Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ኣብ ክልል ኣምሓራ መጥቃዕቲ ዝወረዶም ሱዳናውያን ስደተኛታት ምሕጽንታ ኣቕሪቦም

መዓስከር ስደተኛታት

8 ጉንቦት 2024, 13:32 EAT

ብሰንኪ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ምዕራብ ጎንደር ካብ ዝርከብ ክልተ መዕቆቢ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝወጹ ሱዳናውያን ስደተኛታት ሓገዝን ሓለዋን ክግበረሎም ተማሕጺኖም።

ቍጽሪ ናይቶም ኣብ ኩመርን ኣውላላን ዝርከብ መዕቆቢ ሕቡራት ሃገራት ዝወጹ ስደተኛታት 7 ሽሕ ክበጽሕ ከምዝኽእል ሎሚ 30 ሚያዝያ ሰለስተ ስደተኛታት ሓቢሮም።

ምንጭና ነዚ ቍጽሪ ብነጻ ከረጋግጽ ኣይከኣለን።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ’ቲ ፍጻመ ንቢቢሲ መልሲ ኣይሃበን፤ ሮይተርስ ግን ድሕሪ ተደጋጋሚ ጸገማት ጸጥታ 1000 ስደተኛታት ካብ መዓስከር ኩመር ከምዝሃደሙ ሓቢሩ።

ብመሰረት ጸብጻብ ሮይተርስ፡ ካብቶም ኣብቲ መዕቆቢ ዝነበሩ 8 ሽሕ ስደተኛታት እቶም 7 ሽሕ ስደተኛታት ብናይቲ ከባቢ ሚሊሻታት መጥቃዕትን ዝምታንን ምስተፈጸሞም ዝሓለፈ ሰሙን ረቡዕ ንግሆ ካብቲ መዓስከር ወጺኦም ከምዝሓደሩ ተዛሪቦም።

እቶም ስደተኛታት፡ ሓለዋ ንምድላይ ኣብቲ ቀንዲ ጎደናን ኣብ ጥቓ መደበር ፖሊስ ፖሊስን መዓልታት ከም ዘሕለፉ ገሊጾም።

ሓደ ስደተኛ ሎሚ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቶም ሓገዝ ዝልምኑ ዘለዉ ስደተኛታት ካብ መንግስትን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዝዀነ ነባሪ ፍታሕ ከምዘይረኸቡ ሓቢሩ።

“ሓገዝ የድልየና እዩ፣ ካብ ሽግር ክንሃድም ኢና መጺእና፣ ሕጂ ድማ ካልእ ጸገም ኣጋጢሙና ኣሎ” ክብል ተማሕጺኑ።

እቶም ስደተኛታት ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ብዕጡቓት መጥቃዕቲ፡ ምዝማትን ገንዘብ ምጭዋይን ብተደጋጋሚ ከምዘጋጠሞም እዮም ዝገልጹ።

እቶም ስደተኛታት ቅድሚ ካብቲ መዕቆቢ ቦታታት ምውጽኦም ኣብ ዝነበረ ለይቲ ተዅሲ ይስማዕ ከምዝነበረ ሓደ ካብኣቶም ሓቢሩ።

“ኣብ ዳስ [መጽለሊ] እንተጸኒሐ፡ ምናልባት መጺኦም ብጥይት ክቐትሉኒ እዮም። ኣብ ሓደጋ ዝኣተኹ ኰይኑ ስለ ዝተሰምዓኒ ክድቅስ ኣይከኣልኩን። እቲ ቦታ ብለይቲ ኣዝዩ ሓደገኛ ስለዝዀነ ኣብኡ ምሕዳር ኣይከኣልን” ኢሉ።

ምክትል ኣመሓዳሪ ዞባ ምዕራብ ጎንደር ኣንዳርጌ ጌቱ፡ እቶም ስደተኛታት ካብቲ መዕቆቢ ከምዘይወጹ ትማሊ ሰኑይ ገሊጹ ነይሩ።

ንሱ፡ ነቲ ጸብጻብ ብምንጻግ፡ “ዝዀነ ስደተኛ ኣይወጸን” ብምባል’ዩ መልሲ ሂቡ።

“ቅድሚ በዓል ናብ ጎንደር ክንከይድ ዝብል ዝንባለ ነይርዎም። መሓውር ጸጥታ ከይዱ ምስኦም ተዘራሪቡ እቲ ጸገም ተፈቲሑ” ኢሉ።

እቶም ስደተኛታት ሕቶኦም ኣብ ቀረብን ምክፍፋልን መግብን ማይን ዝተኣሳሰር ከምዝነበረ እውን ኣረዲኡ።

ይዅን’ምበር፡ ካብቲ መዓስከር ዝወጹን “ንዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ተቓላዕቲ ዝዀኑን” ስደተኛታት “ጭውያታትን ምዝማትን ከጋጥሞም ይኽእል’ዩ” ክብል ወሲኹ ተዛሪቡ።

ኣብ ኩመር ዝሰፈሩ ሱዳናውያን ስደተኛታት ኣብዚ ቀረባ እዋን ናብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝጸሓፍዎ ደብዳበ፡ ንኣዋርሕ ዝኣክል ከቢድ ናይ ጸጥታ ጸገማት፡ ከም ጭውያ፡ ቅትለት ከምኡ’ውን ዕጥቃዊ ምዝማት ከምዘጋጠሞም ጸብጻብ ሮይተርስ ሓቢሩ እዩ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ምዕራብ ጎንደር ካብ መተማ 70 ኪሎ ሜትር ርሒቘም ዝርከብ መዕቆቢ ኩመርን ኣውላላን ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቝባን ዝሓዙ ምዃኖም ይፍለጥ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *