እቲ ሕማም ኣብዚ ሐዚ እዋን ብቕልጡፍ እናተላበደ ኣብ 11 ጣብያታት እታ ወረዳ ተጋፊሑ ከምዝርከብ ካብ ቤት ጽሕፈት ጥዕና ወረዳ ኣስገደ ዝተረከበ ሓበሬታ የመላኽት።
እቲ ሕማም ኣብታ ወረዳ ካብ ዝተርኣየሉ እዋን ጀሚሩ ዛጊድ 284 ወገናት እንትተሓዙ ካብዚኣቶም እቶም 264 ሰባት ድሒኖም እንትወፁ ዝተረፉ 16 ተቃላዕቲ እቲ ሕማም ድማ ኣብ ክትትል ሕክምና ይርከቡ ። 4ተ ሰባት ድማ ሂወቶም ከምዝሓለፈ ንፀብፃብ ሓበሬታን ርክብን ወረዳ ኣስገደ ብምጥቃስ ጉዳያት ኮሙኒኬሽን ዞባ ሰሜን ምዕራብ ሓቢሩ ።
★ መንእሰይ ትግራይ ድሕሪ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኣወጀ ጀኖሳይዳዊ ኩናት ንኸቢድ ማሕበራዊ ፣ ስነ ልቦናውን ቕልውላው ተሳጢሑ ይርከብ ክብሉ ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ መምህርን ተማራማራይን ዶ/ር ሰለሞን ኣበራ ገሊፆም።
ዶ/ር ሰለሞን አበራ ነዚ ዝበሉ ብማሕበር መናእሰይ ትግራይን ሙሁራት ዩኒቨርስቲ መቐለን መናእሰይ ድሕሪ ኩናት ዘለዉሉ ኩነታት ትኹረት ገይሩ ኣብ ዝተገበረ መፅናዕቲ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዘተ ኣብ ዝተኻየደሉ እዋን እዩ።
★ ቻይና ንኣፍሪካ 51 ቢልዮን ዶላር ሓድሽ ምወላ ከምትገብር ተመፃቢዕ ፣ 1 ሚልዮን ስራሕ ኣብ ዘርኽቡ ኢንቨስትመት ትኹረት ከምትገብር ኣውን ቃል ኣትያ ።
ፕረዚደንት ሺ ጂንፒንግ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዝተሳለጠ ዋዕላ ቻይና -ኣፍሪካ ፣ ሃገሮም ቻይና ኣብ ዝቕፅሉ ሰለስተ ዓመት ኣስታት 51 ቢልዮን ዶላር ምወላ ብምግባር፣ ኣብታ ኣህጉር ዝያዳ ፕሮጀክትታት ትሕተ ቅርጺ ብምድጋፍን ብውሑዱ 1 ሚልዮን ዕድል ስራሕ ብምፍጣርን ዕዳ ዝተጻዕነት ኣፍሪካ እትህቦ ደገፍ ከም ክተሐይሉ ቃል ኣትዮም።
ቻይና ኣብ ኢንዱስትሪ፣ ሕርሻ፣ ትሕተ ቅርፂ፣ ንግድን ምስ ኣፍሪካ ዘለዋ ምትሕብባር ንምሕያል ድልውቲ ምዃና ዝገለፁ ፕረዝደንት ሺ “ቻይናን ኣፍሪካን ሓደ ሲሶ ብዝሒ ህዝቢ ዓለም ይሕዛ ፣ ብዘይካ ናይ ክልቲኦም ኣካላት ተስትፎን ዘመናዊ ምግባርን ዓለማዊ ዘመናዊ ዝበሃል ኣይክህሉን’ዩ” ምባሎምን ሮይተርስ ፀፂቡ ።
★ ሩስያ ኣብ ምርጫ 2024 ኢዳ ኣእትያ እያ ክትብል ኣሜሪካ ከሲሳ
ኣሜሪካ ንሩስያ ኣንጻር መንግስቲ ኣሜሪካን ዴምክራትን ኣሉታዊ ጎስጎስ ፕሮፓጋንዳ ብምንዛሕን ብናይ ምርጫ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ጎስጓስ ብምክያድ እያ ከሲሳታ ዘላ ።
ኣመሪካ ኣብ ሕዳር 2024 ኣብ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ጽልዋ ሩስያ ንምምካት ዝተፈላለዩ ስጉምትታት ክትወስድ ከምዝኾነት እውን ኣፍሊጣ ኣላ ።።
ብመሰረት እዚ ኣብ ልዕሊ ክልተ ሰራሕተኛታት መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሃን ሩስያ ሩስያ ቱደይ (RT) ክሲ ዝመስረተት እንትኸውን ኣብ ብርክት ዝበሉ መራኸቢ ማዕኸናት መርበባት ኢንተርኔትን ሩስያ ብ“ጎስጓስ ሕማቕ ጽልዋ ፀለመን ” ብሚልዮናት ዶላር ቕፅዓት ከም ትኸሶም ዓቃቤ ሕጊ እታ ሃገር ገሊፁ ።
ካብዚ ብተወሳኺ ዋና ዓቃቢ ሕጊ ሜሪክ ጋርላንድ፡ ንመንግስታዊ ፈነወ ሩስያ RTን ሩስያ ቱደይ፡ “ሕቡእ መልእኽቲ መንግስቲ ሩስያ ትሕዝቶ ንምፍጣርን ንዜጋታት ኣሜሪካ ኣብ ምዝራግን ምትላልን ” ተዋፊሮም ብዝብል 10 ሚልዮን ዶላር ከምዝኸፈሎም ኤፒ ሓኢሩ።
★ ሚኒስትሪ ወፃኢ ጉዳያት ዩክሬን ብፍቓዶም ካብ መዝነቶም ለቒቖም
ኩናት ሩስያን ዩክሬንን ካብ ዝጅምር ብፕረዝደንት ዘለንስኪ ምምሕዳር ቁልፊ ሰብ ኮይኖም ዝፀንሑ ኩሌባ ዕላዊ ብዘይገበርዎ ምኽንያት ካብ መዝነቶም ለቒቖም ።
ኩሌባ ናብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ብምዝወዋር ቁዋም ዩክሬን ብምንፅብራቕ ደገፍ ንምእካብ ልዑል ዲፕሎማሲያዊ ምንቅስቓስ ምግባሮም ይፍለጥ።
ሚኒስትር ወፃኢ ጉዳይ ዩክሬን ቅድሚ መልቀቒ ምእታውም ቅድም ኢሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ሓዊሱ ሰለስተ ዝተፈላለዩ ሰብመዚ ብፍቓዶም ካብ መዝነቶም ምልቃቖም ዝገልፅ ደብዳቤ ኣእቲዮም እዮም።
