Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

✤#ኣርሚ 33 ንስድራ ስዉኣት ከተማ ሓውዜን ን4ይ ግዜ 50 ኩንታል ሕሩጭ ፊኖ ሓጊዝና! ንሕብረተሰብና ኣብ ክረምታዊ ማእቶት ብጉልበትን ብርካቦን ንምሕጋዝ ምድላዋት እናገበርና ንርከብ።

ኣብቲ ሓገዝ ዝተረኸቡ ም/ከንቲባ ከተማ ሓውዜን ኣይተ ኪሮስ በየነ እዞም ሓይልታት ፀጥታ ካብታ ዘላቶም ቀኒሶም ብተደጋጋሚ እንትሕግዙና ኣብ ማሕበረሰብና ዘሎ ኩናት ዝፈጠሮ ኢኮኖሚያዊ ፀገም ኣብ ምቕራፍ ልዑል ኣበርክቶ ይገብሩ ብምህላዎም ብሽም ህዝብን ምምሕዳርን ከተማ ሓውዜን ካብ ልቢ እናመስገና ሎሚ ድማ 50 ኩንታል ፊኖ ኣተኣኻኺልና ንኹልኹም ክነብፅሕ ስለዝገበሩና ክብረት ይሃበልና” ኢሎም።

ካብ ተሓገዝቲ ስድራ ስውኣት መ/ር ሃይለስላሴ ገ/ሃንስ ብወገኖም ” ኣብ በረኻ ናይ ዝሓደግናዮም ብፆትና ስድራ ምክንኻን ናትና ግደ እዩ ኢልኩም!! ትንኣስ ትዕበ ብዘየገድስ ንቆልዓ ሕምባሻ ክትኮን፣ ንሽማግለ መሕደሪት ነብሲ ክትከውን ኢልኩም ንስኹም ጠሚኹምን ፀሚእኹምን ስለዝረዳእኹምና ኣምላኽ መሳኹም ይኽፈልኩም” ክብሉ ኣመስጊኖም

ኣብ መወዳእታ ተወካሊ እቶም ሓይልታት ፀጥታ ተጋዳላይ ገ/ሂወት (ፃዕዱ) ” እዙይ ውህብቶ እዩ ኢልና ኣይኮናን የግዳስ ስውኣት ብፆትና ኣብ ቅነ ዝኽሪ መዓልቲ ሰማእታት እንትነኽብር ብቃል ጥራሕ ካብ ዝኾን ብተግባር ካብታ ዘለትና ቀኒስና ስድርኦም ብምሕጋዝ ክኾን ኣለዎ ዝብል መልእኽቲ ንምትሕልላፍ እምበር እኽልቲ ኣይኮነትን.. ግን ስድራ ስውኣትና ኣጆኹም ብመስዋእቲ ደቅኹም ንሬድኤት ዘይትፅበ መፃኢት ትግራይ ንምህናፅ እጃምና ክንዋፃእ ኢና። ኣብ ክረምታዊ ማእቶት ውን ብጉልበትናን ብርካቦናን ክንሕግዝ ንዳሎ ኣለና ካልኦት ወገናት ውን ንሓግዝ።”ክብሉ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *