Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

★ ኣብ ከተማ መቐለ ዝተሳለጡ ሃይማኖታዊን ህዝባዉን በዓላት፣ መንግስታውን ውድባውን መድረኻት ብሰላም ክሳለጡ ኣካላት ፀጥታ ምስ ሕብረተሰብ ተዋዲዶም ዝሰርሕዎ ምውሓስ ፀጥታ ዝነኣድ እዩ ክብሉ ጀነራል ዮዉሃንስ ወልደጀወርግስ (መዲድ) ገሊፆም ።

ጀነራል ዮዉሃንስ (መዲድ) ኣብ ዝሓለፉ ባዓላትን መድረኻትን ቀፀልቲ ትኹረታትን ኣመልኪቱ ኣብ ዝተሳለጠ ዘተ እዩ ነዚ ዝበሉ ።

ብቐፃልነት ውሕስ ስራሕቲ ፀጥታ ተጠናኺሩ ክቕፅል ድማ መንግስታዊን ዘይመንግስታዉን ትካላት ተልኡኾኦም ንምፍፃም ሕግን ስርዓትን ክስዕቡ ይግባእ ኢሎም ጀነራል ዮዉሃንስ(መዲድ) ።

ሎሚ ቅነ ዝተሳለጡ መድረኻትን በዓላትን ካብ ፖለቲካ ናፃ ዝኾኑ ደረቕን ውሑዳትን ገበናትን ስርቅን ከምዝተፈፀሙ ዝሓበሩ ጀነራል ዮዉሃንስ ወልደጀወርግስ ብቐፃልነት ዉሑስ ሰላም ክህሉ መንግስታዊ ትካላት ሕግን ስርዓትን ብምስዓብ ክሰርሓን ሰናይ ምምሕዳር ብምንጋስ ህዝቢ ፈትዩ ኣብ ጎኒ ስራሕቲ ኣካላት ፀጥታ ንክስለፍን ብዕቱብ ክንቀሳቐሳ ይግባእ ኢሎም ክብል ኮሙዩኒኬተር ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ፀብፂቡ።

★ ዑደት ኣምባሳደር ማሲንጋ ኣብ ትግራይ፣ኣብ ምርግጋፅ ውፅኢታዊነት ትግባረ ውዕሊ ፕሪቶርያ ኣብ ኣፈፃፅማ ዘለሉ ብርኪ ዘተኮረ ምይይጥ ከምዘካየዱ ኤምባሲ ኣሜሪካ ገሊፁ ።

እቲ ኤምባሲ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬት ፣ ኣምባሳደር ኤቨን ማሲንጋ ኣብ ትግራይ ዘላቒ ሰላምን ምርግጋእን ኣብ ምድንፋዕ ዘተኮረ ልዝብ ከምዘካየዱን ፣ ፖለቲካዊ ዘይምርድዳእ ብሰላማዊ ዘተ ምፍታሕ ኣገዳስነቱ ምጉላሕ ሽቶ ዑደቶም ከምዝኾነ ሓቢሩ ።

ብዘይካ እዚ እቶም ኣምባሳደር ኣብ ዑደቶም ፆታ መሰረት ዝገበረ ዓመጽ ዝበፅሐን ወገናት ፍሉይ ትኩረት ከምዝገበርሉን ኣብ ኣተገባብራ ዲ.ዲ.ኣር እውን ጠሚቶ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ከም ዝዝተይሉ እቲ ኤምባሲ ሓኒሩ ኣሎ ።

★ ትካል ገንዘብ ዓለም IMF ንግብጺ 820 ሚሊዮን ዶላር ኣመሪካ ክወሃብ ኣጽዲቑ ።

ትካል ገንዘብ ዓለም (IMF) ኣካል ናይቲ 8 ቢልዮን ዶላር ዝግመት መደብ ልቓሕ ዝኮነ 820 ሚልዮን ብቕልጡፍ ክልቀቐላ ኣጽዲቑ ኣሎ ።

እዚ ኣካል ናይቲ ኣብ መንጎ ግብጽን IMFን ኣብ ወርሒ መጋቢት ዝተኸተመ ዝተናውሐ ናይ 8 ቢልዮን ዶላር ኣሜሪካ ልቓሕ ስምምዕ ኮይኑ፡ እታ ሃገር ነቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ፅልዋ ዞባዊ ማእከላይ ምብራቕ ወጥሪ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ማክሮ ቁጠባኣ ዘስዕቦ ሃሰያ ንምፍታሕ ዝሕግዝ እዩ።

★ ኣሜሪካን ቻይናን ስትራተጂካዊ ርክብ ንምሕዳስ ‘ሓድሽ’ ዙርያ ርክብ ኣካይደን

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ዋንግ ዪን ኣብ ቻይና ዑደት ምስ ዘካይዱ ዘለው ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ኣሜሪካ ጄክ ሱሊቫንን ሎሚ ሰሉስ ኣብ ቤጂንግ ተራኺቦም “ሓድሽ” ዙርያ ስትራተጂካዊ ርክብ ቻይናን ኣሜሪካን ንምክያድ ዘተ ከም ዘሳለጡ መንግስታዊ ማዕኸን ዜና ቻይና ሺንሁዋ ሓቢሩ።

ሱሊቫን ኣብ መንጎ ክልቲኤን ዓበይቲ ሓያላን ዓለም ዲፕሎማስያዊ ውጥረት እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ንሰለስተ መዓልታት ዑደት ንምክያድ ኣዩ ሎሚ ሰሉስ ናብ ቤጂንግ ኣትዩም ዘለው ።

ዑደት ሱሊቫን ድሕሪ ሸሞንተ ዓመታት ብናይ ኣሜሪካ ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ኣብ ቻይና ንፈለማ እዋን ዝካየድ ዘሎ ዑደት ኮይኑ፡ ኣብ መንጎ ባይደንን ሺን ንኻልእ ዋዕላ መሰረት ዘንጸፈ ከምዝኾነ ተሓቢሩ ኣሎ ።

★ ሩስያ ንተኸታታሊ ካልኣይ መዓልቲ ዘካየደቶ ደብዳብ ሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ንፍርቂ ዩክሬን ደብዲባ ።

ሩስያ ትማሊ ሶኑይ ንመብዛሕትኡ ክፋል ዩክሬን ብምውቃዕ ዝጀመረቶ ከቢድ ደብዳብ ብሓደ ግዘ ልዕሊ 100 ሚሳይላትን 100 ድሮናትን ኣብ ጥቅሚ ክውዕል ገይራ ኣላ ።

ፕረዚደንት ቮሎዲሚር ዘለንስኪ “ጽዩፍ” ክብል ብዝገለጾ መጥቃዕቲ ኣርባዕተ ሰባት ዝቐተለ ኮይኑ ፣ ልዕሊ ደርዘን ዝቖሰልሉን ፣ በቲ መጥቃዕቲ ዳግማይ መፈልፈሊ ሓይሊ ዕላማ ዝገበረ ተግባር ኣሸበርቲ ሩስያ ኮይኑ ኣሎ” ብምባል መሻርኽቲ ዩክሬን ዝኾና ሃገራት ናይ ነዊሕ ርሕቀት ኣጽዋር ክህባን ኣብ ውሽጢ ሩስያ ኣብ ዝርከቡ ዕላማታት መጥቃዕቲ ክፍፀምን ፍቓድን ሓቲቶም ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *