ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ጉዳያት ርክብ ህዝቢ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ኣይተ ሚኪኤለ ምሩፅ ሐዚ ምስ ዘሎ ፓለቲካ ትግራይ ተታሓሒዙ መሓውር መሊኡ ናብ ስሩዕ ስራሕቱ ከይኣቱ ዕንቅፋት ይኸውን ከምዘሎ ብምሕባር ኣብ ሕርሻ ተዋፊሩ ዝርከብ ብዓል ሞያ ክረምታዊ ማእቶት ንክዕወት ክሰርሕ ፀዊዓም።
ሐዚ መደበኛን ልዕሊ መደበኛን ዝናብ ይዘንብ ከምዘሎ ዝሓበሩ ኣይተ ሚኪኤለ ትንበያ ሜትሮሎጂ ውሑጅን በረድን ክህሉ ከምዝኽእል የመላኽት ኢሎም።
ሓደጋ ውሑጅ ኣብ ዞባታት ምብራቕን ደቡብን ትግራይ ከምዘጋጠመን ኣብ ዝራእቲ ከቢድ ሓደጋ የብፅሕ ከምዘሎን እውን ኣመላኺቶም ከም ፀብፃብ ትግራይ ቲቪ ።
★ ኣብ እዋን መኸተ ዘርኣዮ ዝተዋደደን ዕዉትን ምንቅስቓስ ኣብ ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ ‘ውን ንምድጋም ብልዑል ሕራነ ከምዝረባረብ ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ዝርከብ ማሕበር ሕድሪ ጀጋኑ ሰማእታት ትግራይ ገሊፁ።
እቲ ማሕበር ዓርሰ ምርኮስኡ ንምጥንኻር ዝሕግዙዎ ፕሮጀክትታት ሓንፂፁ ምንቅስቓስ ከምዝጀመረ እዉን ተሓቢሩ ኣሎ።
★ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ካርቱም ናብ ዝሳለጥ ኣብ ኣተገባብራ ስምምዕነት ጅዳ ዝምልከት ዘተ ሰላም ዝሳተፉ ወከልቱ ከምዝለኣኸ ተገሊፁ።
እቲ ልኡኽ ኣብ ኣፈፃፅማ ስምምዕነት ጅዳ ከምዝዝቲ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ስግግር መንግስቲ ሱዳን ምግላፁ ሽንህዋ ፀብፂቡ ኣሎ።
ነሓሰ 14 ብተበግሶ ኣመሪካ ኲናት ሕድሕድ ሱዳን ብልዝብ ንምፍታሕ ኣብ ጀኔቫ ተፀዊዑ ኣብ ዝነበረ ዘተ ሰላም ሰራዊት ሱዳን ከምዘይተሳተፈ ይፍለጥ።
ህፁፅ ደገፍ ወሃብቲ ሓይልታትን ሰራዊት ሱዳንን ስምምዕነት ጅዳ ብምጥሓስ ንሕድሕዶም ከምዝካሰሱ እውን ይሕበር። ስምምዕነት ጅዳ ፣ድሕንነት ሰላማውያን ሰባት ክሕሎ፣ናይ ውልቀን ህዝብን ንብረት ክሕለውን ዝዓለመ ምዃኑ ይግለፅ።
እቲ ኲናት ኣስታት 16 ሽሕ ሰባት ክሞቱ፣ልዕሊ 10 ሚሊዮን ክመዛበሉን 2.2ሚሊዮን ድማ ክስደቱን ምኽንያት ምዃኑ ፀብፃብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት የመላኽት።
★ ሶማልያ ሓንቲ ካብተን ብከበድቲ ሰብኣዊ ቅልውላዋት ዝተጠቐዓ ክፋላት ዓለምና ሓንቲ ኮይና ትቕጽል ኣላ ክብል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊፁ ።
ኣብ ሶማልያ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ኣዝዩ ንከቢድ ስቓይ ተቓሊዖም ካብ ዘለዉ ፣ እታ ሃገር ከበድቲ ሰብኣዊ ቅልውላዋት ዓለምና የተኣናግዳ ካብ ዘለዎ ሃገራት ኣብ ዝኸፈአ ኩነታ ዝምደብ ተተኣናግድ ሃገር ኮይና ትቕጽል ኣላ ክብል ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት (UN OCHA) ብምኽንያት ዓለማዊ መዓልቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘውፅኦ ፀብፃብ ኣፍሊጡ ኣሎ።
እቲ ስቓይ ኣብታ ሃገር ብሰንኪ ተደጋጋሚን እናሓየለን ዝኸይድ ዘሎ ለውጢ ኩነታት ኣየር ፣ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ግጭታት፣ ለበዳ ሕማማት ከምኡ’ውን ኣብ ሃቀርኒ ኣፍሪካ ዘጋጥም ቁጠባዊ ናህሪ ምዃኑ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ ።
★ ፕረዚደንት ባይደን ፣አብ ማእኸላይ ምብራቕ ስምምዕነት ቶኽሲ ደው ምባል ክፍረም ተኽእሎ ከምዘሎ ኣመላኺቶም።
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ፣አብ ማእኸላይ ምብራቕ ስምምዕነት ቶኽሲ ደው ምባል ክፍረም “ተቓሪቡ ኣሎ”ክብሉ ተሰሚዖም።
እቶም ፕረዚደንት ኣብ ጉዳይ ዘተ ሰላም ጋዛ ምስተሓተቱ “ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ዝካየድ ድርድር ቅድሚ ሐዚ ካብ ዝነበረ ከይዲ ዝሓሸን ስምምዕነት ቶኽሲ ንምፍራም ከምዝተቓረበን” እዮም ኣመላኺቶም።
ብ ኣሜሪካ፣ግብፅን ኻታርን ዝወፀ መግለጺ ፣ተጓነፅቲ ወገናት ቶኽሲ ደው ከብሉ ሓያል ፃዕርታት ከምዝገበሩ ዘመላኽት እዩ።
ወፃኢ ጉዳይ ሚኒስተር ኣመሪካ ኣንቶንዮ ብሊንከን ናብ እስራኤል ተጓዒዞም ስምምዕነት ቶኽሲ ክብፃሕ ከምዝዝትዩ እውን ሽንህዋ ፀብፂቡ።
★ ኣብ ተመሳሳሊ ዛዕባ ሕዚ ስምምዕ ቶኹሲ ደው ምባል ጋዛ ወሳኒ እዋን እዩ ፣ ምናልባት እውን እቲ ዝበለፀን ናይ መወዳእታ ዕድል ክብሉ ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ኣንቶንዮ ቢሊንከን ተዛሪቦም።
ከም ፀብፃብ ኤጀንስ ፍራንስ-ፕረስ ብሊንከን ፕረዚደንት ጆ ባይደን “ነዚ ስምምዕ ናብ መወዳእታ መስመር ንምብጻሕን ንታሽዓይ ግዜ ናብ ማእከላይ ምብራቕ ዘካይድዎ ዘለዎ ምብፃሕ ፡ ሎሚ ሶኑይ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንጃሚን ናታንያሁ ክራኸብ መደብ ተታሒዙሉም ኣሎ።
ኣቐዲሞም ምስ እስራኤላዊ ፕረዝደንት ሄርዞግ እስራኤላውያን ከምዝተራከቡን ድሕሪ እቲ ነቲ ኲናት ዘበገሰ መጥቃዕቲ 7 ጥቅምቲ ክሳብ ሕዚ ኣብ ጋዛ ተታሒዞም ዘለዉ እስራኤላውያን ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፎም ክምለሱ ክርእዩ ከምዝደልዩ ገሊፆም ።
ፀሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶንዮ ቢሊንከን ቀዳምነት ኣብ ጋዛ ተኹሲ ደው ምባል ሕዚ “ወሳኒ እዋን” ምዃኑ ብምግላጽ ነቲ ኲናት ንምቁራጽ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ስምምዕ ንምፍጻም ዋሽንግተን ትገብሮ ዘላ ዲፕሎማስያዊ ድፍኢት “ምናልባት እቲ ዝበለጸ ምናልባት እውን ናይ መወዳእታ ክኸውን ይኽእል እዩ” ክብሉ ገሊፆምዎ ።
ብሊንከን ብተወሳኺ ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣብ ቴህራን መራሒ ሓማስ እስማዒል ሃኒየ ድሕሪ ምቕታሉ ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ክትፍጽሞ እትኽእል መጥቃዕቲ ስክፍታታት ኣብ ዘለዋሉ እዋን ዋሽንግተን ዞባዊ ጎንፂ ከይፍጠር ንምርግጋጽ ትሰርሕ ከምዘላ ገሊፆ ይብል ዘ ጋርድያን ብግድኡ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ ።
★ ዮክሬይን ስትራቴጂክ ድልድይ ሩስያ ከምዘዕነወት ኣሚና ።
ዕጥቕን ስንቅን ሰራዊት ሩስያ ንምግታእ ዮክሬን ኣብ ግዝኣት ኩርስክ ዝርከብ ድልድይ ከምዘፍረሰቶ ትገልፅ ።
ኣዛዚ ሓይሊ ምክልኻል ዮክሬን ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ሓይሊ ኣየር ዩክሬን ኣብ ግዝኣት ኩርስክ ዝርከብ ኣብ ሩባ ሴይም ዝተዘርገሐ ድልድይ ከምዘዕነወ ኣፍሊጦም።
ከም ገለፃ መንግስቲ ዮክሬን ሓይሊ ምክልኻል ዩክሬይን ኣብ ግዝኣት ኩርስክ ልዕሊ ሰማንያ መንደራት ልዕሊ ሓደ ሽሕን ሓደ ሚኢትን ሓምሳን ስኬር ኪሎሜትር ምሓዙ ኣፍሊጡ።
ኣብ ኣውሮጳ ድሕሪ ካልኣይ ኩናት ዓለም ዓብይ ዝተብሃለ ኩናት ሩስያን ዮክሬንን ብ ኣማእቲ ሽሕ ዝቑፀሩ ሰባት ካብ ክልቲኦም ወገናት ከምዝሞቱ ኣር ኤን ዜድ ፀብፂቡ።
