Cyber Power Tigray Media (CPT media )

ሳይበር ፖወር ትግራይ ሚድያ – ነፃን ህዝባውን ሚድያ እዩ!


Follow us on:
ዜና ትግርኛ
0

★ ባንክታት ኣብ ጎኒ ናይ ነዊሕ እዋን ዓሚሎም ክኾኑ ማሕበረሰብ ንግዲ ትግራይ ፀዊዒት ኣቕሪቦም ።

ማሕበረሰብ ንግዲ ትግራይ ሎሚ ኣብ ዘሳለጥዎ ኣኼባ ብዓል 10 ነጥቢ መግለፂ ቅዋም ዘውፅኣ እንትኾን ተመዛበልቲ ነጋዶ ወገናት ኣብ ልዕሊ ፀገሞም ልቓሕን ወለድን ምሕታት ደው ክብልን ናብ መረብቶም ክምለሱን ፀዊዑ።

ብብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ዝወፅኣ መምርሒ ልቓሕ ዝተቓወሙ ማሕብረስብ ንግዲ ትግራይ ብሃገር ብርኪ ዝሳለጥ ዘሎ ምምሕያሽ ማይክሮ ፋይናንስ ኩነታት ትግራይ ኣብ ግምት ዘእተወ ኣይኮነን ኢሉ ።

ኣብቲ ቅዋም መግለፂ ባንክታት ንነጋዳይ ትግራይ ኣብ ምድጋፍን መፍትሕታት ምቕማጥን እግረን ይጎታ ስለዘለዋን ንስጉምቲ ዝፃደፋሉ ኩነታት ተፈጢሩ ስለ ዝርከብ ብቐፃልነት ነጋዳይ ኣብ ባንክታት ዘለዎ ርክብ ምቕናስ ክሳብ ምቁራጽ ከምዝኸይድ ዝቡሉን ካልኦት ነጥብታት ዘካተተ ቅዋም እዩም ኣውፅኦም ።

★ ሩስያን ቻይናን ወታደራዊ ርክበን ንምጥንኻር ዘኽእል ዘተ ኣሳሊጠን።

ክልቲኣን ሃገራት ርክብን ንምጥንኻር ዝዓለመ ናይ ምክልኻልን ወታደራዊ ዘተ ምስላጠን መከላኸሊ ሚኒስትር ሩስያ ኣፍሊጡ።

ደረት ኣልቦ ርክባት እናጠናኸራ ዝርከባ ቤጅንግን ሞስኮን ኣሜሪካ ኣብ እስያ ተፅዕኖ ክትሐይል ትሰርሕ ኣላ ክብላ ይኸሳ።

★ ኣባላት ቤት ምኽሪ ኢንግሊዝ ናብ እስራኤል ዝግበር ሰደድ ኣፅዋር ደው ክብል ፀዊዖም።

ኣስታት 50 ዝኾኑ ኣባላት ቤት ምኽሪ ኢንግሊዝ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘፅደቆ እስራኤል ኣብ ጋዛ ካብ ዝሓዘቶም ከባብታት ክትወፅእ ዝድንግግ ደንቢ ብምሕጋዝ መንግስቶም ናብ እስራኤል ዝግበር ሰደድ ኣፅዋር ደው ከብሎ ከምዝፀውዑ ተገሊፁ።

እቶም ኣባላት ቤት ምኽሪ መንግስቲ ኢንግሊዝ ነቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝወፀ ደንቢ ብምድጋፍ ዘይሕጋዊ ሰፈራ እስራኤል ኣብ ጋዛ ክቃወምን ነዚ ፅዕንቶ ንምግባር እውን ክሰርሕ ከምዝግባእ ምግላፆም ኣናደሉ ፀብፂቡ።

★ እስራኤል 25 ሚኢታዊ ክፋል ህዝቢ ሊባኖስ መረበቶም ክልውቁ ትእዛዝ ምሃባ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ገሊፁ ።

ቅድሚ ክልተ ሰሙን ምስ ሂዝቦላህ ንምውጋእ ናብ ደቡባዊ ሊባኖስ ወራራት ዝጀመረት እስራኤል ንልዕሊ ርብዒ ክፋል እታ ሃገር መረበቶ ለቒቕዕም ክወፁ ዝገብር ወተሃደራዊ ትእዛዝ ከም ዘውጽኣትን በዚ ድማ ህዝቢ ኣብ ከቢድ ማሕበራዊ ቅልውላው ከም ዝጠሓለ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ ኣሎ ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓድሽ ትእዛዝ እስራኤል ርብዒ እታ ሃገር ክባድምን ክህሰን ውሳነ ከም ዝተመሓላለፈ ዘመላኽት ምዃኑ ዳይረክተር ማእከላይ ምብራቕ ናይቲ ትካል ስደተኛታት ሬማ ጃሞስ ኢምሰይስ ኣብ ጀነቫ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።

★ ኢንግሊዝ ልዕሊ መጠን ብዝኾነ ርጉዲ ካብ ስራሕ ንዝረሓቑ ዜጋታታ ክታበት ከም ዝጀመረት ተገሊጹ።

እታ ሃገር ነዚ ወፍሪ ክታበት ኣስታት 280 ሚሊዮን ፓውንድ ወፃኢ ከም ትገብር ዝተገለጸ እንትኸውን፤ ብሰንኪ ልዕሊ መጠን ብዝኾነ ርጉዲ ካብ ስራሕ ብዝረሓቑ ዜጋታታ ቁጠባኣ ይንኪ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ኢንግሊዝ ብሰንኪ ልዕሊ መጠን ብዝኾነ ርጉዲ ዝመፁ ሕማማት ንምክልኻልን ዝባኽን ቁጠባ ምንካይን ንምክልኻልን ሩጉዲ ዝንክይ ክታበት ከምዝጀመረት ዩሮ ኒውስ ፀብፂቡ።

ኢንግሊዝ ልዕሊ መጠን ብዝኾነ ርጉዲ ካብ ስራሕ ብዝረሓቑ ዜጋታታ ምኽንያት 13 ቢሊዮን ዩሮ ከምትስእን ተገሊጹ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *