እዚ ዝተገለፀ ሎሚ ኣብ ዝጀመረን ንተኸታኣሊ ሰለስተ መዓልታት ዝፀንህ ዓለምለኸ ዋዕላ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ምሁራትን ሰብሞያን ትግራይ እዩ።
ኣብቲ ” ትግራይ ድሕረ ፅንተታዊ ኩናት ናብ ዝሐሸ ብራኸ ወይስ ዕንክሊላዊ ጉዕዞ ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ይካየድ ኣብ ዘሎ ዋዕላ ጉዳያት ጂኦ ፖለቲካዊ ኣቀማምጣ ትግራይ ኣብ ዘይቃዶ ፅምዶ ምህላው ስዒቡ • ኣድማስ ዲፕሎማሲና ዓለም ለኻዊን ንፁር ክኸውን ፣ ሃለዋታዊ ረብሓ ትግራይ ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ዘይንዋገየሉ ዋኒን ሙኻኑ ተሰሚርሉ እዩ
★ ሓይሊ ዕማም ህፁፅ ምላሽ ንትግራይ ካብ ነበርቲ ሃገረ ኣውስትራልያ ማሕበር ተጋሩ ኮሚኒቲ ቪክቶርያ ዝተለገሰ ሓገዝ 4 ነጥቢ 2 ሚሊዮን ብር ተረኪቡ።
ኣባላት ሓይሊ ዕማም ህፁፅ ምላሽ ንትግራይ ስነጥበባዊ ኢሳያስ ታደሰን ብርኽቲ ሃይለን ሎሚ ከምዝሓበርዎ ነበርቲ ሃገረ ኣውስትራልያ ማሕበር ተጋሩ ኮሚኒቲ ቪክቶርያ ቅድም ክብል 16 ሚሊዮን ብር ከምዘወፈዩ ብምዝኽኻር ሐዚ እውን 4 ነጥቢ 2 ሚሊዮን ብር ከምዝለኣኹ ብምሕባር ብስም ህዝቢ ኣመስጊኖም።
ኣብ ፀገም ዝርከብ ህዝቢ ንምሕጋዝ 12 መስከረም 2017 ዓ.ም ዓብይ ቴሌቶን ምትእኽኻብ እቶት ከምዝሳለጥ ዝሓበሩ ኣባላት ሓይሊ ዕማም ህፁፅ ምላሽ ንትግራይ ደቂ ኣሸንዳ ካብ ዝረኽብኦ ኣታዊ ህዝበን ንምድሓን ንህፁፅ ምላሽ ንትግራይ ኣታዊ ክገብራ ፀዊዖም።
★ ግብጽን ሶማልያን ወተሃደራዊ ምትሕብባር ተፈራሪመን
ኣብ ካይሮ ናይ ክልተ መዓልቲ ዕላዊ ዑደት የካይዱ ዘለው ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ምስ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብዱልፈታሕ ኣልሲሲ ተራኺቦም ኣብ ዝተፈላለዩ ርእሰ ጉዳያት ድሕሪ ምዝታይ እዩ ሓቢሮም ንኽሰርሑ ተሰማሚዖም ዘለው ።
ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ግብጺ ልኡላዊነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሃገሩ ንምክልኻል ንእትገብሮ ጻዕሪ ብምምስጋን፡ እቲ ውዕል ራዕዳዊ ተግባራት ንምክልኻልን ሰላም ንምውሓስን ጠቓሚ ከምዝዀነ ጠቒሱ።
ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ግብጺ ብወገኑ፡ ኣልሲሲ ልኡላዊነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሶማልያ ንኽሕሎን ከምኡ’ውን ኣብ ዘቤታዊ ጉዳያት እታ ሃገር ዝፍጠር ኢድ ኣእታውነት ከምዝቃወም ምግላጹ ሓቢሩ።
ካብ ሶማሊያ ተነጺላ “ነጻ ሃገር ከምዝዀነት” ዝኣወጀት ሶማሊላንድ ምስ ኢትዮጵያ ድሕሪ ዝኣተወቶ ውዕል ዝምድና ግብጽን ሶማልያን እናሓየለ ይኸይድ ኣሎ ክብል ዝፀብፀበ ቢቢሲ እዩ።
★ ውድብ ጥዕና ዓለም በዲዶ-ህበይ ህጹጽ ዓለማዊ ስግኣት ምዃኑ ኣዊጁ።
ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ገለ ክፋል ኣፍሪቃ ዝረአ ዘሎ ለበዳ በዲዶ-ህበይ (ኤምፖክስ – ‘mpox’) ዓለማዊ ቆላሕታ ዝጠልብ ህጹጽ ስግኣት ጥዕና ክብል ኣዊጁ።
ዋና ዳይረክተር እቲ ውድብ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ ውሽጢ ኣፍሪቃን ካብኣ ወጻእን ዝያዳ ናይ ምልባዕ ተኽእሎኡ “ኣዝዩ ዘተሓሳስብ’ዩ” ኢሎም። “
ነዚ ለበዳ ደው ንምባልን ህይወት ንምድሓንን ዝተዋደደ ዓለምለኻዊ ምርብራብ ኣገዳሲ’ዩ” ክብሉ እውን ኣተሓሳሲቦም። እቲ ቅድም ክብል ብ ‘ማንኪ ፖክስ’ ዝፍለጥ ዝነበረ ኣዝዩ ተላባዒ ሕማም ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጐ ኣብ ዝነበረ ናይ መጀመርታ ለበዳ ብውሕዱ 450 ሰባት ቀቲሉ።
ኣብዚ ሕጂ ድማ ኣብ ገለ ክፋል ማእከላይን ምብራቕን ኣፍሪቃ ተዘርጊሑ ኣሎ። ተለዋዋጢ ዓይነታት እቲ ሕማም ብቕልጡፍ ይዝርጋሕ ምህላዉን ብሰንኩ ዘጋጥም ልዑል መጠን ሞትን ንተመራመርቲ ኣሻቒልዎም ኣሎ።
★ ኣብ ዶሃ ክሳለጥ ተሓሲቡ ዝነበረ ዘተ ሰላም ሓማስን እስራኤልን ከምዘይሰመረ ይግለፅ ።
ኣብቲ ሎሚ ኣብ መዲና ኻታር ዶሃ ክሳለጥ ምዃኑ ተገሊጹ ዝነበረ ዘተ ሰላም ሓማስ ከምዘይርከብ ገሊጹ ኣሎ።
ቢቢሲ ካብ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን እቲ ውድብ ረኺበዮ ኢሉ ኣብ ዝዘርግሖ ዜና ፣ሓማስ ኣብቲ መድረኽ ከምዘይርከብን ቀንዲ ምኽንያቱ ድማ ቕትለት እስማኢል ሐኒያ ምዃኑ ገሊፁ።
ኣብቲ ዘተ ሰላም ክሕቲኦም ሓይልታት ስምምዕነት ቶኽሲ ደው ምባል ክፍሩምን ሓማስ ዝዓገቶም እስራኤላውያን ክምልስ ንምድርዳር ዝዓለመ ምንባሩ ይግለጽ።
ሓማስ ዝካየዱ ድርድራት ግልፂ መራሒ መንገዲ ክህልዎም ከምዝሓተተ ተገሊፁ።እስራኤል ጨፍጫፍ ሰላማውያን ፍልስጤማውያን ኣጠናኺራ ቀፂላትሉ ኣላ ብምባል እውን ኸሲሱ።
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ነተንያሁ ነቲ ኽሲ ነፂጎሞ ኣለው።እቲ ዘተ ሰላም ሓማስ ኣብ ዘይብሉ ኻታርን ግብፅን ኣብ ዘለዋሉ ከምዝሳለጡ ድማ ተገሊጹ።
ብተበግሶ ኣመሪካ ኲናት ጋዛ ብስምምዕነት ቶኽሲ ደው ምባል ዕልባት ክረክብ ዝስራሕ ዘሎ ስራሕ ዛጊድ ብዙሕ ፀገማት የጋጥምዎ ከምዘለው ይግለፅ ኣሎ።
★ ኣብ ህንዲ ኣብ ሓደ ሆስፒታል ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ሓኪም ዝተፈጸመ ዘስካሕክሕ ዓመጽን ቕትለት ስዒቡ ተቓውሞታት እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።
ኣብ ብርክት ዝበላ ከተማታት ህንዲ ኣብ ሓደ ለይቲ ጥራሕ ብኣሽሓት ዝቑፃራ ደቂ ኣንስትዮ ሰልፊ ከካይዳ ከለዋ ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ናሬንድራ ሞዲ ድማ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ንዝፍፀሙ ገበናት ፅኑዕ መቕጻዕቲ ክወሃቦም ፀዊዑ።
ኣብ መላእ ህንዲ ኣብ ዝርከባ ከተማታት ዝርከባ ብዙሓት መንግስታዊ ሆስፒታላት ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ብዘይካ ክፍልታት ህጹጽ ረድኤት ኩሉ ኣገልግሎታት ደው ኣቢለንኦ ነይረን፣ ሓካይም ኣብ ደገ ኮፍ ኢሎም ተቓውሞኦም ብምስማዕ ነታ ግዳይ ፍትሒ ክወሃባ ሓቲቶም ።
እታ ጓል 31 ዓመት ዶክተር ብዓርቢ ሞይታ ዝተረኸበት እንትኾን ፣ ብፖሊስ ከም ዝተዓመጸትን ከም ዝተቐተለትን ብድሕሪኡ ምስቲ ገበን ብዝተኣሳሰር ተጠርጣሪ እቲ ገበን ፓሊስ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ
ተገሊፁ ።
እዚ ዓመጽ ኣብ 2012 ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ ኒውደልሂ ተመሳሳሊ ጉዳይ ዘጋጠመ ተዘክሮታት ዘኻኸረ ኮይኑ ኣብቲ እዋን ጕጅለ ደቂ ተባዕትዮ ንሓንቲ ጓል 23 ዓመት ተማሃሪት ኣብ ተንቀሳቓሲት ኣውቶቡስ ደልሂ ዓሚጾም ብኸቢድ ኣቑሲሎምዋ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ናብ ሞታ ኣስዒቦማ
ተዋሳኢት ቦሊዉድ ዓልያ ባት ልዕሊ 85 ሚልዮን ተኸታተልቲ ዘለዎ ናይ ኢንስታግራም ገጻ ኣብ ዝዘርግሓቶ ፅሑፍ፣ “እዚ ዘስካሕክሕ ፍጻመ፡ ደቂ ኣንስትዮ ብዘይመጣጠን ጠገለ ዘይብሉ ድሕንነተን ንምርግጋጽ ሸኽሚ ከም ዝተስከማ መሊሱ ኣዘኻኺሩና ኣሎ” ኢላ።
ኣብ ህንዲ ኣብ 2022 ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍፀም ገበናት ካብቲ ቅድሚኡ ዓመት ብ4% ከምዝወሰኸ ካብ ሃገራዊ ቢሮ መዛግብቲ ገበን (NCRB) ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ዓመት ዝተዘርግሐ መረዳእታ ይሕብር ይብል ፀብፃብ ሮይተርስ ።
