Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

ዩንቨርስቲ ዓዲግራት ቅበላ ተምሃሮ ካብ 29 ሓምለ ክሳብ ባሕቲ ነሓሰ 2015 ዓ/ም ከም ዘካይድ ገሊፁ።

ፕረዚደንት ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት ዶክተር ዛይድ ነጋሽ ንድምፂ ወያነ ትግራይ ከም ዝበልዎ ብሰንኪ ኵናት እቲ ዩኒቨርስቲ ኣብ ስነልቦና ሓይሊ ሰቡን ዉሽጣዊ ናዉትን ኣዝዩ ከቢድ ሃስያ ዋላ እንተበፅሖ ንዘጋጥምዎ ክፍተታት ንምምላእ ከካይዶም ዝፀንሐ ፃዕሪታት ይዉገኑ ስለ ዘለዉ ኣብ ቀረባ ምምሃር ምስትምሃር ክጅምር እዩ ።

ስለ ዝኮነ ብሰንኪ ኵናት ትምህርቶም ዘቋረፁ ተምሃሮ እቲ ዩኒቨርስትን ኣብ ካልኦት ዩኒቨርስቲታት ክመሃሩ ዝፀንሑን ግን ድማ ብሰንኪ ፖለቲካዊ ፀገም እዛ ሃገር ናብቲ ዝመሃርሉ ዩኒቨርስቲ ከይዶም ክመሃሩ ዘይክእሉ ብድምሩ

እቲ ዩኒቨርስቲ ብዉሽጣዊ ዓቅምታቱ ንሰራሕተኛታቱ ኣብ ዙርያ ትሮማ ስልጠና ከም ዝሃበን ዝዓነዉን ዝተሰረቑን ናዉቲ ድማ ዘድሊ ፅገናን ምምላእን ብመምህራን እቲ ዩኒቨርስቲ ከም ዝተሳለጠ ኣረዲኦም ።

ብዘይካ እዚ እቲ ዩኒቨርስቲ ናይ 12 ሃገራዊ መልቀቂ ፈተና ንዝወስዱ ተምሃሮ ዞባታት ምብራቕን ማእኸልን መጠናኸሪ ትምህርቲ ንምሃብ እዉን ክቕበሎም ዘድሊ ቅድመ ምድላዉ ምፅፋፊ ዶክተር ዛይድ ሓቢሮም ኣለዉ ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ዘዘራረብናዮም መምህራንን ድጋፍ ወሃብትን እቲ ዩኒቨርስቲ ኣብ ዝሃቡና ርኢቶ ድማ ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት ብሓይሊታት ፅንተት ከቢድ ጉድኣት በፂሕዎ ዋላ እንተነበረ ማሕበረሰብ እቲ ዩኒቨርስቲ ስርሑ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ንክጅምር ዘርኣይዎ ቁሩቡነትን ዉፉይነትን ኣዝዩ ዝነኣድ ከም ዝኮነ ተዛሪቦም።

ድወት

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *