መበል ታሽዓይ ዓለምለኸ መድረኽ መፅናዕቲ ቋንቋታት ትግራይ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ከተማ መቐለ ብዕሊ ተጀሚሩ።
እቲ ዓለምለኸ መድረኽ ብኣካዳሚ ቋንቋታት ትግራይ ዝተዳለወ ከምዝኾነ ኣብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
ካብ 12 ክሳብ 13 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም ንክልተ ተኸታተልቲ መዓልታት ከምዝፀንሕ ተሓቢሩ።
ኣብቲ መድረኽ፥ ብርክት ዝበሉ መፅናዕትታት ብኹሎም ቋንቋታት ትግራይ ከምዝቐርቡ ካብቲ ዝወፀ መርሃ
ግብሪ ንምርዳእ ተኻኢሉ።
