Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

11 ለካቲት ምእንተ ህዝቢ ዝተሰውኡ ስውኣት ንዝክረሉ ዕለት እዩዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል

ኣቦ ወንበር ውድብ ህወሓት ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ዝኽሪ መበል 49 ዓመት በዓል 11 ለካቲት ኣመልኪቶም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፣11 ለካቲት ህዝቢ ትግራይ ንመሰሉን ረብሕኡን ዝተሰለፈሉን ዓወት ዝሓፈሰሉን ዕለት እዩ ኢሎም።

11 ለካቲት ምእንተ ህዝቢ ዝተሰውኡ ስውኣት ንዝክረሉ ዕለት እዩ ዝበሉ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል፣ኣብዚ እዋን ኣብ መኸተ ኮይንና እውን እንዝክሮም ስውኣት ኣለውና ኢሎም።

ብመስዋእቲ መናእሰይ ኣብ ፓለቲካዊ መድረኽ ኣለና ብምባል ፤ህዝብና ተበቲኑ ሓገዝ ዘይረኽበሉ፣ ናብ መረበቱ ዘይተመለሰሉ ኣደዳ ሕማምን ጥሜትን ዝኾነሉ ሕልክላካት ዝበዝሕዎ እዋን ኣለና ኢሎም።

ዶክተር ደብረፅዮን ሓድነትና ብምስጣም ሉኣላውነትና ምረግጋፅ ከምዝግባእ ዘመላኸቱ ኮይኖም፣እዚ ኣትናዮ ዘለና ከቢድን ዝተደራረበ ፀገምን ሰጊርና ናብ ዝለዓለ ብራኸ ክንድይብ ብሓድነት ምስራሕ ከምዝግባእ ኣመላኺቶም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *