ብሰንኪ ቅሉዕ ኵናት ካብ መረበተን ተሰዲደን ፈቖድኡ ማእኸላት መዕቆቢ ዝርከባ ስደተኛታት ደቂ ኣንስትዮ መግለፂ መንነተን ዝኾና በዓል ኣሸንዳ ክብርታትን ትውፊታቱን ሓሊና እናኽበርናዮ ንርከብ ክብላ ገሊፀን።
በዓል ኣሸንዳ ኣብ መንበሪ ቦታና ኮይንን ክነኽብሮ ኢና ክብላ ዓብዪ ተስፋ እኳ እንተነበረና ክብላ እተን ደቂ ኣንስትዮ ይኹን እምበር ናብ መረበትና ብዘይ ምምላስና ኣብ ከቢድ ፀገም ወዲቕና ንርከብ ክብላ ገሊፀን።
ሐዚ እወን እንተኾነ ብመሰረት ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ሰሪሕና ክንነብር ናብ መረበትና ብህፁፅ ክንምለሰ ይግባእ ክብላ ፃውዒተን ኣቕሪበን።
★ ኣብ ሰለስተ ወረዳታት ዞባ ምብራቕ ትግራይ ልዕሊ 97 ሽሕ ወፍሪ ተኸላ ፈልሲ ሓደ መዓልቲ ተሳሊጡ።
ኣማኻሪ ቁጠባ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ኣይተ ኣታኽልቲ ኣረፈ ከምዝሓበርዎ ኣብዚ ” ወፍሪ ተኸላ ፈልሲ ሓደ መዓልቲ” ብዝብል መራሒ ሓሳብ ኣብ ወረዳታት ጋንታ ኣፈሹም 29 ሽሕ ፣ሓውዜን 19 ሽሕን 54 ክልተ ኣውላዕሎ 49 ሽሕን 5 ሚኢትን ብሓፈሻ 97 ሽሕን 5 ሚኢትን 54 ፈልሲ ተኸላ ይሳለጥ ከምዘሎ ሓቢሮም።
★ ኣብ ምዕራብ ሪፓፕሊክ ዴሞክራቲክ ኮንጎ 29 ሰባት ህይወቶም ብሓደጋ ምጥሓል ጀልባ ከምዝሰኣኑ ተገሊፁ።
እታ ጀልባ 300 ሰባት ሒዛ ከምዝነበረት ዝገለፀ ኮይኑ፤ ኦሽወ ካብ ዝተበሃለ ቦታ ናብ ኒኦኪ ብፀልማት ክትጎዓዝ ከላ ከምዝጠሓለት ገሊፁ።
ክሳብ ሐዚ 15 ህፃናትን ደቂ ኣንስትዮን ዝርከበኦም ኣስከሬን 29 ሰባት ከምዝተረኸበ ዝተገለፀ እንትኾን፤ 120 ሰባት ድማ ብህይወት ምትራፎም ከምዝተፈለጠ እውን ሓቢሩ።
ቅድሚ ክልተ ወርሒ ኣብታ ሃገር ብዘጋጠመ ሓደጋ ምጥሓል ጀልባ ልዕሊ 80 ሰባት ህይወቶም ምስኣኖም ይዝከር።
★ ኣሜሪካ፣ ዓባይ ብሪታንያን ቻይናን ዝርከብዎም ሓያሎ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፣ ብሰፋሮ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ኣብ ዝተጎበጠ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ዝፍጸም ዘሎ ዓመጽ ኮኒኖም
መንግስቲ እስራኤል ድማ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ምድረበዳ ጋዛ ክኣቱ ክገብር ይግባእ ክብሉ ኣተሓሳሲቦም።
ኣብ ጋዛ ብእስራኤል ዝፍጸም ዘሎ ምምዝባል ንስራሕቲ ረድኤት ይዕንቅፍ ክብል እቶም ሃገራት ኣባላት ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቑ ኣለው ፣
★ ኣብ ጀርመን ዝርከብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣየር ቃል ኪዳን ኣትላንቲክ ሰሜን ኣመሪካ ኣብ ጥቡቕ ሓለዋ ከምዘሎ ተገሊፁ።
እቲ ኣብ ጀርመን ጌለንክሪችን ዝርከብ መዕርፎ ነፈርቲ ቃል ኪዳን ኣትላንቲክ ሰሜን ኣመሪካ ምኽንያቱ ዘይተገለፀ ሓደጋ ኣብ ጥቡቅ ሓለዋ ከምዝርከብ ኣናዳሉ ፀብፂቡ።
እቲ መዕርፍ ነፈርቲ እቲ ቃል ኪዳን ኣብታ ሃገር ዘለዎ ገዚፍ መዕርፎ ነፈርቲ ምዃኑ ይግለፅ።
ወሃቢ ቃል እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ዶንይ ዴመር ንኣናደሉ ከምዝሓበርዎ፤
ኣብ ፅዑቅ ሓለዋ ደሕንነት ኣለና ዝበሉ እንትኾን፤ኣብ ልዕሊ እቲ መዕርፎ ነፈርቲ መጥቃዕቲ ክፍፀም ከምዝኽእል ዘመላኽቱ ሓበሬታት ከምዘለው ኣመላኺቶም።
ኣብ ተልእኾ ዘየለው ሰራሕተኛታት ኣብ ውሑስ ቦታ ክፀንሑ ይግበር ከምዘሎ እውን ሓቢሮም።
★ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ፡ ዩክሬን ነቲ ኣብ ዶባዊ ዞባ ዝርከብ መመንጨዊ ኑክሌራዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኩርስክ ክተዕኑ ከምዝፈተነት ከሲሶም ።
ፑቲን ኣብ ርእሰ ከተማ ሞስኮ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ብዛዕባ ኣብ ዶባዊ ዞባታት ቤልጎሮድ፡ ብራያንስክን ኩርስክን ብወገን ዩክሬን ዝተወሰደሎም መጥቓዕቲ ኣብምቕልባስ ከምዝርከብ ገሊፆም ፣ ይኹን እምበር “ጸላኢ‘ ንዝበልዎ መንግስቲ ዩክሬን ትማሊ ምሸት ኣብቲ ከባቢ ንዝርከብ መመንጨዊ ሓይሊ ኒዩክለር (ኩርስክ) ከዓኑ ፈቲኑ” ኢሎም ።
ኣህጉራዊ ኤጀንሲ ኣቶሚክ ጸዓት (IAEA) ብዛዕባ እቲ ኩነታት ከምዝተሓበረ ዝገለፁ ፑቲን፡ IAEA ኣብቲ መመንጨዊ ሓይሊ ተፈቲኑ ብዛዕባ ዝተብሃለ ደብዳብን ንምፅራይን ዘሎ ኩነታት ንምግምጋምን ክኢላታት ክሰድድ ቃል ከምዝኣተወ ገሊጹ ክብል ኣናዶብ ፀብፂቡ ።
★ እስራኤል ንወፃኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ኣንቶንዮ ቢሊንከን ኣብ ቶኹሲ ደው ምባል ጋዛ ሽርሒ ኣለዎ ክትብል ምኽሳሳ ፍልፍላት እታ ሃገር ሓቢሮም ።
ኣንቶንዮ ቢሊንከን ቀዳማይ ሚኒስተር ኔታንያሁ ዝቐረበ ናይ ስምምዕነት ሓሳብ ተቐቢሎም ክብሉ ዕላዊ ምግባሮም ዓብይ ጌጋ ከም ዝሰርሑ ናይ እስራኤል ውሽጢ ዓዲ ፍልፍላት ሚዲያ ዝሓበሩ ኮይኑ እቲ ፍርዲ ናብ ሃማስ ክዛዝይ ገይሩ ኢሎም ።
እቶም ፍልፍላት ቢሊንከን ከይዲ እቲ ድርድር ኣትሒቱ ብምርኣይን ሕፅረት ኣኹል ምርዳእን ኣለዎም ብፍላይ ድማ ንውሽጣዊ ፓለቲካ ኣሜሪካ ማለት እውን ሰልፊ ዲሞክራት ክብሉ ጣላዕ ተፃዊቶም ክብል መንግስቲ ብውሽጣ ውሽጢ ከምዝኸሰሶም እጥዕም ምኝጭታት ጠቂሰን ማዕከናት እታ ሃገር ጸብፂበን ኣለዎ ።
እሙናት ምንጪታት እስራኤል ከምዝሓበርዎ ኣንቶንዮ ቢሊንከን ኣብ ደው ምባል ቶኹሲ ጋዛን ምልውዋጥ እሱራትን ሽርሒ ኣለዎም ክብሉ ይኸሱ።
ላዕለዎት ተደራደርቲ እስራኤል ብሊንከን ኣብ እዋን ጋዜጣዊ መግለጺኡ ብዝሃቦ መግለጺታት ከምዝተሰናበዱን ምስ ናታንያሁ ብምውጋንን ህያብ ብምሃብን ኣብቲ ስምምዕ ናይ ሞት ፍርዲ ኣውሪዱሉ ኢሎም ከም ዝኣመኑ እቶም ፍልፍላት ወሲኾም ሓቢሮም።
