Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

15 ሰነ በዓለ ዝኽሪ ሰማእታት ኣመልኪቱ ካብ ውድብ ናፅነት ትግራይ (ውናት) ዝተውሃበ መግለፂ

ሰማእታትና ብቃል ዘይኮነስ ብግብሪ ይደበሱ!
———-
በቢ ምዕራፉ፣ በቢ መድረኹ፣ ንስለ ህልውናን ቀፃሊ ውሕስናን ትግራይን ህዝቢ ትግራይን እልፊ ኣእላፍ መላምል ደቂ ትግራይ ተሰንኪሎም፣ ደምዮምን ተሰዊኦምን ‘ዮም። ንዝሓለፉ 34 ዓመታት ድማ “ሕድሪ ሰማእታትና ኣይነዕብርን” እንዳበልና ነዛ ዕለት እናዘከርናያ መፂእና ኢና።

ኮይኑ ግና ሰማእታትና ሩፍታ ዝረኽቡ ካብ ቃል ዝሓለፈ ብግብሪ ክንድብሶም እንከለና ‘ዩ። ቃል ኣየዕበርናን ዝበሃል ሕቶ ህዝቢ እንትምለስን ፍትሒ እንትነግስን እዩ። ስለ ዝኾነ ሰማእታትና ልዕሊ መቓብር ዝገደፉልና ቃለ ሕድሪ ከይነዕብር እዛ ካብ ኢድና ወፂኣ ዘላ ትግራይ ናብ ኢድና ክንመልሳን፤ተግባራዊ ቃልሲ ክነቀፃፅልን ውናት ይፅውዕ።

ሃገረ ትግራይ – ደበስ ሰማእታትናን ገዝሚ መፃኢናን እያ!

   ውድብ ናጽነት ትግራይ(ውናት)

    14 ሰነ 2015 ኣ.ግ

       መቐለ: ትግራይ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *