ትግራይ :
1) መራሕቲ ሃይማኖትን ኣባ ገዳን ኦሮሞ ናብ ትግራይ ኣትዮም
ሎሚ 17 ሚያዝያ 2015 ዓ/ም ብፁእ ኣቡነ ሳዊሮስ ሓዊሱ መራሕቲ ሃይማኖትን ኣባገዳን ዝሓዘ ጉጅለ ካብ ክልል ኦሮሚያ ናብ ትግራይ ከተማ መቐለ ኣትዮም ኣለዉ፡፡
ብሰንኪ ጅኖሳይዳዊ ኲናት ዝበፅሐ ግፍዕን ኩለመዳያዊ ሃሰያን ብኣካል ንምዕዛብን ሓገዝ ንምግባርን ካብ ክልል ኦሮምያ ተወኪሎም ዝመፁ ኣባገዳታት፣መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን መቐለ እንትኣትው ላዕለዎት ሓለፍቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ዓለምለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ ተረኺቦም ኣቀባብላ ገይሮምሎም እዮም። እቶም ልኡካት ፣ ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከባ ማእከላት መዕቆቢ ተመዛበልትን ጥቅዓት ዝበፅሐን ደቂ ኣንስትዮን ዑደት ከሳልጡ እዮም።
ኣብ እዋን ግዚያዊ ምምሕዳር ዶ/ር ሙሉ ነጋ ተመሳሳሊ ዕደትን ሓገዛትን ምግባሮም ይዝከር፡፡
2. ልኡኽ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ “ ኲናት ይብቃዕ ሰላም ይጽናዕ” ዝብል መድረክ ብምውጋን ናብ መቐለ ተመሊሱ
ልኡኽ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ “ ኲናት ይብቃዕ ሰላም ይጽናዕ” ዝብል መድረክ ብምውጋን ሎሚ 17 ሚያዝያ ናብ መቐለ ተመሊሱ፡፡ ብፕረዚደንት ኣይተ ጌታቸዉ ረዳ እናተመረሐ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሽልማትን ምስጋናን ስነ ስርዓት ዝተረኸበ ጉጅለ ልኡኽ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሎሚ ናብ መቐለ ተመሊሱ።
ኣብቲ “ኲናት ደዉ ይበል ሰላም ይፅናዕ”ብዝብል ቴማ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተሳለጠ ፍሉይ ናይ ምስጋናን ሽልማትን ስነ ሰርዓት ዝተረኸበን፣ንፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ሓዊሱ ኣብ ዕውትነት ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ዑዙዝ ግደ ዝነበሮም ኣካላት ዝተሸለምሉ መድረኽ ዝተረኸበ ጉጅለ ልኡኽ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሎሚ ናብ ከተማ መቐለ ተመሊሱ ኣሎ።
ኣብቲ መድረክ ላዕለወት ሓልፍቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፣ ሕብረት ኣፍሪካ ላዕለዋይ ተወካሊ ፓነሊስት ኣባላት ፣ ሊቀ መንበር ሕብረት ኣፍሪካ ፣ መራሕቲ ኢጋድን ካልኦትን ተካፈልቲ ሽልማት ምኳኖም ይዝከር፡፡
3) ብኣምባሳደር ማይክ ሃመር ዝተመርሐ ጉጅለ መቐለ ኣትዩ
ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ዝተመርሐ ጉጅለ መቐለ ኣትዩ። ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ እንትበፅሕ ብላዕለዎት ሓለፍቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቀባብላ ተገይርሉ።
ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ትሬሲ ጃኮብሰን ካብቶም ናብ መቐለ ካብ ዝኣተወ ጉጅለ ሓንቲ እየን። ምስ ፕረዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ፣ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝን ተቖፃፃሪ ኮሚቴ ሕብረት ኣፍሪካን ዘተ ክገብር ትፅቢት ይግበረሉ።
ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ኲናት ትግራይ ጠጠው ክብልን ውዕሊ ፕሪቶሪያ ክፍረምን ዝዓዝዘ ግደ ምንባሮም ይዝከር፡፡
4) ግፍዒ ዕጡቃት ኣምሓራ ይቅጽል ምህላው ተገሊፁ
ዕጡቓት ኣምሓራ ኣብ ዝኣተውዎ መሬት ትግራይ ታሪክ ይቅር ዘይብሎ ግፍዒ ፈጺሞም እዮም፡፡ መብዛሕቶኣም ሊህቃት ኣምሓራ ኣብ ዝገብርዎ መደረ ይኩን ፁሑፋት ኣንፃር ህዝቢ ትግራይ መርዚ ብምንዝሓ ዘይበሊ ፅልኢቶም እናገለፁ እዮም፡፡ዕጡቃት ኣምሓራ ክሳብ ሐዚ ዝቀፅለ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዞባ ደቡብ ትግራይ ግፍዒ ይፍፅሙ ኣለው፡፡ ህዝቢ ይኣሰሩ ፣ይቀትሉ ን ንብፍረት የዕንውን ይሰርቁን ምህላዎም እናተገለፀ እዩ፡፡
5) ኣምሓራ ናብ ምዕራብ ትግራይ ብበዝሒ ሰፈርቲ የክትቱ ኣልው
ኣምሓራ ናብ ምዕራብ ትግራይ ሓደሽቲ ሰፈርቲ የክትቱ ምህላዎም እሙናት ምንጭታትና ሓቢሮም፡፡ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ብኣማኢት ኣሻሓት ዝቁፅር ትግራዋይ ብምብራርን ብምቅታልን ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኢትዮጵያ ዝተፋናቀሉ ተወለዲ ኣምሓራ እናስፈሩ ምፅነሖም ይዝከር፡፡ ናይቲ ከባቢ ዲሞግራፊ ንምቅያር ዝዓለመን ብ ሪፈረንድም ነባሪ ምዕራብ ትግራይ ኣካል ክልል ኣምሓራ ንምግባር ዝግበር ዘሎ ወረራ እዩ፡፡ ኣብዚ ጉዳይ ዛጊድ ግዚያዊ ምሕደራ ትግራይ ብወጋዓዊ ዝተነገረ ጉዳይ የለን፡፡
ኢትዮጵያ
1) ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ዝተመሓየሸ ናይ ሰራዊት ረቂቅ ኣዋጅ ኣፅዲቁ
ሚያዝያ 17/2015 ዓ/ም ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ዝተመሓየሸ ናይ ሰራዊት ረቂቅ ኣዋጅ ኣፅዲቁ፡፡እቲ ረቂቅ ኣዋጅ መከላከሊ ሰራዊት ካብ ፖለቲካ ውግንና ነጻ ብምኳን ሃገር ንምሕላው ተልእኮ ብብቅዓት ንክዋፃእ ሕብረ ብሄራዊ ኣሰተዋፀኦ ዝሓለወ ዘመናዊ ሰራዊት ንምህናፅ ማሕለካ ዝኮኑ ሕግታት ምምሕያሽ ዝሓውስ ምኳኑ ተሓቢሩ፡፡
እቲ ዝተማሓየሸ ረቂቅ ኣዋጅ ዝነበሩ ፀገማትን ነኳላትን ብምዕባስ ዝሰርሕ ሕጊን ኣወዳድባን ኣሰራርሓታትን ንምዝርጋሕ ዘክእል እዩ ብምባል ኣብዛሓ ድምፂ ተወከልቲ ህዝቢ ምፅዳቁ አቢሲ ፀብፂቡ።
2) “ ኢንቨስት ኢትዮጵያ 2023 ” ዝብል ፎረም ፅባግሕ ክጅመር እዩ
ሚያዝያ 17/2015 ብኢትዮጵያ ኢንቨስትመንት ኮሚሽን ዘዳለዎ “ኢንቨስት ኢትዮጵያ 2023” ዝባሃል ዓለም ለካዊ የንቨስትመንት ፎረም ፅባሕ ኣብ አዲስ አበባ ከምዝክፈት ተሓቢሩ፡፡ ካብ ሚያዝያ 18 እስካብ 20 ኣብ ዝካየድ ናይ ኢንቨስትመንት ፎረም መእተዊ ሰነድ ስምምዕ ፣ ናይ ፓናል ምይይጥ ፣ ንዝተመረፁ ድርጅታት ዕዶትን ዓውደ ምርኢትን ከምዝህሉ ተሓቢሩ፡፡
ፎሮም ኣብ ግብርና፣ ማንፋክቸሪንግ፣ አይ.ሲ.ቲ፣ ማዕድንን ትሪዝምን ቆላሕታ ዝገበረ ምኳኑ ካብ ኢትዮጵያ ኢንቨስትመንት ኮሚሽን ዝተረከበ ሓበሬታ የማላክት፡፡ ኣብቲ መድረክ ካብ መላእ ዓለም ዝተውፃእፅኡ ሰብ ማል ፣ ናይ ንግዲ ተዋሳእቲ ፣ ፖለሲ ሓንፀፅቲን ስራሕ ፈጠርትን ክሳተፉ ትፅቢት ይግበር፡፡
ሱዳን ፡
1) ተራፀምቲ ሓይልታት ሱዳን ን72 ሰዓታት ተኩሲ ምቋም ስምምዕነት በፂሖም
ናይ ሱዳን ሰራዊትን ፈጣን በፃሒ ሓይልን ን72 ሰዓታት ተኩሲ ምቋም ስምምዕነት ምብፀሖም ተሓቢሩ፡፡ ናይ ኣሜሪካ ወፃኢ ጉዳይ ሚንስተር ኣንቶኒ ብሊንከን ካብ ትማሊ ሰኑይ ፍርቂ ለይቲ ጀሚሩ ተኩሲ ምቋም ስምምዕነት ግብራዊ ከም ዝኮውን ተዛሪቦም፡፡ እዚ ስምምዕ ኣብ መንጎ ተራፀምት ሓይልታት ን 48 ሰዓታት ዝወደአ ሽምግልና ድሕሪ ምግባሩ ዝተበፀሐ ስምምዕ ምኳኑ ወሲኮም ገሊፆም፡፡
ናይ ሱዳን ተራፀምቲ ሓይልታት ተኲሲ ስምምዕ ምግባሮ ን ሳልሳይ ግዘ እዩ፡፡ ናይ ሐዚ ስምምዕ ግብራዊ ከምዝገብርዎ ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡ እቲ ስምምዕ ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ናይ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዲፕሎማሰኛታትን ዜጋታትን ንምውፃዝ ምችው ኩነታት ንምፍጣር ዝዓለመ እዩ፡፡ 11 መዓልቲ ዝሓዘ ጎንፂ ዛጊድ 427 ዜጋታት ንሞት እንስጥሑ ልዕሊ 3700 ድማ ጉዳኣት ከምዝበፅሖም ማዕከናት ዜና ዓለም እናገልፁ ይርከቡ፡፡
2) ኣሜሪካ ፀገም እንትበፅሓ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ከምትሕግዛ – ቲቦር ናዥ
ኣሜሪካ ፀገም እንትበፅሓ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ትሕግዝ ሓቀኛ ፈታዊት ኣሜሪካ እያ ክብል ናይ ቀደም ኣብ ኣሜሪካ ወፃኢ ጉዳይ ሚንስተር ናይ ኣፍሪካ ጉዳያት ሓጋዚ ወፃኢ ጉዳይ ሚንስተርን ኣብ ኢትዮጵያ ኣሜሪካ ኣምባሳደር ዝነበረ ኣይተ ቲቦር ናዥ ሓቢሩ፡፡ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ዲፕሎማት ኣብ ምውፃእ ከይዲ ን ኢትዮጵያ መንግስትን ኢፌዴሪ መከላከሊ ሰራዊትን ዝገበርዎ ድጋፍ ምስገና ኣቅሪቦም፡፡ ፕሬዚዳንት ባይደን ኣብቲ ጉዳይ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ናይ ኣሜሪካ ሰራዊት ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ዲፕሎማት ዋሽንግተንን ቤተ ሰቦምን ንምወፃእ ኣብ ዝተገበረ ኦፕረሽን ኢትዮጵያ ንዝገበረቶ ሓገዝ ምስግና ኣቅሪቦም፡፡
ቲቦር ናዥ ብወገኖም መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተገበረ ሓገዝ ን ኣሜሪካ ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ዲፕሎማታ ንምወፃእ ኣብ ዝነበረ ከይዲ ኣመስጊኖም፡፡ ኣሜሪካ ፀገም እንትበፅሓ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ትሕግዝ ሓቀኛ ፈታዊት ምኳና ገሊፆም፡፡ ኣብ ኣሜሪካ ውሽጢ መስከረም 11 ናይ ግብረ ራዕዲ ጥቅዓት ኣብዝበፀሓ እዋን ኢትዮጵያ ድጋፍ ከምዝገበረት ኣዘካኪሮም፡፡
