🔶 ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካን ብሪጣንያን ኣብ ዩክረይን ምብጻሕ የካይዱ ኣለዉ። ክልቲኦም ላዕለዎት ዲፕሎማሰኛታት ኣብ ልዕሊ እታ ንሩስያ ኣጽዋር ተቐብል ኣላ ዝበሉዋ ኢራን ሓድሽ እገዳታት ድሕሪ ምግባሮም’ዮም ናብ ርእሰከተማ ኪቭ ኣትዮም ዘለዉ። ምስ ፕረዚደንት ቮለድሚር ዘለንስኪ ብምርኻብ’ውን ዘለዎም ደገፍ ገሊጾም ኣለዉ።
🔶 ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ተዋፊሩ ዘሎ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ የመናውያን ዕጡቓት ከካይዶ ዝጸንሐ መጥቃዕትታት ይቕጽሎ’ሎ። ማእከላይ እዚ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ መዓልታት ጥራይ ሓሙሽተ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲን ክልተ ስርዓተ-ሚሳይላትን ከምዘዕነወ ገሊጹ።
🔶 ንጥፈታት ማዕርፎ ነፈርቲ ኬንያ፡ ብሰንኪ ኣድማ ሰራሕተኛታት ደስኪሉ ውዒሉ። ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ጆሞ ኬንያታ ሓያለ በረራታት ብምስራዞምን ብምድንጓዮምን ብዙሓት ገያሾ ኣብ ሰንፈላል ይርከቡ። እቶም ሰራሕተኛታት፡ ነቲ ማዕርፎ ነፈርቲ ናብ ሓደ ብህንዳውያን ዝወነን ናይ ብሕቲ ትካል ንምስግጋር ዝሕሰብ ዘሎ እማመ ብምቅዋም’’ዮም ተቓውምኦም ዘስምዑ ዘለዉ።
🔶 እስራኤል ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ፍልስጤም ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ኣየር ሓሙሽተ ሰባት ከምዝቐተለ ሰብመዚ ጥዕና ፍልስጤም ሓቢሮም። ሰራዊት እስራኤል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ብሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ ዝተኻየደ ደብዳብ ሓደ “ዕጡቕ ዋህዮ ኣሸበርቲ” ዒላማ ከምዝገበረ የመልክት።
🔶 ኣብ መወዳእታ፡ ኮኾቭ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ዓለም ዝኾነ ክርስትያኖ ሮናልዶ ንኣሰልጣኒ እንግሊዛዊት ክለብ ማንቸስተር ኤሪክ ተን ሃግ ነቒፉ። እቲ ምስ ዩናይትድ ብዙሕ ዓወታት ዝተጓናጸፈ ሮናልዶ፡ ተን ሃግ ዝህቦ ዘሎ ናይ ተሰዓርነት መግለጺታት ደው ኣቢሉ ዋንጫ ፕሪሜርሊግን ቻምፕዮንስሊግን ንምዕታር ክመጣጠር ኣለዎ ኢሉ።
Www.cootm.com
