Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

13 ሆስፒታላት ሓገዝ ናውቲ ሕክምናን ኣፋውስን ረኺበን

13 ሆስፒታላት ትግራይ ሓገዝ ናውቲ ሕክምናን ኣፋውስን ካብ 13 ሆስፒታላት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከምዝረኸባ ተገሊፁ።

ተወከልቲ እተን ነቲ ሓገዝ ዝለገሳ ሆስፒታላት ሎሚ ካብ ከተማ መቐለ ተረኺቦም ነቲ ሓገዝ ኣረኪቦም።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ዝተረኸቡ ሓላፊ ካብኔ ሰክሬተርያት ስግግር ማሕበራዊ ልምዓት ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረሂወት፣ እዘን 13 ሆስፒታላት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ን13 ሆስፒታላት ትግራይ ዘበርኸተኦ ሓገዝ ናውቲ ሕክምናን ኣፋውስን ቐፃሊ ምሕዝነት ዘጠናኽር ከምዝኾነ እዮም ገሊፆም።

እዚ ምትሕብባር ንነዊሕ ግዘ ክቕፅል ከምዝግባእ ዘመላኸቱ ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረሂወት ነቲ ሓገዝ ኣብ ምትሕብባር ሚኒስተር ጥዕና ዝነበሮ ዑዙዝ ግደ ኣመስጊኖም።

እቲ ዝተውሃበ ሓገዝ ናውቲ ሕክምናን ኣፋውስን ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ናብተን 13 ሆስፒታላት ትግራይ ከምዝለኣኸ ተገሊፁ።

ድወት

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *