ፊንላንድ ፡ ኣሜሪካ፡ ቻይና ፡ ሩስያ ፡ ቱርኪ፡ ኣውሮፓ ሕብረት]

ትግራይ፡

1) ምርኢት ንግድን ባዛርን ኣብ መቐለ ክካየድ እዩ

ትግራይ ምሉእ ግዛኣታ ዋላኳ ዛጊድ ኣይመለስ ናይ ሰላም ሃዋህው ብመጠኑ ሰፊፉ ናብ ንቡር ንምምላስ ላዕልን ታሕትን እናበለት ትርከብ፡፡  21 ሚያዝያ 2015 ዓ/ም ምርኢት ንግድን ባዛርን ኣብ ከተማ መቐለ ብዕሊ ከምዝክፈት ተሓቢሩ።

ኣብ ከተማ መቐለ ዝኽፈት ምርኢት ንግድን ባዛርን ማሕበረሰብ ንግዲ ብምንቕቓሕ ስርዓት ንግዲ ትግራይ ናብ ንቡር ክምለስ ከምዝሕግዝ መዳለውቲ እቲ ምርኢት ኤጀንሲ ልምዓት ንግድን ሰደድን ትግራይን ቤት ምኽሪ ዘፈር ማሕበራትን ትግራይ ኣፍሊጦም። ስርዓት ንግድን ማሕበረሰብ ንግድን ትግራይ ናብ ንቡር ንምምላስ ዝዓለመ ”ሰላም ተዘዋዋሪ ንግድን ባዛርን” ብዝብል ቴማ ከምዝክፈት ኣዳለውቲ ኤጀንሲ ልምዓት ንግድን ሰደድን ትግራይን ቤት ምኽሪ ዘፈር ማሕበራት ትግራይን ኣብ ዝሃብዎ ሓበራዊ ጋዜጣዊ መግለፂ እዩ ።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ስርዓት ኣብዝፈረሰሉ እዋን ውሑዳት ነጋዶ  ስርዓት ንግዲ ክዛባዕን ሕብረተሰብ ብናህሪ ዋጋ ከሳቀን ጌሮም እዮም ዝበሉ አይተ ገረመስቀል፣ እቲ ኤጀንሲ መፅናዕትን መረዳእታን ኣብ ኢዱ ስለ ዘለዎ ስርዓት ንግዲ አብ ዘዐንቅፉን ኣደብ ኣብ ዘይገብሩ ነጋዶን ስጉምቲ ከምዝስውድ ኣጠንቂቖም። እቲ ምርኢት   ንዓሰርተ መዓልታት ዝፀንሕ ኮይኑ ኣብ ካልኦት ከተማታት ትግራይ ከምዝቕፅል እውን እቶም ሓለፍቲ ገሊፆም። እቲ ምርኢት ማሕበረሰብ ንግዲ ካብ ዝነበረ ፀለማት ሃዋህው ዘነቓቕሕ ፣ኣፍረይትን ዓደግትን ብምርኻብ ብዘላቕነት ምትእስሳር ንግዲ ዝፈጥር ፅቡቕ ኣጋጣሚ ምኳኑ ተሓቢሩ፡፡

ሓላፊ ኤጀንሲ ልምዓት ንግድን ሰደድን ትግራይ ኣይተ ገረመስቀል ታረቀ ብወገኖም ኣብ ትግራይ ብሰንኪ እቲ ጀኖሳይዳዊ ኵናት ስዒቡ ዘጋጠመ ዕንወትን ክሳራን ንግዲ ንምሕዋይ እቲ ምርኢት ወሳኒ ግደ ከምዝህልዎ ተዛሪቦም ።

2) መራሕቲ ሃይማኖትን ኣባ ገዳታትን ካልኦት ተወከልቲ ማሕበረሰብን ዝሓዘ ልኡኽ ህዝብን መንግስትን ክልል ኦሮምያ  ምስ ፕረዚዳንት ጌታቸው ረዳ ተራኪቡ

እቲ ልኡክ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ ቅሉዕ ወራር ሲዒቡ ዝተፈጠረ ማሕበራዊ ቁጠባዊ ቅልውላው ዘላቕነት ከይዲ ሰላምን ኣመልኪቱ ምስ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝተፈላለዮ ወከልቲ ማሕበረሰብ አካላትን ዘትዩ።

ፕረዚዳንት ጌታቸው ረዳ ህዝቢ ትግራይ ንሕውየት ዝገብሮ ፃዕሪ ንምሕጋዝን ዘለዎ ኩነት ንምዕዛብን ብኣካል ምምፃእኹም ዝምስገን ስጉምቲ ድሕሪ ምባሎም ዘላቂ መፍትሒ ዝኮውን ተማዛበልቲ ናብ መረበቶም እንትምለሱን እዚ ንምግባር ድማ ሕጋዝ ክገብርን ፀዊዖም፡፡

ብወገን ትግራይ ወኪሎም ኣብቲ ዘተ ዝተሳተፉ መራሕቲ ሃይማኖትን ወከልቲ ሓፋሽ ማሕበራትን ትግራይ ድማ ካብ ክልል ኦሮምያ ዝመፁ ተወከልቲ ተመዛበልቲ ወገናት ናብ መረበቶም ተመሊሶም ኑቡር ሂወቶም ክመርሑን ህዝቢ ትግራይ ንዝበፅሖ ግፍዕን በደል ፍትሕን ካሕሳን ክረክብ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ህዝቢ ኦሮሞ ሓጋዛይ ክኸውን ክሰርሑ ከምዘለዎም ገሊፆም።

እቶም ልእካት “ናብ ትግራይ መቐለ መፂእና ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሖ ጉድኣት ብፍላይ ተመዛበልቲ ወገናት ዝመርሕዎ ዘለው ሂወት ኣዝዩ ዘሕዝን ምኻኑ ተረዲእና ኢና ፤ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሐ ግፍዒ ከይድገምን ካብቲ ፀገም ንምውፃእን ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅን ድማ ክንተሓበበር ኢና” ኢሎም። ብተወሳኪ እቲ ልኡክ 10000 ኩንታል እክሊ ንህዝቢ ትግራይ ሓገዝ ሒዙ ከምዝመፀ ተሓቢሩ፡፡

3) 98 ሚኢታዊ ትካላት ሕብረት ስራሕ ማሕበር ትግራይ ከምዝዓነወ ተሓቢሩ

ብሰንኪ ዝሓለፈ መስካሕኪሒ ኩናት ትግራይ 98 ሚኢታዊ ትካላት ሕብረት ስራሕ ማሕበር ትግራይ ዕንወት ከምዝበፅሐን ተገሊፁ። እዘን ትካላት ዝረብሖኦን ዘመሓድረኦን ዝነበረ ማሕበረሰብ ናብ ዝኸፍአ ቑጠባዊ ቕልውላው ዓዝቅቲ ከምዝጣሓለ ተሓቢሩ፡፡

እዚ ዝተገለፀ ምስ ኤጀንሲ ሕብረት ስራሕ ማሕበርን ልምዓት ዕዳጋ ትግራይን ላዕለዎት ሰብ መዚ ፌደራልን ኣብተን ትካላት ዝበፀሐ ዕንወትን ዘሎ ነባራዊ ኹነታትን ኣብ ዝተዓዘብሉን ዝዘተይሉን እዋን እዩ።

4) ፊንላንድ ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ንምስታፍ ድልውቲ እየ ኢላ

ኣብ ሚኒስትር ወፃኢ ጉዳያት ፊንላንድ አፍሪካን ማእኸላይ ምስራቕን ምክትል ዳይሬክተር ሄለና ኣርስትን ምስ ፕሬዝደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ጌታቸው ረዳ ተራኺበን ኣብ ዝገበሮኦ ዘተ መንግስቲ ፊንላንድ ኣብ ደግመ ህንፀት ትግራይ ብፍሉይ ኣብ ዓውዲ ጥዕና፣ማይን ሓለዋ ፅሬትን ትኹረት ሂባ ክትሰርሕ እያ ኢለን።

ፕሬዝደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ጌታቸው ረዳ ብወገኖም እቲ ከይዲ ሰላም ዝበፅሐሉ ብርክን፣ ካብ ሩሑቕን ቀረባን ነቲ ከይዲ ሰላም ንምትዕንቓፍ ዝሰርሑ ሓይልታትን ዘሎ ፈተናን ኣመልኪቶም ነተን ምክትል ዋና ዳይሬክተር  ብምግላፅ ዕውት ዘተ ከምዝነበረ ኣብ ገፅ ትዊተር ዕላዊ ገይሮም።

5) ብፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ማይክ ሀመር ዝተመረሐ ጉጀለ ምስ ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ ተዛትዩ

ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምስቲ ልኡኽ ጉጅለ ዘካየድዎ ዘተ ዕውት ከምዝነበረ ኣብ  ፌስቡክ ገፆም ብምሕባር ፡ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ሓዊሱ፣ ምንጋስ ፍትሕን ተሓታትን ዝተፈፀሙ ገበናት ከምኡ እውን ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝን ግደ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ዳግመ ህንፀትን ሕውየትን ትግራይን ዝብሉ ዛዕባታት ዕውት ዘተ ኣሳሊጠ ክብሉ ገሊፆም። ኣይተ ጌታቸው ረዳ መንግስቲ ኣሜሪካ ዝገብሮ ዘሎ መትከል መሰረት ዝገበረ ሓገዝ ዘለዎም ናእዳ ገሊፆም ። ኣብ ናይ ትማሊ ዜና ብፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ማይክ ሀመር ዝተመረሐ ጉጀለ ብኣባላት ግዚያዊ ምሕደራ ትግራይ ኣቀባብላ ከምዝተገበረሉ ምግላፅና ይዝከር፡፡

6) ኣብ ትግራይ ካብ 1ይ ክሳብ 12 ክፍሊ ምዝገባ ተምሃሮ ተጀሚሩ

ብሰንኪ ኮሮና ቫይረስ ሲዒቡ ድማ ብምክንያት ኩናት ተቋሪፁ ዝፀንሐ ኣብ ትግራይ ትምህርቲ ንምጅማር ዘክእል ምዝገባ ሎሚ ሚያዝያ 18፣ 2015  ተጀሚሩ፡፡ እቲ ምዝገባ ግዚያዊ ምሕደራ ትግራይ ኣብ ዘመሓድሮ ጥራሕ ዝተወሰነ ምኳኑ ተሓቢሩ፡፡

ኣብ ሚያዝያ 23 ቀን 2015 ዓ.ም ስሩዕ ትምህርት ከም ዝጅመር ዋላኳ ይገለፅ ኣብዛሓ ኣብያተ ትምህርቲ ብምዕናው ከይዲ ምምሃርን ምስትምሃርን ከቢድ ከምዝገብሮ ምሁራን ስክፍተኦም እናገለፁ ይርከቡ፡፡  ትምህርቲ ንምጅማር ምስ ትምህርቲ ሚንስተር ገበርቲ ሰናይ ትካላትን እናተሰርሐ ምፅንሑ ዝዝከር እዩ፡፡

ኢትዮጵያ፡

1) ካውንስል ሕብረት ኣውሮፓ በዓል 11 ነጥቢ ኢትዮጵያ ዝምልከት ዘውፀኦ መደምድምታ ኣውንታዊ ምኳኑ ሚንሰቴር ወፃኢ ጉዳይ ኢትዮጵያ ገሊፁ

ኢትዮጵያ ምስ ሕብረት ኣውሮፓ ዘለዋ ርክብ ብሓዱሽ መልኩዑ ንምሰራ ጠንኪራ እናሰርሐት ምኳና ገሊፁ፡፡ ናይ ወፃኢ ጉዳይ ካውንስል ኣውሮፓ ሕብረት ኣብ ብ ማዝያ 24 2023 ዓ/ፈ ስብሰባ ድሕሪ ምግባሩ ኣብ ዘወፀኦ ፕረስ ገለፃ እዩ፡፡ ኢትዮጵያ ብሓዱሽ መልክዑ ምስ ሕብረት ኣውሮፓ ንምጥንካር ዝጀመሮቶ ሰራሕ ዘጣናክር መግልፂ ምኳኑ እዩ፡፡መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ካልኦት መሓዙት ሃገራት  ብሓዱ መልክዑ ርክባት እናሐደሰ ምኳኑ ሚንስተር ወፃኢ ጉዳይ ወሲኩ ገሊፁ፡፡

2) ቱርኪ፡ ናይ ቱርኪ ፕሬዚዳንት ረጀን ጣይብ ኤርዶጎን ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ምስገና ኣቅሪቡ

ናይ ቱርኪ ፕሬዚዳንት ረጀን ጣይብ ኤርዶጎን ኣብ ሃገሩ ተፈጢሩ ዝነበር ርዕደ መሬት ሓደጋ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብቲ እዋን ቅልጡፍ ሂወት ኣድሕንን ድጋፍን ንዝገበሮ ሓገዝ ልዑል ምሰገና ኣቅሪቦም፡፡

እቲ ፕረዚዳን ኣብ ቱርኪ ናይ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር አደም መሓመድን ናይ ኢትዮጵያ ሂወት ኣድሕን ጉጅለ መራሕ ሌ/ጄኔራል ደስታ አቢቼ ናይ ምስገና ምስክር ወረቀትን ሜዳልያን ሂብዎም፡፡ ብተመሳሳል ኣብቲ ርዕደ መሬት እዋን ሓገዝ ዝገበሩ ካሎኦ ሃገራት እውን ተመሳሳሊ ናይ ምስገና ሽልማት ተለጊሱ እዩ፡፡

3) ሱዳን፡ ዝተፈላለዩ ዜጋታት ኣብ ሱዳን ዘሎ ኲናት ብምርሓቅ ናብ ኢትዮጵያ እናወሓዙ እዮም

ኣብ ሱዳን ዘሎ ኲናት ብምህዳም ናብ ኢትዮጵ ዝውሕዙ ናይ ካልኦት ዜጋታት ምህላዎም ተገሊፁ፡፡ ኣብ መተማ ዮሃንስ ብምስፋር ድጋፍን ምክንካንን እናተገበሮሎም ምኳኑ ተገሊፀ፡፡ ልዕሊ 23 ሃገራት ዜጋታት ናብ ኢትዮጵያ ከምዛተው እናተገለፀ እዩ፡፡ ኣረጋውያን ፣ ኣደታት ፣ ህፃናት ከምዝርከብዎም ተፈሊጡ፡፡

4) ኣሜሪካ፡ አምባሳደር ተሾመ ቶጋ ምስ ናይ አሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ፍሉይ ልኡክ ማይክ ሐመር  ዘትዮም

ናይ ብሄራዊ ተሃድሶ ኮሚሽን ኮሚሽነር ዝከነ አምባሳደር ተሾመ ቶጋ ምስ ናይ አሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ፍሉይ ልኡክ ማይክ ሐመር  ዘትዮም፡፡ ኣብቲ ዘተ  ምስ ዑጥቃት ተታሒዙ ዝገበር ዘሎ ተግባራትን ካልኦት ጉዳያትን ኣዋጊዖም፡፡ ኣብ ዙሪያ ስምምዕ ሰላም ስዒቡ ዝተረከበ ውፂትን ተስፋታትን ምዝታዮም አምባሳደር ተሾመ ቶጋ ኣብ ማሕበራዊ ገፅም ሓቢሮም፡፡ ናይ ኣሜሪካ ድጋፍ ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ብተወሳኪ ዘቲዮም፡፡ ማይክ ሐመር  ምስ ግዚያዊ ምሕደራ መንግስቲ ትግራይ ኣብ መቀለ ብምካድ ዘተ ምግባሮ ዝዝከር እዩ፡፡

5) ሩስያ፡ ሩስያ  ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎ ርክብ ብዝተፈላለዩ መልክዕ ከምተጣናክር ገሊፃ

ሩስያን ኢትዮጵያን ኣብ ቴክኖሎጂ ፣ ትምህርቲም ሳይንስን ሴክተር ብምትሕብባር እናሰርሑ ምኳኖም ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ሩስያ አምባሳደር ይቭጌኒ ተረኺን ተናጊሮም፡፡ እቲ እምባሳደር ኢትዮጵያን ሩስያን ኣብ ህዋ ሳይንስ መፅናዕትን ምርምርን ፣ ኒውክሌር ሓይሊ ኣጠቃቅማ ፣ ብስነ ሂወት መፅናዕቲን ካሎኦት ኣውታርትን ብምትሕብባር እናሰርሑ ምኳኖም ሓቢሮም፡፡ ኣብ 2019 ዓ/ፈ ኢትዮጵያን ሩስያን ኣብ ኒውክሌር ሓይሊ ኣጠቃቅማ ስምምዕነት ምክታሞን ኣብዚ ሽነክ ስራሕ ምክንባቶምን ጠቂሶም፡፡ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ላዕለዋይ ትምህርቲ ርክባት ንምጥንካር ሩስያ ፌደረሽንን ናይ ኢትዮጵያ ዩኒቨርስትን መንጎ እናተሰርሐ ምካኑ ተሓቢሩ፡፡

6) ቻይና፡ ቻይና ኢትዮጵያ ንተገብሮም ዳግመ ህንፀት ስራሕ ከምትድግፍ  ገሊፃ

ቻይና ብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝገበሩ ዳግመ ህንፀትን ሕውየትን ስራሕቲ ከምትድግፍ ሓቢራ፡፡ናይ ቻይና ወፃኢ ጉዳይ ሚኒስቴር ቃል መቀበሊ ማኦ ኒንግ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ  ኣብ ኢትዮጵYአ ዝነበሪ ጎንፂ ኣብቂዑ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ምጅማሩ ብምግላፅ ድጋፍ ከምዝገብሩ ሓቢረን፡፡

ካብቲ ከይዲ ሰላም ዝተረከብ ውፂኢት ናይ ኩሉ ኢትዮጵያውያን ድሌትን ዓወትን እዩ ክብሉ ያሉት ማኦ ኒንግ÷ ብቻይና መንግስቲ ስም ንኢትዮጵያውያን እንኳዕ ደስ በለኩም መልእክቲ ኣመሓላሊፈን፡፡ ናይ ኢትዮጵያ ሰላምን ምርግጋእን ንዘባ ቀርኒ አፍሪካ ዘላቂ ስላምን ድሕንነትን ዘለዎ ፋይዳ ልዑል ምኳኑ ገሊፆም፡፡ ናይ ኢትዮጵያ ግዛኣታዊ ሓድነትን ላእልውነትን ቻይና ብፅኑዕ ከምትድግፍ ማኦ ኒንግ ተናጊረን፡፡ ቻይና ናይ ኢትዮጵያ ሰላም ምስፋን ኣብ ዝነበረ ከይዲ ንጠ/ሚ ኣብይ ኣሓመድ ኣፍልጦ ምሃባ ዝዝከር እዩ፡፡

7) ኣውሮፓ ሕብረት፡ “ ካውንስል ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ኢትዮጵያ ዝወሰዶ መደምደምታ ” ዝብል በዓል 11 ነጥቢ ዝሓዘ ሰነድ ኣወፂኡ

 ኣብቲ ሰነድ ኢትዮጵያ ቁልፊ ስትራተጂክ ማሓዛ ሕብረት ኣውሮፓ  ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካን ዛባ ቀይሕ ባሕርን ብሰፊሑ ድማ ኣብ ኣፍሪካ ክፍለ ዓለም ምኳና ገሊፁ፡፡  ዝላቂ ሰላም ክህሉ፣ ሰባኣዊ ሓገዝ ክቅፅል፣ ኣለቃሕቲ ልቃሕ ከመቻችዋ ፣ ባዓዳውያን ሓይልታት ካብ ግዝኣት ኢትዮጵያ ክወፁ ፣ ሰላምን ምርግጋእን ኢትዮጵያ ብዕቱብ ከምዝድግፉ፣ ግዛኣታዊ ሓድነትን ላእላውነትን ኢትዮጵያ ከምዝድግፉ ዝብሉ ነጥብታት ይርከብዎ፡፡ ንምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ሊንክ እተው፡፡

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *